ኣመሪካ፡ ብዝሒ ግዳም ሓደር ብናህሪ ክውስኽ ተራእዩ

ግዳም ሓደርነት ኣብ ኣመሪካ ወሲዅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ኣመሪካ፡ ብዝሒ ግዳም ሓደር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ ብልዕሊ 18 ሚእታዊት ከም ዝወሰኸ ሰብ መዚ መንግስቲ ገሊጾም።

እዚ ብምኽንያት፡ ልዑል ወጻኢታት ኣባይቲ [ክራይ ገዛ]፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዝግበር ስደት ብምውሳዅን ዝስዓበ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ኣሃዝ ንግዚኡ ምስ ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ዝሓድሩ ሰባት ስለ ዘየጠቓልል ግን፡ ትሑት ቁጽሪ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ቤት ጽሕፈት ኣባይትን ልምዓት ከተማን ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ኣብ ሓንቲ ለይቲ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ልዕሊ 770 ሽሕ ሰባት ኣብ መዕቈቢ ወይ ግዝያዊ ኣባይቲ ከም ዝነበሩን መጽለሊ ከም ዘይብሎምን ሓቢሩ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ 2007 ዓ.ም ዓመታዊ ቁጽሪ ገዛ ዘይብሎም ሰባት ምጽናዕ ከምዝጀመረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተራእየ ወሰኽ 12 ሚእታዊት ከም ዝነበረን ጸብጻባት የመልክቱ።

ሰብመዚ፡ እቲ ዝተኣከበ ሓበሬታ ዳርጋ ሓደ ዓመት ዝገበረ ምዃኑን፡ እቲ ዳህሳስ ካብ ዝካየድ ንደሓር ክራይ ገዛን ኵነታት ዶብ ኣመሪካን ከም ዝተቐየረ ኣዘኻኺሮም።

ብሓፈሻ ግዳም ሓደርነት ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ብ39 ሚእታዊት ወሲኹ ኣሎ፤ ኣብተን ብስደት ከም ዝተሃስያ ዝገለጻ 13 ቦታታት ድማ ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ።

እዚ ድማ ብመንጽር እተን ካልኦት ብስደት ከም ዝተሃስያ ዘይገለጻ ልዕሊ 370 ከባቢታት ዝተራእየ ኰይኑ፡ ግዳም ሓደርነት ብማእከላይ ገምጋም ትሕቲ ሸሞንተ ሚታዊት ከም ዝወሰኸን ይፍለጥ።

በዚ ዝተጠቕዑ ክፋል ሕብረተሰብ መን'ዮም?

እዚ ኵነታት፡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣብ ዝዀኑ ቈልዑ ብዝለዓለ ቁጽሪ ወሲዅ ኣሎ።

ኣብታ እቲ መጽናዕቲ ዝተኻየደላ ምሸት ኣስታት 150 ሽሕ ቈልዑ ግዳም ሓደር ምዃኖም ተራእዩ።

ኣብ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት ዘሎ ኵነታት ድማ ሽዱሽተ ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

ኣብቲ ጸብጻብ ዝተራእየ ገለ ኣወንታዊ ዝንባለታት እውን ነይሩ።

ኣብ ገዳይም ኣባላት ሰራዊት ዝርአ ዝነበረ ግዳም ሓደርነት ብሸሞንተ ሚእታዊት ክወርድ እንከሎ፡ ገለ ከተማታት ድማ ነቶም ኣብ ግዳም ዝሓድሩ ካብ ጐደናታት ከውጽእኦም ክኢለን እየን።

ሎስኣንጅለስ፡ ኣብታ ሃገር ክራይ ገዛ ኣዝዩ ክቡር ካብ ዝኰነለን ከባቢታት ሓንቲ ኰይና፡ ብዝሒ ግዳም ሓደር ብሓሙሽተ ሚእታዊት ነክዩ ተራእዩ።

እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሸውዓተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝተራእየ ለውጢ እዩ።

ኣብ ዳላስ፡ ብዝሒ ግዳም ሓደር ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ብ16% ወሪዱ።

ኣብ ፔንሲልቬንያ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ብ60 ሚእታዊት ምንካይ ተራእዩ።

እዚ ድማ ፕሮግራማት ሕግን ትምህርትን፡ ዓቕሚ ሰባት ማእከል ዝገበሩ ኣባይቲ ብምቕራብን ስደተኛ ሰራሕተኛታት ኣብ ምክልኻል ዝተገብረ ጻዕርን ዘምጽኦ ለውጢ ምዃኑ ሰብ መዚ ጠቒሶም።

ገለ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ፡ ቁጽሪ ሓተትቲ ዑቕባ እናወሰኸ ምምጽኡ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ ስደተኛ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ፈቲኑ'ዩ።

ካብ መወዳእታ 2022 ጀሚሩ ድማ ኣብ ቴክሳስን ፍሎሪዳን ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ሪፓብሊካን ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ከም ኒውዮርክ፡ ቺካጎን ደንቨርን ዝኣመሰላ ብሰልፊ ዴሞክራት ዝመሓደራ ከተማታት ሰዲዶም።

መብዛሕትኦም ኣብ ግዝያዊ መዕቈቢ ቦታታት ተዓቚቦም ዝነበሩ'ዮም።

እቲ ጸብጻብ ኣብ ዶብ ኣመሪካ ዘይሕጋዊ ምቁራጽ ዶብ ብልዕሊ 60 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ሓቢሩ።

ሰበስልጣን ሓያሎ ዓበይቲ ከተማታት መዕቈቢ ስደተኛታት ክዓጽዉ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ እቲ መጽናዕቲ ዋጋ ክራይ ገዛ ብዝለዓለ መጠን ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን ዝተኻየደ ምዃኑ ብምዝኽካር "ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ዘሎ ዋጋ ክራይ ገዛ ኣይወሰኸን ወይ ጐዲሉ'ዩ" ክብል ኣመልኪቱ።

ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ካልእ ነቲ ልዑል ቁጽሪ ዝደረኸ ረቛሒ እዩ ነይሩ።

እቲ ቁጽሪ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2023 ኣብ ማውይ (Maui) ድሕሪ ዘጋጠመ ኣዕናዊ ሓደጋ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ሃዋይ ኣብ ህጹጽ መዕቈቢታት ኣትዮም ዝነበሩ ልዕሊ 5200 ሰባት ዘጠቓለለ እዩ።