ባይቶ ስሪላንካ፡ ህዝባዊ ድጋፍ ዘይብሉ ፖለቲከኛ ፕረዝደንት ገይሩ መሪጹ

ራኒል ዊክሬሜሲንግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣባላት ባይቶ ስሪላንካ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ዝገጥሞ ንዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ዝዀነ ራኒል ዊክሬሜሲንግ ሓድሽ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ገይሮም መሪጾም።

እቲ ሓድሽ ፕሬዝደንት፡ ስሪላንካ ኣጋጢሙዋ ካብ ዘሎ ቁጠባዊ ውድቀት ከውጽኣን ንኣዋርሕ ብዝነበሩ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዝተናግዐ ምሕደራ ናብ ንቡር ክመልስን ትጽቢት ይግበር።

ራኒል፡ ነቲ መነሓንሕቱ ኰይኑ ዝቐረበ ዱለስ ኣላሃፔሩማ፡ 134 ኣፈናዊ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ። ዱለስ፡ 82 ድምጺ ረኺቡ።

ፕሬዝደንት እታ ሃገር ዝነበረ ጎታባያ ራጃፓክሳ፡ ኣብታ ሃገር ብዝሓየሎ ተቓውሞ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብታ ሃገር ሃዲሙ ከም ዝወጽአ ይዝከር።

ኣሽሓት ተቓወምቲ፡ ንፕሬዝደንታዊ መንበሪ ገዛን ካልኦት መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮን ድሕሪ ምቁጽጻሮም፤ እቲ ፕሬዝደንት ካብ ስልጣን ክወርድ ክጠልቡ እንከለው፡ ጎታባያ ናብ ማልድቪስ ድሒሩ ድማ ናብ ሲንጋፖር ከይዱ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ቀዳማይ ሚኒስር ኰይኑ ዝተሸመ ናይ ቀረባ መሓዛ ጎታባያ ዝዀነ ዊክሬሜሲንግ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝሓቱ ተቓውሞታት ነይሮም’ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቶም ተቓወምቲ መንበሪ ገዝኡ ብሓዊ ዘቃጸሉዎ ኰይኖም፡ ኣብ ኮሎምቦ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ’ውን ንመሪሕነቱ ብምቅዋም ብሓዊ ኣንዲዶምዎ።

ሕዚ ፕሬዝደንት ኰይኑ ምምራጹ ድማ ቁጥዐ ፈጢሩሎም ኣሎ።

“በቲ ውጽኢት ኣይተሓጐስኩን . . . 134 ኣባላት ባይቶ ነቲ ህዝቢ ይውክሉ’ዮም ኢለ ኣይኣምንን” ክብል ሓደ ተቓዋሚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መበል ሻድሻይ ቀዳማይ ሚኒስትር ስሪላንካ ዝነበረ ዊክሬሜሲንግ፡ ብብዙሓት ሰባት ጐራሕ ፖለቲከኛ ተገይሩ’ዩ ዝጥመት። ክልተ ግዘ፡ ንፕሬዝደንታዊ መሪሕነት ተወዳዲሩ ኣይሰመረሉን።

በቲ ሎሚ ዝረኸቦ ድምጺ ድማ፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2024 ኣብ ስልጣን ክጸንሕ’ዩ።

ንሱ፡ ኣብታ ሃገር ሓድነት ክመጽእን ንቕድሚት ክትስጉምን ጸዊዑ።

እታ ሃገር “ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት’ያ ጸኒሓ” ዝበለ እቲ ፕሬዝደንት፡ ንቕድሚት’ውን “ዓበይቲ ግድላት” ኣለው ክብል ነቶም ኣባላት ባይቶ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ ስሪላንካ፡ ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላው ሕጽረት ገንዘብ፣ ነዳድን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ኣጋጢሙዋ ይርከብ።

ፕሬዝደንት ዊክሬሜሲንግ ድማ፡ ፖለቲካዊ ምርግጋእ እታ ሃገር ናብ ንቡር ክመልስን ምስ ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዝግበሩ ዝርርባት ዳግም ክጅመሩን ክሰርሕ ከም ዘመዓዱ ገሊጹ።

ኣገደስቲ ሓቅታት ስሪላንካስሪላንካ

  • ካብ ደቡባዊ ህንዲ ውጽእ ኢልካ ዘላ ደሴታዊት ሃገር እያ። ብ1948 ካብ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ናጻ ወጺኣ።እዛ ሃገር ሲንሃልሴ፣ ታሚልን ሙስሊምን ዝብሃሉ ሰለስተ ብሄራት ዘለውዋ ኰይና፡ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝባ 22 ሚልዮን እዩ።
  • ንዓመታት፡ ኣሕዋት ሓደ ስድራ ነታ ሃገር ብሒቶምዋ ጸኒሖም። ማሂንዳ ራጃፓክሳ፡ መንግስቱ ብ2009 ንተገንጸልቲ ዕጡቓት ታሚል ስዒሩ ንዓመታት ዝነበረ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕ ብምግባሩ፡ ሲንሃሌሳውያን ከም ጅግና ይርእዩዎ ነይሮም።ሓው ጎታባያ፡ ኣብቲ ግዘ ሚኒስትሪ ምክልኻል ነይሩ ድሓር ፕረዚደንት ኰይኑ።
  • ፕረዚደንት፡ መራሒ ሃገርን መንግስትን ከምኡ’ውን ኣዛዚ ሰራዊት እኳ እንተዀነ፡ ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ብዙሕ ሓላፍነታት ኣየካፈልን።ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ባይቶ ንዝኣተወ ገዛኢ ሰልፊ ይመርሕ።
  • ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላዋት፡ ዜጋታት ናብ ጎደናታት ወጺኦም ክቃወሙ ተገዲዶም። ሓያል ዝቕባበ ዋጋ፡ ሕጽረት ገለ ቀረባት ምግቢ፣ መድሓኒትን ነዳድን ኣስዒቡ።