እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኣብ መዓልቲ 20 ግንቦት ዘመሓላለፈቶ ኣዘራራቢ መልእኽቲ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ እናተዳኸመ ዝመጽአ በዓል 20 ግንቦት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣብ ዝውጽኦ ሓድሽ ኣዋጅ ካብ መዝገብ በዓላት ከም ዝኣለዮ ዝዝከር እዩ።
ስለዝዀነ'ውን ንፈለማ እዋን እቲ መዓልቲ ከይተዘከረ ውዒሉ።
ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ግን፡ ንኢትዮጵያውን "እንቋዕ ንመበል 34 መዓልቲ ናጽነት ኣብጽሐኩም፡" ብዝብል ዝተሰነየ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
ኣብ ዕላዊ መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተዘርግሐ መግለጺ ማርኮ ሩቢዮ፡ ኣብ መዓልቲ ዋዜማ 20 ግንቦት ብሰሉስ እዩ ተዘርጊሑ።
ቢቢሲ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይረከበ፣ እንተዀነ፡ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እቲ ጽሑፍ ካብ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ ክእለ ርእዩ።
ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኰይኑ ዝተሾመ ሩቢዮ፡ ብሰሉስ 19 ግንቦት 2017 (ግእዝ) "ሃገራዊ መዓልቲ ኢትዮጵያ" ብዝብል ኣርእስቲ እዩ ናይ እንቋዕ ኣብጽሐኩም መግለጺ ዘውጽአ።
"ብስም ኣመሪካ፡ ኣብ መበል 34 መዓልቲ ናጽነትኩም ሰናይ ትምኒተይ አቕርበልኩም፡" ይብል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ።
ኣመሪካን ኢትዮጵያን ንሓደ ዘመን ዝቐጸለ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ከም ዘለወን ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ዋሽንግተንን ኣዲስ ኣበባን ኣብ "ናይ ሓባር ረብሓ" ብሓባር ንምስራሕ ድልዋት ምዃነን'ውን ገሊጹ።
መግለጺ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ፡ ነቲ መንግስቲ ዝሰረዞ መዓልቲ እንቋዕ ኣብጽሓኩም ምባላ ጥራሕ ኣይኰነን ዘዘራርብ ዘሎ፤ ንመዓልቲ 20 ግንቦት "መዓልቲ ናጽነት" ብምባል፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዘየኽብርዎ መዓልቲ ዘይልሙድ ኣገላልጻ ምጥቃሙ'ውን ኣካታዓይ ገይሩዎ ይርከብ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ምኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ዝሓለፈ ዓመት መዓልቲ 20 ግንቦት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ "ሃገራዊ መዓልቲ ኢትዮጵያ" ዝብል ኣገላልጻ እዩ ተጠቒሙ።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝዀነ ሩቢዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኤርትራ ናጽነታ ዘኽበረትሉ መዓልቲ፡ ቀዳም 15 ግንቦት 2017 (ግእዝ) ተመሳሳሊ መግለጺ ሰናይ ትምኒት ኣውጺኡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
"ኣብ መበል 34 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኤርትራውያን ብስም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰናይ ትምኒተይ አቕርብ"
ኣብ ዘበነ ኢህወዴግ ብዓቢይ ኒሕን ሓቦን ዝኽበር ዝነበረ 20 ግንቦት፡ 'መዓልቲ ዓወት' ተባሂሉ ይጽዋዕ ነይሩ።
እዚ መዓልቲ ብብርኪ መንግስቲ ክኽበር ከሎ፡ ስራሕ መንግስትን ትምህርትን እውን ይዕጾ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ሒደት ዓመታት፡ እቲ በዓል ክኽበር እንተ ገበረ'ኳ፡ እናተዘሓሓለ ምምጽኡ ይዝከር።
ሎሚ ዓመት ዘይከም ቀደሙ ስራሕ ይዅን ቤት ትምህርቲ ምዕጻው ኣይነበረን። ከም ብዓል ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝኣመሰላ ትካላት ንሰራሕተኛታተን ሎሚ ስራሕ ከም ዘይዕጾ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።
ክሳዕ ዝሓለፈ ዓመት ሰነ፡ ሃገራዊ በዓላት እታ ሃገር ብዝምልከት ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ሕጊ፡ ግዝያዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ኣብ 1967 (ግእዝ) ዘውጽኦ ኣዋጅ'ዩ ነይሩ።
ኢህወዴግ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ኣብ 1988 ነዚ ኣዋጅ ንኣሽቱ ምምሕያሻት ገይሩሉ።
እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝወጽአ ሓድሽ ኣዋጅ ብልጽግና ግና ንግንቦት ኣብ ዝርዝር ሃገራዊ በዓላቱ ኣየካተተን።
መራሕቲ ህወሓትከ?
መራሕቲ ህወሓት፡ ወተሃደራዊ ስርዓት ደርግ ወዲቑ ዓወት ዘበሰርሉን 20 ግንቦት 1983 ግእዝ [1991] ዝዝክርሉን እዩ።
ሀወሓት፡ ምስ ካልኦት ብሄራዊ ውድባት ኣምሓራ፡ ኦሮሞን ደቡብን ዘቘሞ ኢህወዴግ፡ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጽንሐሉ እዋን፡ እቲ ብድምቀት ዘኽብሩዎ ዝለዓለ ሃገራዊ መዓልቲ ድማ ነይሩ።
ድሕሪ ሃንደበታዊ ሞት ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ መለስ ዜናዊ፡ እናተዳኸመ ዝመጽአ ህወሓት ብቐዳማይ ምኒሰተር ኣቢይ ካብ ማእከል ዝተደፍአ ኰይኑ፡ ዓሚቝ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምብስባስ ከም ዘጋጠሞ'ውን ይንገር።
እቶም መራሕቲ፡ ክልተ ዓመት ኣብ ኲናት፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ሕቱኽቱኽ ተጸሚዶም ተመቓቐሎም ዘሕለፉ ዘለዉ ኰይኖም፡ እቲ ናብ ክልላዊ ስልጣን ተቘናጢጡ ዘሎ ክንፊ፡ ናይ ሎሚ ዘበን በዓል 20 ግንቦት ኣብ መቐለ ብድምቀት ከኽብር ተራእዩ።
ኣቦ መንበር ህወሓት - ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል (ዶ/ር)፡ ነቲ መዓልቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ህወሓት ኣብ ጽባሕ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘሉ ኰይኑ የሕልፎ ከም ዘሎ ዝገለጸ ኰይኑ፡ "ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተኸምበተሉ መዓልቲ" ስለ ዝዀነ እናተዘከረ ክነብር ምዃኑ ተዛሪቡ።
ንኤርትራ መበል 34 መዓልቲ ናጽነት 'እንቋዕ ኣብጽሓኩም' ምባሉ ድማ ከዘራርብ ቀንዩ ኣሎ።
እዚ፡ ድሕሪ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ዘይተለምደ መግለጺ ኰይኑ፡ ብዙሓት ምስቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ይካየድ ኣሎ ዝበሃል ዘይእዉጅ ርክባት የተሓሕዙዎ ኣለዉ።