እስራኤል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝነበረ ኣምባሳደራ ጸዊዓ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብርክት ዝበሉ ንፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብርክት ዝበሉ ንፍልስጤም ዝድግፉ ሰልፍታት ተኻይዶም'ዮም
Published

እስራኤል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝርከብ ኣምባሳደራ "ንምምኽኻር" ከም ዝጸውዓቶ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል ኣፍሊጡ።

እዚ ድሕሪ እቲ ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ሊዮር ሃያት ዝርዝር ሓበሬታ እንከይሃበ ኣብ ኤክስ ኣብ ጉዳይ እስራኤል ዝሃቦ “ናይ መወዳእታ መግለጺታት ደቡብ ኣፍሪቃ” ዝመጽአ እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንወተሃደራዊ ስርሒት እስራኤል ኣብ ቓዛ ብትሪ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

ትማሊ ሰኑይ’ውን ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ኣይ-ሲ-ሲ) ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ኔታንያሁ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ከውጽእ ኣተሓሳሲባ ነይራ።

እቲ ቤት ፍርዲ ከምኡ እንተዘይገይሩ ግን “ፍጹም ውድቀት” ዓለማዊ ምሕደራ ዘመልክት ክኸውን እዩ ምባላ ይዝከር።

ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝምልከት ናይ ማንዛ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ክተካይድ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እያ፡ እስራኤል ንኣምባሳደር ኤልያቭ ቤሎትሰርኮቭስኪ ጸዊዓቶ ዘላ።

ብሪክስ፡ ሃገራት ቻይናን ሩስያን ዘጠቓለለ ጉጅለ ምዃኑ ይፍለጥ።

እቲ ብፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ ዝምራሕ ኣኼባ፡ ነቲ ግጭት ሓባራዊ ምላሽ ክሕንጽጽ ትጽቢት ይግበር።

ከምኡ’ውን ሎሚ ሰሉስ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እስራኤል ተዂሲ ደው ንምባል ክሳብ እትሰማማዕን ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ዘማእኸሎ ድርድር ክሳብ እትኣቱን፡ ኤምባሲ እስራኤል ክዕጾ፡ ከምኡ'ውን ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ክቋረጽ ኣለዎ’ዶ የብሉን ዝብል ድምጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

ገዛኢ ሰልፊ ኤ-ኤን-ሲ ነቲ እማመ ተሰማሚዑሉ’ኳ እንተሎ፡ እቲ ሰልፊ ወይ መንግስቲ ኣብ ባይቶ ክድግፎ ድዩ ኣይድግፎን ግን ጌና ኣይተፈልጠን።

እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዕጡቓት ሓማስ ንዝፈጸሙዎ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ዓብዪ ወተሃደራዊ ወፍሪ ተካይድ ከም ዘላ ይፍለጥ።

ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ ኣብ እስራኤል ብውሕዱ 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ኣስታት 240 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።

ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ድማ፡ እስራኤል ናይ ሕነ ምፍዳይ ወፍሪ ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ብውሕዱ 13 ሽሕ ሰባት ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ኣብ ዕጽዋ ዝርከብ ግዝኣት ብሰላም ንኽኣትዋ “ህጹጽን ዝተናውሐን ሰብኣዊ ምቁራጽ” ተኹሲ ክግበር ይጽውዕ።

ንነዊሕ እዋን ደጋፊት ጉዳይ ፍልስጤም ዝዀነት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ “ሓባራዊ መቕጻዕቲ” ኢላ ንዝገለጸቶ ስጉምቲ እስራኤል ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

እስራኤል ንነብሳ ንምክልኻል ትዋጋእ ከም ዘላን ዕላምኣ ድማ ንሓማስ ንምውጋድን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተፈጸመ ካልእ መጥቃዕቲ ዳግማይ ከይፍጸም ምርግጋጽን ምዃኑ ብምግላጽ ትምጉት።

ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ባንግላድሽ፣ ቦሊቭያ፣ ኮሞሮስን ጅቡትን ብምዃን ኣብ ቓዛ ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተፈጺሙ ድዩ ኣይተፈጸመን ንምጽራይ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ጥርዓን ኣቕሪበን ኣለዋ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንዲፕሎማሰኛታታ ካብ እስራኤል ዝስሓበት ኰይና፡ ኣብ እስራኤል ኣምባሳደር ካብ ዘይትምድብ ሓሙሽተ ዓመታት ከም ዘቑጸረት ይፍለጥ።