ጀነራላት ሱዳን ክዘራረቡ ተሰማሚዖም- ሕቡራት ሃገራት

Published

ልዕሊ 100,000 ሰባት ካብቲ ኣብ ክፍላ ሚያዝያ ዝተወልዐ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ህይወቶም ንምድሓን ካብታ ሃገር ከምዝወጹ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን 334,000 ሰባት በቲ ግጭት ተፈናቒሎም ኣለዉ።

እቲ ክሳብ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎ ኣብ መንጎ ክልተ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ዝተወልዐ ወተሃደራዊ ረጽሚ ናብ "ቅሉዕ ህልቂት" ከምርሕ ከምዝኽእል ሰብመዚ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቖም ኣለዉ።

ዛጊት ልዕሊ 500 ኣብቲ ግጭት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 4000 ከምዝቖሰሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ሱዳን ሓቢሩ።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ድሮ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ዘሎ ሓደገኛ ግጭት ንምህዳእ ክዘራረቡ ቅሩባት ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ተኽእሎ ዘተ ሰላም

ካብ 15 ሚያዝያ ጀሚረም ኣብ ርሱን ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን (ሕሜቲ) ወከልቶም ናብ ስዑድ ዓረብ ሰዲዶም ክመያየጡ ከምዝተሰማምዑ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ቮከር ፐርተስ ገሊጹ።

ቮከር ትማሊ ኣማስይኡ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይት ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ዘተ ብሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ተዓዘብቲ ተማእኪሉ ክልቲኦም ወገናት ‘ቀጻልነት’ ዘለዎ ምቁራጽ ቶኵሲ ንኽግበር ክሰማምዑ ዝዓለመ ምኻኑ ኣብሪሁ።

ክቲኦም ወገናት ዝርዝር ወኪላቶም ኣረኪቦም’ኳ ኣንተለዉ ነቲ ዘተ ንምክያድ ዘድሊ ሎጂስቲካዊ ቀረባት ግን ገና ይስርሓሉ ከምዘሎ እቲ ሓላፊ ሓቢሩ።

ቮከር ፐርተስ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ሓዲኦም’ውን ናብ ዓወት እንተበጺሑ፡ ናብቲ ዓወት ንምብጻሕ ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፍል ብምርዳእ ‘ቃንኦም ክቕይሩ’ ከምዘስተብሃለ ተዛሪቡ።

ክሳብ ሕጂ እቲ ሰለማዊ ዘተ መዓስን ኣበየናይ ክፋል ናይ ስዑድያን ከምዝካየድ ኣይተገለጸን ዘሎ፡ ቮከር ፐርተስ’ውን እቶም ወከልቲ እዞም ክልተ ጀነራላት ዝራኸብሉ፡ ክልቲኦም ዝሰማምዕሉ ቦታ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።

ኽልቲኦም ወገናት ንሰለስተ መዓልታተ ዝቅጽል ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ’ኳ እንተገበሩ ኣብ ከተማ ካርቱም ገና ምልውዋጥ ተኵሲ ኣየቋረጸን ዘሎ፡ ጎኑ ጎኑ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዞም ክልተ ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ንምምጻእ ጻዕርታት ክገብሩ ጸኒሖም’ዮም።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሰማማዕዎ ምቁረጽ ቶኵሲ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ን72 ሰዓታት ክናዋሕ’ኳ ኣንተተሰማምዑ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ካርቱምን ጥቃ ካርቱም ኣብ እትርከብ ከተማ ኡምዱርማንን ምልውዋጥ ቶኵሲ ክስማዕ ውዒሉ’ዩ።

ኣቀድም ኣቢሉ ብኢጋድ ተማእኪሉ ብፕረዝደንታት ኬንያ፡ ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን ንኽልተኦም ወገናት ኣብ ጁባ፡ ደቡብ ሱዳን ንምርኻብ ዝተገበረ ፈተነ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዝተቐበሎን ወኪላቱ ክልእኽ ምዃኑን’ኳ ኣንተሓበረ፡ ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ልዕሊ ሰራዊተይ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ከይተቋረጸ ንዘተ ኮፍ ኣይብልን’የ ስለዝበለ፡ ብኢጋድ ዝተጀመረ ጻዕሪ ብኣግኡ’ዩ ተቖጽዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ልዕሊ 800 ሽሕ ሱዳናውያን ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት ክስደዱ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ብሰንኪ እቲ ብ15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኵናት ኣሰርተታት ኣሽሓት ሱዳናውያን ናብ ግብጺ፡ ጫድን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝርከብአን ሃገራት ተሰዲሶም ኣለዉ።