ጥዕና ንግስቲ ኤልሳቤጥ ሻቕሎት ፈጢሩ

ንግስቲ ኤሊሳቤጥ

ምንጪ ስእሊ, EPA

Published

ብኩነታት ጥዕና ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዝተሻቐሉ ሓካይም፡ ኣብ ቤተንግስነት ባልሞራል ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ሕክምና ክጸንሓ ወሲኖም።

ኩሎም ደቀን'ውን ናብቲ ኣብ ስኮትላንድ (ብሪጣንያ) ዝርከብ ቤተንግስነት ይኣትዉ ከምዘለዉ ተፈሊጡ'ሎ።

"ተወሳኺ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓካይም እተን ንግስቲ ብኩነታት ጥዕና ናይተን ግርማዊት ብምሽቓሎም፡ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክትትል ክጸንሓ ኣዚዞም ኣለዉ" ክብል ቤተንግስነት ባኪንግሃም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ።

እተን ንግስቲ: ኣብ ምቹእ ኩነታት ከምዘለዋ'ውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ቤተንግስነት ባኪንግሃም ከምዚ ዓይነት መግለጺ ከውጽእ ንቡር ኣይኮነን- ብዛዕባ ሕክምናዊ ኩነታት እተን ጓል 96 ዓመት ንግስቲ ውልቃዊ ገይሩ ስለዝርኢ ብዛዕባኡ ክዛረብ ደሌት የብሉን።

ወራሲ-ንግስነት ዝኾነ ልኡል ቻርለስ፡ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ልእልቲ ኮርንዎል ናብ ባልሞራል ከይዱ'ሎ።

ሓፍቱ ልእልቲ ኣን፡ ንኻልእ ንጥፈታታ ክትብል ኣቐዲማ ኣብ ስኮትላንድ ኣትያ ነይራ'ያ።

ወዲ-ወዳ ዝኾነ ልኡል ዊልያም፡ መስፍን ካምብሪጅን ካልኦት ኣባላት ቤተሰብን ድማ ናብቲ ቦታ ኣቕኒዖም ከምዘለዉ ተገሊጹ።

መስፍን ሳሰክስ፡ ልኡል ሃሪን ብዓልቲ ቤቱ ሜጋን መርከልን'ውን፡ ነቲ ኣብ ለንደን ካከይድዎ ሓሲቦም ዝነበሩ ናይ ግብረሰናይ ንጥፈታት ብምቁራጽ ናብ ባልሞራል ኣምሪሖም ኣለዉ።

ኣብ ኣፍደገ ቤተንግስነት ባልሞራል፡ ግዝያዊ ሓጹር ክትከል ተራእዩ።

እተን ንግስቲ ቅድሚ ሕጂ ናይ ምንቅስቓስ ጸገማት ከጋጥመን ምጽንሑን፡ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ካብ ምክያድ ዓዲ-ምውዓለን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ናይ ሎሚ መግለጺ ነቲ ጸገም'ቲ ካብ ምግላጽ ዝሓለፈ ምዃኑ ዝያዳ ሻቕሎት ፈጢሩ'ሎ።

ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ላዕለዎት ሚኒስተራት መንግስቲ ብማዕዶ ብማንዛ ክራኸባ ምግዳደን'ውን፡ እናተዳኸማ ከምዝኸዳ ዝኣመተ'ዩ።

ሓዳስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሊዝ ትራስ'ውን ኣብ ክንዲ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤተንግስነት ባኪንግሃም ኣብ ባልሞራል ወግዓዊ ሽመት ክትቅበል ምግባሩ'ውን ንኩነታት ናይተን ንግስቲ ዝገልጽ'ዩ ነይሩ።

እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና እተን ንግስቲ ኣብ "ዓሚቚ ሻቕሎት" ከምዝኣቱ ተዛሪባ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሓሳበይን ናይ ብምልኡ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያን፡ ብዛዕባ ግርማዊት ንግስትን ቤተሰበንን ኮይኑ'ሎ" ትብል ሊዝ ትራስ።

ላዕለዋይ መራሒ ኣንግሊካን ቤተክርስትያን ዓዲ-እንግሊዝ፡ ሊቀጳጳስ ካንተርበሪ ጃስቲን ወልቢ ብወገኑ "ሎሚ ጸሎተይን ጸሎት [እታ ቤተክርስትያንን) ህዝቢ እታ ሃገርን በዛዕባ ግርማዊት ንግስቲ እዩ" ክብል ገሊጹ'ሎ።

"ኣምላኽ፡ ነታ ግርማዊት፡ ቤተሰባን፡ ኣብ ባልሞራል ንዝኣልዩወን ዘለዉን ሓይሊን ሓልዮትን ይሃብ" ድማ ኢሉ።

እቲ ዜና፡ ኣባላት ፓርላማ ብሪጣንያ ኣብ ዌስሚኒስተር ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትራስ ብዛዕባ ቅልውላው ጸዓት ኣብ ዝዝትይሉ ዝነበሩ እዋን'ዩ ወጺኡ።