ሰራዊት ሱዳን ምቍራጽ ተዅሲ ንምንዋሕ ድልው ምህላው ገሊጹ

እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን መቐናቕንቱ ፍሉይ ሓይልን ዝተወልዐ ኲናት ብሰኑይ ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ሃዲኡ'ኳ እንተሎ፡ ኣብ ገለ ከባቢ ካርቱም ተዅሲ ከምዘሎ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ሰራዊት እታ ሃገር ነቲ ዓርቢ ከብቅዕ ምዃኑ ዝግለጽ ስምምዕ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ከናውሖ ድልው ምህላው ተገሊጹ።
ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ነቲ ምቍራጽ ተዅሲ ንተወሳኺ 72 ሰዓታት ንምንዋሕ ከምኡ'ውን ንዘተ ወተሃደራዊ ልኡኽ ናብ ጁባ - ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን ንምልኣኽ ዝብል ውጥን ከምዝተቐበሎ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
እቲ ብዞባዊ ውድብ ኢጋድ ዝቐረበ እማመ ልኡኻት ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን (RSF) ናብ ጐረቤት ሃገር ደቡብ ሱዳን ብምኻድ ክዛተዩ ዝሓትት እዩ።
ኣዛዚ ሓይልታት ህጹጽ ደገፍ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ግን፡ ዛጊት ነቲ እማመ ምላሽ ከምዘይሃበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ገሊጹ።
ሚኒስተር ደንግ ዳው ደንግ ብሓሙስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ጀነራል ዳጋሎ ነቲ ጻውዒት እወታዊ ምላሽ ክህብ ተስፋ ከምዘለዎ" ሓቢሩ።
እቲ ነቲ ምቍራጽ ተዂሲ ምንዋሕ ከምኡ'ውን ክልቲኦም ወገናት ተራኺቦም ክዘራረቡ ዝብሉ ነጥብታት ዘለዎ እማመ ብፕረዚደንትታት ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያን ጅቡቲን ዝተዳለወ ምዃኑ እቲ ሰራዊት ምግላጹ ጸብጻብ ሮይተርስ ይሕብር።
እቲ ብመንጐኝነት ኣሜሪካ ዝተበጸሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ሰኑይ ሰዓት 22፡00 (ኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ) እዩ ተግባራዊ ኰይኑ ጸኒሑ።
ኣብ መንጐ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ዝተበጽሐ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ተኸቢሩ'ኳ እንተሎ፡ ክልቲኦም ወገናት ዘላቒ ሰላም ንምምጻእ ዘለዎም ድልውነት ግን ዘጠራጥር ምዃኑ ይግለጽ።
ብረቡዕ፡ ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፐርትስ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ "ብምልኣት ከኽብሩ" ጸዊዑ።
እቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ላዕለዋይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ካብ ኤል ገነይና (ምዕራብ ዳርፉር) ብዝስማዕ ዘሎ ጸብጻባት ጐንጺ፡ ኣብ ሲቪላውያን ብዝፍጸም መጥቃዕትታት ከምኡ'ውን ስርቅን ኣጽዋር ንህዝቢ ምዕዳልን" ከምዘሻቐሎ ሓቢሩ።
ንሱ ብሰሉስ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ'ውን፡ እቶም ስልጣን ንምብሓት ኣብ ቅልስ ተሸሚሞም ዘለው ክልቲኦም ጀነራላት "ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ክዕወት ይኽእል እየ ዝብል" ግምት ከምዘለዎምን እዚ "ግጉይ ቅማረ" ምዃኑን ገሊጹ ነይሩ።
ብዕቱብ ንምዝታይ ድልዋት ምህላዎም ዘርኢ ምልክታት'ውን ከምዘየለ ሓቢሩ።
ካብ ሰኑይ ምሸት ጀሚሩ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ'ኳ እንተተገብረ ኣብ ካርቱምን ኣብ ጥቓኣ ኣብ እትርከብ ከተማ ኡምዱርማንን ድምጽታት ተዅስን ምፍንጃርን ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ጋዜጠኛ ቢቢሲ መሓመድ ዑስማን ብረቡዕ ኣብ ጥቓ ህንጻታት ቲቪን ራድዮን ካርቱም ኲናት ከም ዝነበረ፡ ካብ ከተማ ኡምዱርማን ብተሌፎን ሓቢሩ።
ኣብ መንጐ ሰራዊትን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ኲናት ብ15 ሚያዝያ ካብ ዝውላዕ ንደሓር፡ እቲ ሰኑይ ፍርቂ ለይቲ ተግባራዊ ዝዀነ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብታ ሃገር ምርግጋእ ንምስፋን ክግበሩ ካብ ዝጸንሑ ጻዕርታት እቲ ዝደሓረ እዩ።
በቲ ግጭት ዛጊት ብውሕዱ 459 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ።
ካልኦት ብኣሽሓት ዝቝጸሩ’ውን ካብታ ሃገር ክሃድሙ እንከለው እዚ ክቕጽል ከምዝኽአል ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።
ኣብ ካርቱም ኣብ ዝቕጽሉ ሰሙናት ክሓርሳ ትጽቢት ዝግበረለን ከባቢ 24 ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ምህላወን እውን ካልእ ኣሻቓሊ ጉዳይ እዩ።
በቲ ግጭት ኣብ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከራትን መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱምን ዝርከብ ብዙሕ ኣባይቲ፡ ሆስፒታላትን ካልእ ህዝባዊ መሳለጥያን ከምዝዓነወ ሚስተር ፐርትስ ሓቢሩ።
ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃንን እቲ ዝያዳ ብሕሜቲ ዝፍለጥ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን ፍልልያቶም ብምጽባብ ብዘተ መፍትሒ ክረኽቡ ዝተፈላለያ ሃገራት ጻውዒት ክገብራ ጸኒሐን እየን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
