ድርብ ማህፀን ዘለዋ ኣደ ኣብ ክልተ መዓልቲ ክልተ ዕሸላት ተገላጊላ

ኬልሲ ሃቸር

ምንጪ ስእሊ, ANDREA MABRY/UNIVERSITY OF ALABAMA AT BIRMINGHAM

Published

ሳሕቲ ዝረአ ድርብ ማህፀን ዘለዋ ኣመሪካዊት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ክልተ ግዜ ወሊዳ።

ን20 ሰዓታት ድሕሪ ዝፀንሐ ሕርሲ ድማ እቲ "ሓደ ካብ ሚልዮን" ዘጋጥም ፍጻመ ተራእዩ ኣሎ።

ጓል 32 ዓመት ኬልሲ ሃቸር፡ ብሰሉስ ቀዳመይቲ ብረቡዕ ድማ ካልኣይቲ ጓላ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኣላባማ ኣብ በርሚንግሃም ተገላጊላ።

እተን "ተኣምራዊ ዕሸላት" ኣመልኪታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝፀሓፈቶ ፡ ነቶም ሓካይም "ዝገርሙ" ክትብለ ንኢዳቶም።

እተን ኣዋልድ ሳሕቲ ዘጋጥም ዝተፈላለየ ዕለተ ልደት ዘለወን ከም ሕውነታዊ ማናቱ እየን።

እቶም ኣባላት ስድራቤት ሕዚ "በዓላት ከስተማቕሩ" ናብ ገዝኦም ተመሊሶም ኣለዉ።

እታ ኣደ ቅድሚ ሕዚ ንበዓል ልደት ወሊዳ ክትምለስ ተስፋ ነይርዋ።

ሓንቲ ሓኪም ማህጸን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል እተን ኣዋልድን ኣደን ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ከምዝርከቡ ኣረጋጊጻ።

ሃቸር ኣብ 17 ዓመት ዕድሚኣ፡ ድርብ ማህፀን (ማህፀን ዲደልፊስ) ከምዘለዋ ተነጊርዋ ነይሩ - እዚ ድማ ኣብ 0.3 ሚእታዊት ደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥም’ዩ።

ኣብ ክልቲኡ ማህፀን ጥንሲ ናይ ምሓዝ ተኽእሎ ድማ ዝያዳ ትሑት ኰይኑ "ካብ ሚልዮን ሓደ" ዘጋጥም’ዩ።

ሃቸር፡ ቅድሚ ሕዚ ሰለስተ ንቡር ጥንሲ ነይርዋ። ኣብዚ እዋን’ውን ተመሳሳሊ ክኸውን’ዩ ነይሩ ትጽቢታ።

ክልተ ዕሸላት ከምዝጠነሰት ምስተረጋገፀ "... በቃ ክንኣምኖ ኣይከኣልናን" ኢላ ነይራ።

 ኬልሲ ሃቸር ምስ ደቃን በዓል ቤታን

ምንጪ ስእሊ, UNIVERSITY OF ALABAMA AT BIRMINGHAM

መግለጺ ስእሊ, ኬልሲ ሃቸር ምስ ደቃን በዓል ቤታን

ነቲ ሕርሲ ብሓባር ዘዋለደ ፕሮፌሰር ሪቻርድ ዳቪስ፡ ነፍሲ ወከፍ ህጻን "ንኽዓቢን ንኽምዕብልን ተወሳኺ ቦታ" ከምዘስተማቐረ ኣመልኪቱ።

እታ ቀዳመይቲ ሮክሲ፡ ብ19 ታሕሳስ ብኣቆጻጽራ ብሕርሲ ሕርሲ እያ ተወሊዳ። እቲ ካልኣይቲ ረቤል ድማ ድሕሪ ልዕሊ 10 ሰዓታት ብመጥባሕቲ [ሲ ሴክሽን] ተወሊዳ።

ፕሮፌሰር ዳቪስ፡ እተን ኣዋልድ ማንታ ክበሃላ ከምዝኽእላ ይዛረብ።

"ኣብ መወዳእታ እታ መዓልቲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ከብዲ ክልተ ዕሸላት ነይሮም"።