ካብ ሽልማት ግራሚ ናብ ቤት ማእሰርቲ፡ ዓበይቲ ፍጻመታት ሽልማት ግራሚ 2024

መሸፈኒ ገጽ ዝገብሩ ስሊፕኖት ብኸምዚ ኣከዳድና ናብ ስነስርዓት እቲ ሽልማት ቀሪቦም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, መሸፈኒ ገጽ ዝገብሩ ስሊፕኖት ብኸምዚ ኣከዳድና ናብ ስነስርዓት እቲ ሽልማት ቀሪቦም
Published

መበል 66 ዓመታዊ ሽልማት ግራሚ 2024 ብድምቀት እዩ ተዛዚሙ።

ቴይለር ስዊፍት ናይዚ ዓመት ብልጽቲ ኣልበም ንራብዓይ ግዜ ብምዕዋት ሓንቲ ካብተን ዓበይቲ ደረፍቲ ናይዚ ዘመና ምዃና ኣረጋጊጻ እያ።

ቴይለር ነታ ቀንዲ ሽልማት እኳ እንተወሰደት፡ ብመዐቀኒ ግራሚ ግን ናይ’ዚ ዓመት ሽልማት ብመጠኑ ምዕሩይ እዩ።

ከም በዓል ማይሊ ሳይረስ፡ ቢሊ ኣይሊሽ፡ ኤስዜኤን ቦይጂንየስን ዝኣመሰላ ፍቱዋት ሕጹያት ኵለን ሽልማት ረኺበን እየን።

ካልኦት ትጽቢት ዘይተገብረሎም ፍጻመታት’ውን ኣጋጢሞም እዮም።

ገለ ካብቶም ፍጻመታት እቲ "ድሙቕ ምሸት" እነሆ...

ቀንዲ ተሸለምቲ ግራሚ

ብልጽቲ ኣልበም ናይዚ ዓመት - ‘ሚድናይትስ’ ብቴይለር ስዊፍት

ቀረጻ ናይዚ ዓመት - ‘ፍላወርስ’ ብማይሊ ሳይረስ

ብልጽቲ ደርፊ ናይዚ ዓመት - ‘ዋት ዎዝ ኣይ ሜድ ፎር’ ብቢሊ ኣይሊሽ

ብልጽቲ ሓዳስ ስነጥበባዊ - ቪክቶርያ ሞኔት

ብልጽቲ ናይ ዓመት ደርፊ ካብ ቀረጻ ናይ ዓመት ዝተፈለየ እዩ - እቲ ቀዳማይ ንደረፍቲ ደርፍታትን ኣብ ድርሰት ንዝረኸብዎ ዓወትን ኣፍልጦ ዝህብ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ንምፍራይ፡ ምህንድስናን ኣቀራርባን ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ቴክኒካዊ መስርሕ ቀረጻ ዘተኰረ እዩ።

ቴይለር ስዊፍት ታሪኽ ሰሪሓ

ቴይለር ስዊፍት ብድምር 14 ሽልማት ግራሚ ተዓዊታ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ቴይለር ስዊፍት ብድምር 14 ሽልማት ግራሚ ተዓዊታ ኣላ

ቴይለር ስዊፍት ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ግራሚ ትኵረት ናይ’ቲ ምርኢት ተቖጻጺራ’ያ፡ ንሳ ንራብዓይ ግዜ ሽልማት ብልጽቲ ኣልበም ናይዚ ዓመት ዝተሸለመት ፈላመይቲ ስነጥበባዊት ኰይና።

እታ ኮኸብ ቅድሚ ሕዚ ሰለስተ ሽልማት ብምርካብ ምስ ስቲቪ ዋንደር፡ ፖል ሳይሞንን ፍራንክ ሲናትራን ማዕረ ኰይና ነይራ።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ 2010 ብ’ፊርለስ’፡ ኣብ 2016 ብ’1989’፡ ኣብ 2021 ድማ ብ’ፎክሎር’ ብልጽቲ ኣልበም ናይ’ዚ ዓመት ተዓዊታ እያ።

ቴይለር ነዚ ሽልማት ካብታ ትጽቢት ዘይተገብረላ ሴሊን ዳዮን እያ ተቐቢላ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ድማ ቴይለር ሓዳስ ኣልበማ ክትፍንው ምዃና ብምቅላዕ ንኣድነቕታ ኣሓጒሳ ኣላ።

"ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝሓባኽኡዎ ምስጢር ብምንጋር ከመስግነኩም እደሊ" ኢላ።

እታ ሓዳስ እትፍንዋ ኣልበማ ‘ዘ ቶርቸርድ ፖይትስ ዲፓርትመንት’ ብዝብል ከምዝተሰመየት’ውን ገሊጻ።

ሰሊንን ቴይለርን ዘኽብር ጽምብል ተኻይዱ

ሴሊን ዳዮን ኣብ’ቲ ስነስርዓት ምቕራባ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕንኣ ዝነበረ ገለ ስግኣታት ዘቕለለ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ሴሊን ዳዮን ኣብ’ቲ ስነስርዓት ምቕራባ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕንኣ ዝነበረ ገለ ስግኣታት ዘቕለለ ነይሩ

ኣቐዲማ ሳሕቲ ዝረአ ናይ ስነ-ኣእምሮ ጸገም ዘጋጠማ ሴሊን ዳዮን፡ ንኹሉ ቀጥታዊ ምርኢታታ ክትስርዝ ተጊድዳ ዳርጋ ዓመት ድሕሪ ምጽናሓ፡ ሽልማት ብልጽቲ ኣልበም ከተቕርብ ምስ ተቐልቀለት ተዓዘብቲ ኣዝዮም ተገሪሞም እዮም።

ፍስሃ ዝመልኦ ኣቀባብላ ድማ ሂቦምዋ።

"ንኹልኹም የቐንየለይ፡ ኣነ’ውን እፈትወኩም እየ። ኣብዚ ስለዝተረኸብኩ ሕጉስቲ እየ ክብል ከለኹ፡ ብሓቂ ካብ ልበይ እዩ" ኢላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ጥዕናኣ ናብ ንቡር ይምለስ ከምዘሎ ዝገልጽ ሰነዳዊ ፊልም ዕላዊ ገይራ እያ፤ ንኣድነቕታ ድማ "ናብ ምርኢት ዳግማይ ክትምለስ" ኣብ መንገዲ ከምዘላ ገሊጻ ነይራ።

ሴሊን ዳዮን፡ ቴይለር ስዊፍት ተዓዋቲት ብልጽቲ ኣልበም ምዃና ምስ ኣፍለጠት ድማ ማዕረ ማዕሪኡ ውዕዉዕ ምላሽ ረኺባ እያ።

"ንዓይ እቲ ሽልማት ባዕሉ እቲ ስራሕ'ዩ" ኢላ።

ፈላማይ ሽልማት ግራሚ ንማይሊ ሳይረስ

ማርያ ካሪ ንማይሊ ሳይረስ ንፈለማ እዋን ሽልማት ግራሚ ሂባታ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ማርያ ካሪ ንማይሊ ሳይረስ ንፈለማ እዋን ሽልማት ግራሚ ሂባታ

ማይሊ ሳይረስ ሽልማት ብልጽቲ ቀረጻ ናይዚ ዓመት ረኺባ እያ።

እቲ ሽልማት ንማይሊ ናይ መጀመርታኣ እዩ።

እዚ ሓቂ'ዚ ሓደ ካብ ግጥሚ ናይታ ደርፊ ናብ፡ "በቃ ናይ መጀመርታ ግራሚ ተዓዊተ!" ናብ ዝብል ብምቕያር’ያ ገሊጻቶ።

ንብዙሕ ሽልማት ትጽቢት ዝተገብረላ ኤስዚኤ

ኤስዚኤ (ኣብ ማእከል) ብስም ኲንቲን ታራንቲኖ ኣብ 2003 ዝተሰርሐት ፊልም ኪል ቢል ዝተሰምየት ደርፊ ፈንያ ነይራ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኤስዚኤ (ኣብ ማእከል) ብስም ኲንቲን ታራንቲኖ ኣብ 2003 ዝተሰርሐት ፊልም ኪል ቢል ዝተሰምየት ደርፊ ፈንያ ነይራ

ኤስዚኤ ንትሽዓተ ሽልማት ተሓጽያ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ነይራ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ሰለስተ ሽልማት ረኺባ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት እውን ምርኢት ኣቕሪባ እያ።

ኣዝዩ ዘደንቕ ህሞት

ዝሓለፈ ዓመት ኮኾብ ካንትሪ ሉክ ኮምብስ ዳግማይ ዝሰርሓ ‘ፋስት ካር’ ትብል ደርፊ ትሬሲ ቻፕማን ዳግማይ ተነቃቒሓ እያ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ዝሓለፈ ዓመት ኮኾብ ካንትሪ ሉክ ኮምብስ ዳግማይ ዝሰርሓ ‘ፋስት ካር’ ትብል ደርፊ ትሬሲ ቻፕማን ዳግማይ ተነቃቒሓ እያ

ቻፕማን ኣብ 2009 ሓውሲ ጡረታ ካብ እትወጽእ ንደሓር ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ግዜ ጥራይ እያ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምርኢት ኣቕሪባ።

ኣብ’ቲ ስነስርዓት ግራሚ ግን ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ‘ፋስት ካር’ ብትብል ደርፋ ህቡብ ዝዀነ ድምጻዊ ካንትሪ ሉክ ኮምብስ ተጸንቢራ።

ንሕንሕ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይጀርያን

ታይላ ‘ዎተር’ ብዝብል ደርፋ ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ታይላ ‘ዎተር’ ብዝብል ደርፋ ተዓዊታ

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ድምጻዊት ታይላ ንኣርባዕተ ናይጀርያውያን ሕጹያት በሊጻ ኣብ ግራሚ ምዕዋታ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብኩዕሶ እግሪ ዝተጀመረ ኣጋዲዱ ኣሎ።

"ደቡብ ኣፍሪቃ ሎሚ ተዓዊታ ናይጀርያ ግን ረቡዕ ኣብቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ጸወታ ክትዕወት እያ" ክብል ሓደ ናይጀርያዊ ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ታይላ ‘ዎተር’ ብዝብል ደርፋ እያ ብልጽቲ ምርኢት ሙዚቃ ኣፍሪቃ ተሸሊማ።

ናይጀርያውያን ድማ ሃገራዊት ጋንትኦም ሱፐር ኢግልስ፡ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ ሕነ ክትፈዲ ጸዊዖም ኣለዉ።

ካብ ሽልማት ግራሚ ናብ ቤት ማእሰርቲ

ኣሜሪካዊ ራፐር ኪለር ማይክ ሰለስተ ሽልማት ግራሚ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣሜሪካዊ ራፐር ኪለር ማይክ ሰለስተ ሽልማት ግራሚ ተዓዊቱ

ሰለስተ ሽልማት ግራሚ ዝተዓወተ ኣሜሪካዊ ራፐር ኪለር ማይክ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ወሃቢ ቃል ፖሊስ ሎስ ኣንጀለስ ማይክ ሎፔዝ ንኣሶሴይትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ራፐር ኣብ ኣዳራሽ እቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ግራሚ ዝተፈጥረ ጎንጺ ስዒቡ ከምዝተኣሰረ ገሊጹ።

ወዲ 48 ዓመት ኪለር ማይክ ብማእሰርቲ ብዘየቕጽዕ ስሕትተ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ድሒሩ ከምዝተፈትሐን እቲ ወሃቢ ቃል ወሲኹ ሓቢሩ።

እቲ ራፐር ንምንታይ ከምዝተኣሰረ ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ እቲ ድምጻዊ፡ ኣእዳዉ ተኣሲሩ ካብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ክወጽእ እንከሎ የርእዩ።