ካብ ዝተገልበጠት መኪና ጽዕነት ዝተሰረቐ መርዛም ኬሚካል ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ

ምንጪ ስእሊ, Nema Kenya/X
ሰበስልጣን ኬንያ ኣብ ጥቓ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ካብ ዝተገልበጠት ናይ ጽዕነት መኪና ዝተዘመተ ኣዝዩ መርዛም ኬሚካል ዝሓዘ በራሚል ንምርካብ ጻውዒት ሓገዝ ኣቕሪቦም።
እቲ ‘ሶድየም ሳይናይድ’ ዝዓይነቱ ኬሚካል ሓደገኛ ምዃኑን ብውሑድ መጠን እውን ናብ ኣፍ እንተኣትዩ ወይ ክተተንፍስ ከለኻ እንተተሳሒቡ ክቐትል ከምዝኽእል ሰብመዚ ጥዕና ኣጠንቂቘም። ንኣከባቢ እውን ዓቢይ ሓደጋ ከምዘስዕብ ሓቢሮም።
ኣብ ኬንያ ድሕሪ ኣብ ጽርግያታት ዘጋጥም ሓደጋ፡ ናይ ጽዕነት መካይን ክዝመታ ልሙድ ተርእዮ እዩ።
እታ ናይ ጽዕነት መኪና ብሰንበት ኣጋምሸት ድሕሪ ምግልባጣ ከኣ ሓያሎ በራሚል ብሰባት ተወሰዱ’ሎ።
መንግስቲ እታ ሃገር ህዝቢ ካብቲ ኣብ ጽዑቕ ጽርግያ ናይሮቢ-ናኩሩ ዝርከብ ቦታ ክዕቀቡ ከተሓሳስብ እንከሎ ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ ዜጋታቱ መንገዲ ክቕይሩ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ሓደጋ ካብ ናይሮቢ ኣስታት 35 ኪ.ሜ ርሒቝ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ኣብ ጽርግያ ላሕኲ ኣጋጢሙ እዩ።
እታ ሎሪ ክትግልበጥ ምኽንያታ እንታይ ምዃኑ ገና ኣይተነጸረን፤ ሰብመዚ ብዛዕባ ኵነታት እቲ መራሒ መኪና ዝርዝር ሓበሬታ ኣይገለጹን።
ሃገራዊ ትካል ኣከባቢ ኬንያ፡ ህዝቢ ነቶም በራሚል ኣብ ዝዀነ ቦታ እንተርእዩ ኣብ ቀረባኡ ንዝርከብ መደበር ፖሊስ ብቕልጡፍ ከፍልጥ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
"ህዝቢ ምስ ትሕዝቶ እቶም ጻዕዳ ዝሕብሮም ንጥረ ነገራት ዝሓዙ በራሚል ምትንኻፍ ከይህልዎ'ውን ይጠንቀቕ" ይብል እቲ ትካል።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኬንያ፡ እቲ ኬሚካላት መከላኸሊ ክዳን ብዝለበሱ ሰብሞያ ጥራይ ክእከብ ከምዘለዎም ገሊጹ።
“ሶድየም ሳይናይድ ኣብ እንስሕቦ ኦክስጅን ምትእጉጓል ዘስዕብ ኰይኑ፣ ብዝለዓለ መጠን እንተተዋሒጡ ወይ ከም ኣየር እንተተሳሒቡ ቅልጡፍ ሞት የስዕብ። ምልክታቱ ከኣ ሕማም ርእሲ፡ ምድንዛዝ፡ ርቡጽ ምስትንፋስ፡ ረስኒ፡ ተምላስን ምንቅጥቃጥን ይርከብዎም” ይብል።
ሶድየም ሳይናይድ ንሓመድን ትሕተ-ምድራዊ ማይን ክብክል ከምዝኽእል ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፡ እቲ ኬሚካል ኣብ ከባቢ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።
ረብሓ እቲ ኬሚካል፡ ባልዓት ንምጥፋእ፡ ኣብ ምውጻእ ወርቅን ብሩርን ከምኡ’ውን ምፍራይ ኬሚካላት ከምዘጠቓልል ሃገራዊ ትካል ድሕነትን ጥዕናን ኣመሪካ የመልክት።
ገለ ሰባት ነቲ ኬሚካል ዝሓዘ በራሚል ብዓረብያ ክወስዱ እንከለዉ፡ ጀሪካን ሒዞም ዝመጽኡ ካልኦት ሰባት ድማ እቲ ንጥረ ነገር ዋላ ሓንቲ ረብሓ ከምዘይብሉ ምስተረድኡ ጥርሖም ከምዝተመለሱ ማዕከናት ዜና ኬንያ ሓቢረን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
