'መንእሰያት ንቕድሚት' ክመጽኡ ዝጽውዑ ኣቦ፡ ኣብ 105 ዓመቶም ዓሪፎም

ሽያም ሳራን ነጊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ህንዲ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንግሊዝ ናጽነት ድሕሪ ምርካባ፡ ንፈለማ እዋን ሓፈሻዊ መረጻ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን፡ ሽያም ሳራን ነጊ፡ ናይ መጀመርታ ድምጺ ዝሃቡ ሰብ ምዃኖም ይእመን።

ሚስተር ነጊ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣብ ነፍሲ ወከፍ መረጻ ድምጺ ሂቦም እዮም።

እቶም ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝነበሩ ኣቦ፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት፡ ቅድሚ ሞቶም፡ ኣብ መረጻ ባይቶ ክፍለ-ግዝኣት ሂማቻል ፕራደሽ ንመወደእታ ግዜ ኣድሚጾም።

እዞም ጡረተኛ መምህር፡ ሃገሮም ህንዲ ናጻ ምስ ወጽአት፡ ናይ መጀመርታ ድምጺ ዘስመዑ ሰብ ከምዝዀኑ እዩ ዝእመን። ክሳዕ ግዜ ሞቶም ድማ መንእሰያት ኣብ መረጻ ክሳተፉን ንቕድሚት ክመጽኡን ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ ይንገረሎም።

ምኽንያቱ፡ ክፍለ-ግዝኣቶም ንመረጻ 1952፡  ብርቱዕ በረድ ከይወርድ ኣብ መጀመርታ 1951 ናይ መረጻ ዳሳት ኣቚማ።

ኣብቲ ውጽኢት፡ ሃገራዊ ኮንግረስ ብዓብላልነት ተዓዊቱ።

ጀዋሃርላል ነህሩ፡ ነታ ንኣስታት 100 ዓመታት [1848 - 1947] ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ምሕደራ እንግሊዝ ንዝነበረት ህንዲ ክመርሕ፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ናይ መጀመርታ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ሰበስልጣን ሃገራዊ ኮሚሽን መረጻ፡ ሚስተር ነጊ ቅድሚ እቲ ብ12 ሕዳር ዝካየድ መረጻ፡ ብፖስታ ድምጺ ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፡ ቀይሕ ምንጻፍ ኣንቢሮምሎም ነይሮም።

ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ ሚስተር ነጊ ኣብ ዳስ መረጻ ዘይተሳተፉ ንመጀመርታ ግዜ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብሰንኪ ሕማም ቀዲሞም ድምጺ ክህቡ ከም ዝመረጹ ሓቢረን።

ሚስተር ነጊ፡ ኣብ 2014 ድምጺ ምሃብ ንምትብባዕ ኣብ ዝገበርዎ ጻዕሪ፡ ኣምባሳደር ምልክት ኮሚሽን መረጻ ተገይሮም፡ ሰባት ኣብቲ ዓመት ሓፈሻዊ መረጻ ድምጾም ክህቡ የተባብዑ።

ሽያም ሳራን ነጊ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ድምጾም ንምሃብ ናብ መድመጺ ነቝጣ እናኸዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሽያም ሳራን ነጊ፡ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ መረጻ ድምጾም ንምሃብ ናብ መድመጺ ነቝጣ እናኸዱ

ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ወረቓቕቲ ኣብ ዝተለጠፈሉ እዋን፡ ሚስተር ነጊ መንእሰያት ድምጾም ክህቡ ዝጽውዕ መግለጺ ከም ዝሃቡ፡ ጋዜጣ ህንዲ ዘ ትሪቢዩት ጸብጺባ።

"ነጻነትና ብምጥቃም ኣብ መረጻ ምክፋል መሰልና ጥራሕ ዘይኮነስ ግቡእና ስለዝዀነ ኣብ ዲሞክራስያዊ መስርሕ ንምስታፍ መናእሰይ ንቕድሚት ክመጽኡ ይግባእ፡" ክብሉ ተዛሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ መረጻ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ንሚስተር ነጊ ክብሪ ሂቡ።

ሬሰኦም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ካልፓ እትርከብ ቁሸቶም ብሙሉእ መንግስታዊ ስነስርዓት ቀብሪ ክዓርፍ ምዃኑ ተገሊጹ።