እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ከቢድ ዝናብ ዘስዓቦ ውሑጅ 24 ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ሶማል ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ፡ ልዕሊ 20 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ ስድራ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ተገሊጹ።
ሰብመዚ እቲ ክልል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ድሕሪ ዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ዘጋጠመ ውሑጅ፡ ኣብ ሰባት፡ እንስሳትን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዝወረደ ኣፍሊጦም።
ብሰንኪ እዚ ውሑጅ፡ ዛጊት ብውሑዱ 24 ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 23 ሽሕ ስድራ ድማ ተመዛቢሎም።
ኣተሓባበሪ ቅድመ መጠንቀቕታ ቢሮ ምክልኻል ሓደጋ እቲ ክልል ኣት በሽር ዓረብ፡ እቲ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝነበረ ዘራእቲ ከም ዘዕነወ 3600 እንስሳት ከም ዝቐተለን ንቢቢሲ ገሊጹ።
“ሸለሌ፡ ኣፍዴሪን ሊበንን ጉድኣት ዝወረደን ዞባታት እየን። ክሳብ ሕጂ ኣብ 27 ወረዳታት፡ 82 ቀበሌታትን ሰለስተ ዓበይቲ ከተማታትን’ዩ እቲ ውሕጅ ኣጋጢሙ፡” ኢሉ።
ብሰንኪ እዚ ውሑጅ 41 ሽሕን 301 ስድራ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎ ጉድኣት ከም ዝወረዶምን፡ ካብዚኦም 23 ሽሕ መራሕቲ ስድራ ከም ዝተመዛበሉን ኣቶ በሽር ሓቢሩ።
እቲ ሓላፊ ወሲኹ፡ “እቲ ዝናብ ካብ ሳልሳይ ሰሙን መስከረም ጀሚሩ ክሃርም ምስ ጀመረ፡ ብኻልኦት ምኽንያታት’ውን ህይወት ሰባት ጠፊኡ’ዩ።
ብሰንኪ ከቢድ ዝናብ ናብ ዝመልአ ገንኢ ማይ ሓለውቲ ከብቲ ክሕምብሱ ኣትዮም ሂወቶም ከም ዝሓለፈን፡ ነዚኦም ሓዊሱ 24 ሰባት ከም ዝሞቱን ገሊጹ።
ኣብ “መንገድታት፡ ጣብያታት ጥዕና፡ መሰልጠኒ ሓረስቶትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን’ውን ጉድኣት በጺሑ” ኢሉ።
ካብ መፋርቕ መስከረም ጀሚሩ ከቢድ ዝናብ ክወቅዕ ከም ዝጀመረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እናበኣሰ ከም ዝመጽአን ተዛሪቡ።
ኣብ ክልል ሶማሌ መራኸብቲ ሩባታት ኣብ ዝዀኑ ከባቢታት መጠን ማይ ብኸቢድ ኵነታት ምውሳኹን፡ ኣብ ጥቓ ሩባታት ንዘሎ ከባቢታት ሓሊፉ’ውን ጉድኣት የብጽሕ ከም ዘሎን ገሊጹ።
ብሰንኪ እቲ ውሑጅ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ካልኦት ከባቢታት ከም ዝሰፈሩን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ድማ፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘጽለሉን እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።
ክሳብ ሕጂ ን6 ሽሕን 300 ስድራ ምግብን ካልኦት ሓገዛትን ከም ዝተወሃበ ዝገለጸ ኣቶ በሽር፡ ተወሳኺ ረድኤት ንምርካብ ንመንግስቲ ፈደራል ሕቶ ከምዝቐረበ ተዛሪቡ።