ትግራይ፡ መሳርሕታት ሕክምና ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኵሓ ተዘሚቱ

Published

ኣብ ትግራይ፡ መሳርሕታት ሕክምና ሓፈሻዊ ሕክምና ሆስፒታል ኵሓ ከም ዝተዘመተ ተፈሊጡ።

መሳርሕታት ሕክምና እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል፡ ብ 01 ነሓሰ 2015 [ኣ ግ] ለይቲ ከም ዝተዘመተ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም።

መዲካል ዳይረክተር ሓፈሻዊ ሕክምና ሆስፒታል ኵሓ ዶክተር ክብሮም ተወልደ፡ “ዕለት 01 ነሓሰ ናብ ዕለት 02 ኣብ ዘወግሕ ለይቲ መስኰት ብምስባር መሳርሒ ሕክምና ባዮሜትሪን ካልኦት መሳርሒ ሕክምናን ወሲዶም” ክብል ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ባዮሜትሪ፡ ስታቢላይዘር፡ ፕሪንተር፡ ኣውቶቴራፖሜትርን ኤስካንን ዝበሃሉ መሳርሒታት መርመራ ዓይኒ ከም ዝተሰረቝ ኣነጺሩ።

ዶክተር ክብሮም፡ “መጥባሕቲ ስብሒ ዓይኒ ‘ካታራክት’ እንትካየድ፡ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ሌንስ ስለዘሎ፡ ናይቲ ሌንስ ስፍሓቱ ንምዕቃን እንጠቀመሎም መሳርሕታት እዮም ነይሮም” ክብል ዓይነታትን ኣገልግሎትን እዞም ዝተዘመቱ መሳርሒታት ሕክምና ኣረዲኡ።

እዞም ዝተዘመቱ መሳርሕታት ሕክምና፡ ካብ ‘ሂማልያን ካታራክት ፕሮጀክት’ ብሓገዝ ዝተረኸቡ ምንባሮም እቲ ሆስፒታል ኣፍሊጡ።

ሓፈሻዊ ሕክምና ሆስፒታል ኵሓ ንውጉኣት ኵናት ሓይልታት ትግራይን፡ ምስ ካታራክት ዝዛመድ ጸገም ዘለዎም ካብ ምሉእ ትግራይን ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝመጹ ተሓከምቲ ዝግልገልሉ እዩ።

መዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም፡ እቲ ሆስፒታል ናብ ዝምልከቶ ኣካል ሪፖርት ከምዝገበረን፡ ጸጥታን ምምሕዳርን እቲ ክፍለ ከተማ ከምኡ እውን ዞባ መቐለ ኮሚቴ ቈይሙ ምክትታል ይግበር ኣሎ ኢሉ።

እቲ ሆስፒታል ኣብዚ እዋን ስራሕ ደው ከምዘየበለ ከኣ ተዛሪቡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኵሓ ገብረኣብዝጊ ገብረኣምላኽ፡ ፖሊስ፡ ሰብሞያ ሕክምናን ዋርድያታት ዝርከብዎም ሽድሽተ ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ከም ዘውዓለ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ከም ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ ብቐጥታ ጕጅለ ምጽራይ ኣጣይሽና፡ ነጻሪ ኣለና። ክሳብ ሕዚ ሽድሽተ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣውዒልና ኣለና። ብዕለት 01 ነሓሰ ናብ 02 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ተረኛታት ዝነበሩ ሓኻይምን ዘብዐኛታትን እዮም እቶም ኣብ ቀይዲ ዘውዓልናዮም” ኢሉ።

እቲ ቤት-ጽሕፈት ፖሊስ፡ ካብ መንጐ እቶም ዝተዛመቱ እቲ ባዮሜትሪ ዝበሃል መሳርሒ ሕክምና፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ሓፈሻዊ ሕክምና ሆስፒታል ኵሓ ጥራይ ዝርከብን ኣብ ትግራይ ክሽየጥ ዘይክእልን ከምዝዀነ ሓቢሩ።

እዞም መሳርሒታት ሕክምና ምስ ተሰረቝ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ማእከላት ሕክምና ዓይኒ ተፍትሽ ከም ዘካየደን ናብ ካልኦት ክልላት ከይወጽእ ኣብ ኬላታት’ውን ተፍትሽ ይካየድ ከምዘሎ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ተዛሪቡ።

ካልኦት ምንጭታት ቢቢሲ ድማ፡ እቲ ዝተዘመተ መሳርሒ ሕክምና ብመጠኑ ገዚፍን ኣብ ትግራይ ኣብቲ ሆስፒታል ጥራይ ዝርከብን ብዋጋ እቲ ዝኸበረ መሳርሒ ከም ዝዀነ ገሊጾም።

ተደጋጋሚ ምዝማት እቲ ሆስፒታል ንምንታይ?

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኵሓ ክዝመት እዚ ፈላማይ ኣይኰነን።

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ’ውን ‘ኮሎምበስ’ ዝበሃል ዓቢይ ማይክሮስኮፕን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝተቐበረ ናይ ኔትዎርክ ኬብላትን ከም ዝተሰረቝ ሰብሞያ ሕክምና እቲ ሆስፒታል ንቢቢሲ ገሊጾም።

ብፍሉይ ከምዚ ዓይነት ተደጋጋሚ ስርቂ ኣብቲ ሆስፒታል ንምንታይ የጋጥም ኣሎ ዝብል ሕቶ ዘቕረብናሉ መዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም፡ እቲ ሆስፒታል ስጡም ቍጽጽር ስለዘይብሉ እዩ ኢሉ።

“ፍርቂ እዚ ሆስፒታል ሓጹር የብሉን። ንዕኡ ዝምጥን ዝተጠናኸረ ሓለዋ ጸጥታ ብዘይምህላዉን ምስ ትኹረት ምንኣስን ተተሓሒዙ ዝመጸእ እዩ” ክብል ደረኽቲ ዝበሎም ምኽንያታት ኣቐሚጡ።

ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለከተማ ኵሓ ገብረኣብዝጊ ገብረኣምላኽ፡ ዋላ’ኳ እቲ መርመራ ገና ኣብ ከይዲ ዘሎ እንተዀነ፡ እቲ ጸገም ኣብ ሰብሞያ እቲ ሆስፒታል ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝብል ግምት ኣለዎ።

“ኣብቲ ሆስፒታል ኰነ ኣብታ ከተማ ብናይ ፓትሮል መልክዕ ሓለዋ ንገብር ኢና። ንምንታይ ደኣ እዚ ዅሉ ዘረፋ ተኻይዱ እንተተባሂሉ ግን ዋላ’ኳ እዚ ጉዳይ ኣብ ከይዲ ምጽራይ እንተሃለወ፡ እቲ ስርቂ ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዘለዉ ሞያተኛታት ክኸውን’ዶ ይኽእል ኢልካ ትግምት”ኢሉ።

ብዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ስርቂ እቲ ሆስፒታል ጽኑዕ ሓለዋ ንኽግበረሉ ንምንታይ ዘይሰራሕኩም ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ መዲካል ዳይረክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ክብሮም፡ “ምስ ቦርድን ክፍለ ከተማን ተመያይጥና ነቲ ዘሎ ጸገም ንምቅላል ሓይሊ ፖሊስ ተወሲኹልና ብዝተወሰነ መልክዑ ተረጋጊኡ ነይሩ። ካብኡ ግን ምኽንያቱ ብዘይንፈልጦ እቶም ዝተመደቡ ፖሊስ ኣይቀጸሉን። እቶም ናትና ዋርድያታት ድማ ውሑዳት’ዮም፡ መሳርሒ’ውን የብሎምን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኵሓ ዝተፈጸመ ካልእ ዝምታ

ብተዛማዲ ኣብታ ከተማ ኣብ ተመሳሳሊ ቅነ መኻዚኖ ሰብኣዊ ረድኤትን ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርትን ከም ዝተዘመተ ምንጭታት ቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብቲ መኻዚኖ ብማእከላይ ገምጋም ኣስታት 800 ኩንታል ዝኸውን ሰብኣዊ ረድኤት ከም ዝነበረ እዮም እቶም ምንጭታት ዝሕብሩ።

ኣዛዚ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኵሓ ገብረኣብዝጊ፡ ካልኣይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ወልደንጉስ ከም ዝተሰረቐ ብምርግጋጽ፡ “እቶም ዝተሰረቝ ማዓጹ እቲ ቤት-ትምህርቲ ተመሊሶም’ዮም” ኢሉ።

ኣብ ጉዳይ እቲ ዝተሰረቐ መኻዚኖ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተሓተተ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተዓቂቡ።

“ እቲ ፈለማ ዝሓተትክኒ (ምዝማት ሆስፒታል ኵሓ) መሊሰልኪ ኣለኹ። ብዛዕባ እቲ ምዝማት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከት ኣብ ከይዲ እዩ ዘሎ፡ ሕዚ መግለጺ ክህበሉ ኣይኽእልን” ብምባል ተዓቂቡ።

ኲናት ትግራይ ድሕሪ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ኢሉ ነገራት ቀስ ብቐስ ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሰሉ ዘሎ እዋን'ውን ኣብታ ክልል መጠነ-ሰፊሕ ስርቂን ዝምታን ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ዩኤስአይድን ንዝጠመየ ህዝቢ ተባሂሉ ዝተላእከ ሰብኣዊ ረድኤት ተጓሒሉ ኣብ ዕዳጋታት ክሽየጥ ስለዝተርኣየ፡ ዝገብርዎ ሓገዝ ከምዘቋረጹ ይፍለጥ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝተሰረቐ ብምእማን ነዚ ዝከታተልን፡ ንተፈጸምቱ ተሓተትቲ ዝግበር ሓይሊ ዕማም ከምዘቘመ ኣይርሳዕን።