ምምሕያሽ ስርዓተ ፍትሒ እስራኤል ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣልዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ እስራኤላውያን ነቲ ነታ ሃገር ከፋፊልዋ ዘሎ ኣካታዓይ ምምሕያሽ ስርዓት ፍትሒ እታ ሃገር ብምቅዋም ኣብ ጥቓ ባይቶ እታ ሃገር ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።
እዚ ውጥናት ፅገናታት ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ወግዓዊ ካብ ዝኾኑ ንነዘ፡ እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ከቢድ ሰልፍታት ተቓውሞ ተተኣናግድ ኣላ።
እዞም መመሓየሺ ውጥናት እንተድኣ ፀዲቖም፡ ንስልጣን ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ብምግታእ መንግስቲ ኣብ ሹመት ዳያኑ ዝያዳ ስልጣን ክህልዎ ዝገብር እዩ።
ነቐፍቲ፡ እዚ ስጉምቲ ንዲሞክራሲ እታ ሃገር ዘናግዕ እዩ ብምባል እንትቃወምዎ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ግና እቲ ዝግበር ምምሕያሽ ንዲሞክራሲ ዘጐልብቶ እዩ ብምባል ይሙግት።
ካብ ቴልኣቪቭ ብኣንፈት ደቡብ ካብ ትርከብ ኔስ ዚዮና ምስ ጓላ ዝመፅአት ሄሊት፡ “ብጣዕሚ ተሻቒለ ኣለኹ፣ ብጣዕሚ እየ ፈሪሐ፣ ድቃስ ኣልቦ ለይትታት የሕልፍ ኣለኹ” ትብል።
“ክልወጡ እዮም ዝብል ግምት ኣለኒ። ተስፋ እገብር... ግና ንዝተወሰነ ግዘ ጥራሕ እዩ ዝመስለኒ። ካብኡ ነገራት ናብ ዝገደደ ኩነታት ክቕየሩ እዮም” ብምባል ስክፍትኣ ገሊፃ።
ካልእ ኣብ ቴልኣቪቭ ጠበቓ ዝኾነ ዶር፡ ካብቶም ሰራሕተኛታቶም ኣብቲ ሰልፊ ተቓውሞ ንክሳተፉ ቤት-ፅሕፈቶም ዝዓፀዉ ኣሽሓት ሰባት ሓደ እዩ።
“እቲ ሓድሽ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ እስራኤል ይገብሮ ዘሎ ነገር ርእየ ልበይ ስለዝተሰበረ እየ ናብዚ መፂአ” ብምባል፡ ናብቲ ተቓውሞ ዝተፀንበረሉ ምኽንያት ገሊፁ።
“መንፈስ እዛ ሃገር ይትርብዕዎ ኣለዉ። ስርዓተ ሕጊ እታ ሃገር ድማ ኣብ ሓደጋ የውድቕዎ ኣለዉ። ኣንፃር እዚ ተቓውሞ እንከየስማዕኹ ተግባራዊ ክኸውን ክርእዮ ኣይደልን” ኢሉ።

ብዘይተለመደ መልክዑ፡ ፕረዝደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ብሰንበት ዝተሓተመ ርኢቶታት፡ ነዞም እማመታት ምምሕያሽ ስርዓተ ፍትሒ እስራኤል ነቒፍዎ ኣሎ።
ሓደ መራሒ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲ እስራኤል ርኢቶ ክህብ ሳሕቲ ዝረአይ እዩ።
ፕረዝደት እስራኤል ኣይዛክ ሄርዞግ ብወገኑ፡ እታ ሃገር ኣብ ኣፍደገ ሕገ-መንግስታውን ማሕበራውን ውድቀት ከም ዘላ ኣጠንቂቑ።
ፕረዝደንታት እስራኤል ከምዚ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢዶም ከእትዉ እውን ሳሕቲ ዝረኣይ እዩ፡ ናይዚ ምኽንያት ከኣ እዚ ሓላፍነት ዘይሻራዊ ኣካል ተገይሩ ስለ ዝሕሰብ እዩ።
እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ፡ ኣንፃር እዚ እማመ ምምሕያሽ ኣብ ዝካየድ ሰሙናዊ ህዝባዊ ተቓውሞታት እቲ ዳሕረዋይ እዩ።
እቶም ተቓወምቲ እዚ ውጥን ፅገናታት፡ ንስርዓት ፍትሒ እታ ሃገር ፖለቲካዊ ዝገብርን ናብ ምልካዊ መንግስቲ ዝመርሕን እዩ ብምባል እዮም ዝኹንንዎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ግና፡ እዞም ብዝተመረፀ ሃገራዊ ባይቶ ዝፀደቑ ሕግታት ብላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ክግልበጥ ዝግበረሉ መስርሕ ኢዲሞክራስያዊ እዩ ኢሉ።
እዞም ሓደሽቲ ፅገናታት፡ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ንዳያኑ ሹመት ዝህብን ኮሚቴ፡ ዝያዳ ፀቕጢ ክገብር ዕድል ዝህብን፡ ባይቶ እስራኤል ‘ክነሰት’ እውን ንውሳነታት ቤት-ፍርዲ ናይ ምንፃግ ወይ ምስራዝ ስልጣን ክህልዎ ዘኽእልን እዩ።
ነዞም ፅገናታት ዘተኣታተወ ሚኒስትር ፍትሒ እስራኤል ያሪቭ ላቪን፡ ንዳኛ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ እታ ሃገር ሓዊሱ እቶም ተቓወምቲ ሰልፈኛታት፡ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ “ዕልዋ መንግስቲ” ክፍፅሙ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
