እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ኣብ ሊብያ ልዕሊ ክልተ ቶን ዩራንየም ተሰዊሩ’ - ሕቡራት ሃገራት
ኣብ ሊብያ ክልተ ቶንን ፈረቓን ዝኸውን ዩራንየም ከምዝተሰወረ ትካል ምቍጽጻር ኣቶማዊ ጸዓት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ነቲ መጠንቀቕታ ዘውጽአ፡ መርመርቱ ኣብ ፈለማ ናይዚ ሰሙን ናብታ ሃገር ድሕሪ ምብጽሖም እዩ።
እቶም መርመርቲ፡ ማዕድን ዩራንየም ዝሓዙ 10 በራሚል ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ እቲ ትካል ሓቢሩ።
እቲ ዩራንየም ራድዮሎጅያዊ ሓደጋን ኑክለራዊ ስግኣታት ጸጥታን ክፈጥር ከምዝኽእል ይግለጽ።
ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “እቲ ኑክለራዊ ንዋት ብኸመይ ከምዝተወሰደን ኣበይ ከምዝርከብን” ከጻሪ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ዩራንየም መዓስ ከምዝጠፍአ ዛጊት ኣይተነጸረን።
ተቘጻጸርቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብቲ ስፍራ ክበጽሑ ከምዝደልዩ ተገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጐ ሚሊሻታት ሊብያ ዝነበረ ኲናት ተሰጋጊሩ እዩ ጸኒሑ።
እቲ ዩራንየም ተኸዚኑሉ ዝነበረ ከባቢ፡ መንግስቲ ዝቈጻጸሮ ከምዘይነበረ ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኣብቲ መግለጺ ሓቢሩ።
ሊብያ፡ ውልቀመላኺ ኮሎኔል ሙዓማር ጋዳፊ ኣብ 2011 ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምዕላዉ፡ እታ ሃገር ኣብ መንጐ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኣብ ዝካየድ ኲናት ተሸሚማ እያ ጸኒሓ።
ኣብዚ እዋን ሊብያ ኣብ መንጐ ኣብ ርእሰ ከተማ ትሪፖሊ ዝርከብ መሰጋገሪ መንግስትን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ካልእ መንግስትን ኣብ ክልተ ተገሚዓ ትርከብ።