ጓላ ዝሰኣነት ሕዝንቲ ኤርትራዊት፡ ኣብ ልዕሊ ኬንያውያን ሰምሰርቲ ዘለዋ ቍጥዐ

ሰናይት መብራህቱ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀላይ ቱርካና ጓላ ስኢና
መግለጺ ስእሊ, ሰናይት መብራህቱ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቀላይ ቱርካና ጓላ ስኢና
    • Author, ኣሽሊ ላይምን ነጻነት ደበሳይን
  • Published
  • ንባብ: 5 ደቓይቕ

ጸሓይ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ፍሉጥ ቀላይ ቱርካና ክትዓርብ እንከላ፡ ኤርትራዊት ስደተኛ ሰናይት መብራህቱ፡ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት [ሰምሰርቲ] ብዝጥቀምሉ ብዝነበሩ ሓድሽ መስመር ኣቢላ ናብ ኬንያ ክትበጽሕ ኣብ እትጓዓዘሉ ዝበረት እዋን ንዝጠሓለት ጐርዞ ጓላ እናዘከረት፡ ኣብቲ ደንደስ ቀላይ ኰይና ዝርንዛሕ ትነብዕ።

ኣማኒት ጴንጠቆስጠ ዝዀነት ሰናይት መብራህቱ፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት እያ ኣብ ኬንያ ዕቝባ ሓቲታት ክትነብረ ጅሚራ። እታ 'ህያብ' ኢላ ዝሰመየታ ጓል 14 ዓመት ውላዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህይወታ ዝሰኣነትሉ ቦታ ክትርኢ፡ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ዑደት ገይራ።

ህያብ ምስ ሓብታ እያ እትጓዓዝ ዝነበረት፤ ሓብታ ነቲ ሓያል ንፋስ ክነብሮ ዝኽእል ዓቢይ ቀላይ ብለይቲ ክትሰግሮ እንከላ፡ ንሳ ግን ህይወታ ደኣ ሰኣነት።

ወይዘሮ ሰናይት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ናይቲ ቀላይ ኮፍ ኢላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እቶም ኣሰጋገርቲ ኣብ ኬንያ ከምዚ ዝበለ ዓቢይን ሓደገኛን ቀላይ ከም ዘሎ እንተ ዝነግሩኒ፡ ደቀይ በዚ ክመጽኣ ኣምበይ ምፈቐድኩን፡" ኢላ።

ሰናይት ብሰንኪ እምነታ ክወርዳ ካብ ዝኽእል መግደራ ሃዲማ እያ ምስ ክልተ ንኣሽቱ ደቃ ብናይ በጻሕቲ ቪዛ ናብ ናይሮቢ - ኬንያ ብነፋሪት ዝኣተወት።

እተን ካልኦት ክልተ ደቃ ግን ምስኣ ኣይተማልአተንን፤ ምኽንያቱ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት ቈልዑ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ይፍቀዶም ስለ ዘይነበረ።

እዘን ክልተ ኣሕዋት ኣብ ቀዳማይ ገጽ ግርዝውና ዝረገጻ ስለ ዝነበራ ድማ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝኸዳሉ ዕድመ ይጽበየን ነበረ።

ኣብታ ልዑል ዕስክርና ዘለዋን ብሓደ ሰልፊ እትምራሕን ሃገር፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት መወዳእታኡ ዘይፍለጥን ግዱድ ዕዮ ዘጠቓለለን ክኸውን ይኽእል እዩ።

እተን ኣሓት ንኣደአን ናብ ኬንያ ከተምጽአን ተማሕጸናኣ'ሞ፡ ምስ ቤተሰባ ተላዘበት። ኰነ ድማ፡ ነቶም ካብ ኤርትራ ዘውጽኡ ሰምሰርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ክኸፍሉዎ ቃል ኣተዉላ።

ዕጫ እዘን ክልተ ደቃ ኣብ ኢድ ሰምሰርቲ ወደቐ። ንሰሙናት ድማ ካብ ኤርትራ ናብ ትግራይ፣ ቀጺሉ ናብ ደቡብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ገምገም ቀላይ ቱርካና ተጓዕዛ። ቀላይ ቱርካና ካብ ዓለም ዝዓበየ ምድረበዳዊ ቀላይ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ኬንያ ዝምቕማጣ ኣብ ስምስርና እትነጥፍ ጓለንስተይቲ፡ ቀላይ ቱርካና ከም ዘይሕጋዊ መሰጋገሪ ስደተኛታት ይጥቀምሉ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ኣረጋጊጻ።

"ኣዝዩ ሓድሽ ስለ ዝዀነ፡ ድጂታላዊ መስመር ኢና ንብሎ፡" ትብል።

እዛ ብዛዕባ ስርሓ ዘዘራረብናያ ሰምሳሪት፡ ሓደ ሰብ ናብ ኬንያ ክኣቱ ኰነ ክወጽእ 1,500 ዶላር ተኽፍል። እዚ ድማ ካብ ማእከላይ ገምጋም ወርሓዊ ደሞዝ ኬንያ ኣርባዕተ ዕጽፊ ዝዓቢ እዩ።

ነዚ ቃለመሕትት ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ኰይና እያ ኣካዪዳቶ፣ ስማ ክፍለጥ'ውን ኣይደለየትን።

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ሩዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቃን - ብቐንዱ ድማ ነቶም ካብ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝመጽኡ ዘሰጋግር ዓቢይ መርበብ ኰይና ንዝሓለፈ 15 ዓመታት ሰሪሓ።

ኬንያ፡ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት ዝግበር ኰለላ ወይ ሓለዋ ኣብ ዘዕበየትሉ እዋን፡ ሰምሰርቲ ናብታ ሃገር ንምእታው ናብ ቀላይ ቱርካና የቋምቱ ኣለዉ።

ቀላይ ቱርካና
መግለጺ ስእሊ, ቀላይ ቱርካና
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ኣብቲ ሓድሽ መስመር ዝርከቡ "ወኪላት"፡ ነቶም ስደተኛታት ኣብታ ኣብ ኬንያ እትርከብ ቍሸት ገፈፍቲ ዓሳ ዝዀነት ሎመክዊ ይቕበሉዎም። ካብኡ ድማ ኣውቶቡሳት ወይ መካይን ኣዳልዮም ናብ ናይሮቢ ይወስድዎም። እቲ ጕዕዞ ኣስታት 15 ሰዓታት ይወስድ።

በተን ሰንኰፋትን ብዕንጸይቲ ዝተሰርሓን ጃላቡ ገይርካ ክትጓዓዝ ዘለዎ ሓደጋታት ኣጠንቂቓ። ወለዲ ንደቈም በይኖም ከይሰዱዎም ድማ ተማሕጺና።

"ነቲ ዝረኽቦ ገንዘብ ኣዝየ ይፈቱዎ እየ ክብል ኣይክእልን፣ ምኽንያቱ፡ ከም ኣደ መጠን ኣብ ልዕሊ ውሉዳት ካልእ ጓለንስተይቲ ሕማቕ ነገራት ከጋጥም እንከሎ ክሕጐስ ኣይክእልን እየ፡" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ስደተኛታት እንተ ሰሚዖምኒ ክመኽሮም እደሊ፤ ኣብ ሃገሮም ክጸንሑ ከኣ እምሕጸኖም፡" ኢላ። ብዙሓት ኣሰጋገርቲ ድማ ብዛዕባ እቶም ስደተኛታት ርህራሀ ዘይብሎም ምዃኖም ኣጠንቂቓ።

ብምኽንያት ጸጥታ ሓቀኛ ስሙ ክገልጽ ዘይደለየ ዑስማን ዝተባህለ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ምስ ህያብን ሓፍታን ኣብ ሓደ እዋን እዩ ተጓዒዙ።

እታ ጃልባ ንደቡባዊ ምዕራብ ናብ ሎመክዊ እያ ትጓዓዝ ነይራ፤ ካብታ ቍሸት ገፈፍቲ ዓሳ ዝዀነት ኢለረት ምስ ወጽኡ ነዊሕ ከይጸንሑ እዩ ኣጋጢሙ። እታ ህያብ ዝነበረታ ጃልባ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ከመይ ከም ዝጠሓለት ከኣ ቅጅል ይብሎ።

"ህያብ ኣብታ ኣብ ቅድሜና ዝነበረት ጃልባ እያ ነይራ፣ ሞተረኣ ኣይሰርሕን ነይሩ፣ ብሓያል ንፋስ ድማ ትንዖ ነይራ፡" ይብል።

"እታ ጃልባኦም ኣስታት 300 ሜትሮ ርሒቘም ኣብ ዝነበርሉ እያ ተገልቢጣ፣ ውጽኢቱ ድማ ሞት ሸውዓተ ሰባት ኣኸቲሉ።"

ሓብቲ ህያብ፡ ካልእ ጃልባ ናይቶም ሰምሰርቲ ክሳዕ እትመጽእ፡ ነታ ትጥሕል ዝነበረት ጃልባ ኣጽኒዓ ብምሓዝ ክትድሕን ክኢላ።

ወይዘሮ ሰናይት፡ በቲ ዘጓነፈ ሞት ነቶም ሰምሰርቲ እያ እትወቅስ። ነታ ጃልባ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ልዕሊ 20 ስደተኛታት ከም ዝጸዓኑዋ ትገልጽ።

"እቲ ሞት ብሰንኪ ውጹእ ሸለልትነት ዝሰዓበ እዩ። ኣብታ ሓሙሽተ ሰባት'ውን ክትስከም ዘይትኽእል ንእሽቶ ጃልባ ብዙሓት ሰባት ጽዒኖምላ፡" ትብል።

ቢቢሲ ናብ ሎመክዊ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ክልተ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ሬሳታት ስደተኛታት - ኤርትራውያን ምዃኖም ዝእመነሉ - ኣብቲ ኣስታት 300 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎን 50 ኪሎሜተር ጐድኒን ዘለዎን ቀላይ፡ ኣብ ሓምለ 2024 ጸምበለል ክብል ከም ዝረኣዩ ገሊጾም።

"ኣብ ገማግም ቀላይ ክሳዕ ኣርባዕተ ዝዀኑ ሬሳታት ነይሮም። ድሕሪኡ፡ ድሕሪ ቍሩብ መዓልታት ካልኦት ሬሳታት ተራእዮም፡" ይብል ብራይተን ሎካላ።

ካልእ ገፋፊ ዓሳ ጆሴፍ ሎሙርያ፡ ሬሳታት ክልተ ደቂ-ተባዕትዮን ክልተ ደቀንስትዮን ከም ዝረኣየ ይዛረብ - ሓንቲ ካብኣተን መንእሰይ ትመስል ይብል።

ካርታ

ኣብ ሰነ 2024፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)፡ 580,000 ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቝባን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ 345,000 ድማ ኣብ መላእ ዓለም ከም ዝመዝገበ ይዝከር።

ልክዕ ከም ስድራቤት ወይዘሮ ሰናይት፡ ካብታ ኣብ ብዙሕ ውግኣት ተሸሚማ ዝጸንሐትን መንግስቲ ሓይለ-ስልጣኑ ምእንቲ ከጽንዕ ናጻ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ንጥፈታት ዘይትጸውርን ሃገር፡ ሓያሎ ስድራቤታት ካብ ግዱድ ዕስክርና ይሃድሙ።

ኣብ ዩጋንዳ ዝመደበሩ ኤርትራዊ ጠበቓ ምሉእብርሃን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዘሎ ውግእ ሓድሕድ፡ ኬንያን ዩጋንዳን በዞም ስደተኛታት ተመረጽቲ እናዀና ይመጽኣ ከም ዘለዋ ገሊጹ።

እታ ኣብ ምስግጋር ሰባት እትነጥፍ ጓለንስተይቲ፡ ገለ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ኬንያ ክሰፍሩ ከለዉ፡ ካልኦት ግን ከም መተሓላለፊ ተጠቒሞምላ ናብተን መንበሪ-ፍቓድ ስደተኛ ከም ዝህባኦም ዝተኣማመኑለን ዩጋንዳ፡ ርዋንዳን ደቡቡ ኣፍሪቃን ከም ዝኸዱ ገሊጻ።

እቲ መርበብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣብ ኵለን እዘን ሃገራት ዝነጥፍ ኰይኑ፡ ስደተኛታት ኣብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኦም ክሳዕ ዝበጽሑ ንዝተፈላለዩ "ወኪላት" የረክቡዎም። እዚ ድማ - ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት - ኤውሮጳ ወይ ሰሜን ኣመሪካ'ውን ክኸውን ይኽእል።

ቀንዲ ስርሓ፡ ነቶም ስደተኛታት ተቐቢላ ዝቕጽል ጕዕዞኦም ክሳዕ ዝዳሎን ዝኽፈለሎምን ነቶም ኣብ "መጽንሒ ኣባይቲ" ዝሕዙዎም 'ወከልቲ' ንምርካብ እዩ።

ኣብዚ ደረጃ'ዚ፡ ነፍሲ-ወከፍ ስደተኛ ክሳዕ እቲ እዋን ንዝገበሮ ጕዕዞ ኣስታት 5,000 ዶላር ክኸፍል ይኽእል።

ቢቢሲ ኣብ ሓደ ብሎክ ንሓደ ካብቶም ከም መትሓዚ ዝግልገሉሎም ገዛውቲ ተዓዚቡ። ሓሙሽተ ኤርትራውያን ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ውሽጢ እታ ሓንቲ ፍርናሽ ጥራሕ ዝነበረታ ክፍሊ ተዓጽዮም ነይሮም።

ኣብተን መትሓዚ ገዛውቲ፡ ስደተኛታት ክራይ ገዛን ንመግቦምን ክኸፍሉ ትጽቢት ይግበር። እታ ኣስጋሪት፡ ገንዘብ ስለ ዝወድኡ ብጥሜት ዝሞቱ ሰለስተ ሰብኡትን ሓንቲ መንእሰይን ከም እትፈልጥ ገሊጻ።

እቶም 'ወኪላት' ነቲ ሬሳታት ደርብዮም፡ ነቲ ሞት ሕማቕ ዕድል ጥራሕ ኢሎም ከም ዝሓለፉዎ ገሊጻ።

"እቶም ኣሰጋገርቲ፡ ንስድራቤት መወትቲ መቕርቦም ብህይወት ከም ዘለዉ እናሓሰዉ ገንዘብ ይወስዱ፡" ክትብል ኣቃሊዓ።

ደቂ-ኣንስትዮ ስደተኛታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጾታዊ ዓመጽ ይበጽሐን ወይ ድማ ምስ ደቂ-ተባዕትዮ ኣሰጋገርቲ ክምርዓዋ ይግደዳ ከም ዝነበራ ትዛረብ።

እንተዀነ፡ ንሳ ነቲ ብዙሕ ኣታዊ ዘለዎ ንግዲ ሰባት ክትገድፎ ሓሳብ የብላን። እቶም ካልኦት ሰባት ግና ኣብ ቅድሚኦም እንታይ ከም ዝጽበዮም ክፈልጡ ይግባእ ኢላ ከም እትሓስብ ትዛረብ።

ወይዘሮ ሰናይት፡ እታ ዓባይ ጓላ ብህይወት ምትራፋን በቶም ኣሰጋገርቲ ሰባት ከይተጐድአት ምትራፋን እፎይታ ከም ዝፈጥረላ እናገለጸት፡ በቲ ሞት ናይ ጓል 14 ዓመት ህያብ ጓላ ግን ትሓዝን።

"ንሕና በቲ ነፍስ-ወከፍ ኤርትራዊ ዘሕልፎ ዘሎ ሓሊፍና ኢና፡" ትብል።

"እግዚኣብሄር ምድርና ፈዊሱ፡ ካብዚ ኵሉ የናግፈና።"