ሰራቒ ዝወሓጦም ልዕሊ 700 ሽሕ ዳላር ዝዋግኦም ኩትሻ እዝኒ

ካብ ከብዲ ሰራቒ ዝወፅኡ ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሑ ኩትሻ እዝኒ

ምንጪ ስእሊ, Orlando Police

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፖሊስ ኦርላንዶ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብሓደ ሰራቒ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ውልቀሰብ ዝተውሓጡ፡ 769,500 ዳላር ዝዋግኦም ክልተ ኩትሻ እዝኒ ረኺቦም።

ወዲ 32 ዓመት ጄይታን ጊልደር፡ ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሑ ኣዝዮም ክቡራት ኩትሻ እዝኒ ከም ዝወሓጦም ፖሊስ ገሊጹ።

ጄይታን ኣብ ዝሓለፈ 26 ለካቲት ናብ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዝውሰደሉ እዋን ነቶም መጋየጺ ውሒጥዎም ክኸውን ከም ዝኽእል ሓበሬታ ፖሊስ የመልክት።

እቶም ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሑ ክልተ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኩትሻ እዝኒ ካብ ከብዲ ጊልደር ቅድሚ ምውፅኦም፡ ኣብ ኣመሪካ ሆስፒታል ኦርላንዶ መርመርቲ ገበን ንኣስታት ክልተ ሰሙን ክትትል ክገብርሉ ከም ዝፀንሑ ክፍሊ ፖሊስ ኦርላንዶ ገሊፁ።

ጄይታን ጊልደር፡ መሸፈኒ ገፅ ብምልባስ ዝምታ ብምፍፃም ብቀዳማይ ደረጃ ገበን ተኸሲሱ።

ስሙይ ሕላገት መጋየፂ ቲፋኒ ኤንድ ኮ፡ ነቶም ካብ ከብዲ ጊልደር ዝወፅኡ ክቡራት ኩትሻ እዝኒ ብምፅራይ፡ ናብ ዝነበርዎ ኩነታት መሊስዎም ኣሎ።

ጊልደር ነዞም ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሑ ክቡራት ሕላገት ዝኾኑ ኩትሻ እዝኒ ብምስራቕ፡ ናይ ሓደ ተፃዋታይ ሃገራዊ ኵዕሶ ሰኪዔት ተሓጋጋዚ ከም ዝኾነ ኣምሲሉ፡ ናብቲ ስሙያት ሰባት ዝተኣናገድሉ መኽዘን ቲፋኒ ኤንድ ኮ ብ26 ለካቲት ከም ዝኣተወ ፖሊስ ገሊፁ።

ብኸምዚ ስሙያት ሰባት ናብ ዝተኣናገድሉ መኽዘን ድሕሪ ምእታዉ፡ ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብምድንጋር፡ ክልተ ዝተፈላለዩ (ኣርባዕተ ፍረ) ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሑ ኩትሻ እዝኒ ሒዙ ጐይዩ።

እቲ ጥርጡር ካብቲ መኽዘን ክሃድም እንከሎ 587 ሽሕ ዳላር ዘውፅእ ካብ ኣልማዝ ዝተሰርሐ ቀለበት'ውን ከም ዘውደቐ ተሓቢሩ።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ንጊልደር ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓልዎን፡ "እቶም ዝተሰረቑ ኩትሻ እዝኒ ምዃኖም ዝእመን ብዙሕ ነገራት ናብ ኣፉ ኣእቲዩ እናወሓጦ" ከም ዝረኣይዎ ፖሊስ ገሊፁ።

ሌባ ዝወሓጦም ልዕሊ 700 ሽሕ ዳላር ዝዋግኦም ኩትሻ እዝኒ

ምንጪ ስእሊ, Orlando Police

ናብ ቤት-ማእሰርቲ ዝወስድዎ ዝነበሩ ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ጊልደር "ብመሽኮት ክድርብዮም ነይሩኒ (ነቶም ኩትሻ እዝኒ) ኢሉ ክዛረብ ከም ዝሰምዕዎ መሻርኽቲ ቢቢሲ፡ ሲቢኤስ ፀብፂቡ።

ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ኣተወ'ውን፡ ንሰራሕተኛታት "በቲ ኣብ ከብደይ ዘሎ ነገር ክኽሰስ ድየ?" ኢሉ ከም ዝሓተቶም ተገሊፁ።

ፖሊስ ድሒሩ፡ ኣብ ከብዲ እቲ ጥርጡር ባዕዳዊ ነገር ከም ዘሎ ዘርእይ ምስሊ ኤክስረይ (ራጂ) ወግዓዊ ገይሩ እዩ።

ፖሊስ ኦርላንዶ፡ነቲ ጥርጡር ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ብምውሳድ፡ እቶም ኩትሻ እዝኒ ካብ ከብዱ ክሳብ ዝወፅኡ፡ ንኣስታት ክልተ ሰሙን ክትትል ከም ዝተገበሮ ኣፍሊጡ።

ብ 12 መጋቢት ድማ ካብቶም ዝወሓጦም ኩትሻታት እዝኒ፡ እቲ ራብዓይ ከም ዝወፅአ ሓቢሩ።

እቶም ኩትሻታት ኣልማዝ ናብ ትካል ቲፋኒ ኤንድ ኮ ተመሊሶም እዮም። እቲ ትካል ኣብቶም መጋየፅታት ብዝነበሩ መፍለይ ቁፅሪታት እቶም ዝተሰረቑ ክቡራት ንብረቱ ምዃኖም ከም ዘረጋገፀ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

ጊልደር፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ግዝኣት ኦሬንጅ ተኣሲሩ ይርከብ።

ፖሊስ፡ ጄይታን ጊልደር ኣብ 2022 ኣብቲ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ኩባንያ ቲፋኒ ኤንድ ኮ ዝተፈፀመ ዝምታ'ውን፡ ከም ዝተሳተፈ ይገልፅ።