እቲ ንታይታኒክ ዘርእይ ትካል: ሰባት ከምዝሞቱ መጠንቀቕታ በፂሕዎ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, OceanGate Expeditions
ኣመሓዳሪ ኩባንያ፡ ናይታ ስብርባር መርከብ ታይታኒክ ንዝርእዩ ሰባት ሒዛ ናብ ዓሚቝ ባሕሪ ዝኣተወት ጠላቒት መርከብ-ሳብማሪን፡ ህይወት ሰባት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ቅድመ መጠንቀቕታ በፂሕዎ ከም ዝነበረ ተገሊፁ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ኦሽን ጌት፡ ምስ ደሕንነት ብዝዛመድ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ በፂሕዎ እኳ እንተነበረ ሸለል ከም ዝበሎ ተሓቢሩ።
ስራሕ ኣካያዲ ስቶክተን ረሽ፡ ዋላ’ኳ ክበፅሕ ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ኣቐዲሙ መጠንቀቕታ እንተበፅሖ፡ ኣይተገደሰሉን።
ኣብ ኢድ ቢቢሲ ዝኣተወ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳበ፡ እቲ ሓላፊ ነቶም ዝበፀሕዎ ዝነበሩ ቅድመ መጠንቀቕታታት፡ “ንምርምር ዘጓትቱ፡ ባዶ ብኽያት’ዮም” ብዝብል ከም ዘይተገደሰሉ የመልክት።
ሮብ ማክለም፡ ከምቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ሓደጋ ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣቐዲሞም ናብቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ደብዳቤ ካብ መንጐ ዝለኣኹ ሰባት እዩ።
እዚ መራሒ ምርምር ዓሚቝ ባሕሪ ዝኾነ ማክለም፡ ብሰንኪ ጉድለት ጥንቃቐ ሓደጋ ክበፅሕ ከም ዝኽእል፡ ናብ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኦሽን ጌት ብተደጋጋሚ መጠንቀቕታ ልኢኹ ነይሩ።
ቢቢሲ ዝተዓዘቦም ደብዳበታት ነዚ ዘረድኡ እዮም።
ምሕፅንታ ሮብ ማክለም፡ “ንዓማዊል ኣብ ሓደጋ ተውድቕ ኣለኻ። እዛ ጠላቒት መርከብ መረጋገፂ ደሕንነት ክሳብ ትረክብ፡ ነዚ ስራሕ ክተቋርፆ ብፅኑዕ እምዕደካ-ኣኽባሪኻ” ይብል።
ኣካያዲ ስራሕ ኦሽን ጌት ድማ፡ “ኣነስ ሕዚ፡ ኣብዚ ኢንዳስትሪ ብስም ደሕንነት ንምርምር ንምጉታት ዝግበር ሽርሒ እዩ ሰልችዩኒ ዘሎ” ዝብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።
እዚ ኣብ መንጐ ማክለምን እቲ ኣካያዲ ስራሕን ዝነበረ ልውውጥ ደብዳበ እናኸረረ ከይዱ፡ ኣብ መወዳእታ ጠበቓታት እቲ ኮባንያ ነዚ ተመራማሪ ንምኽሳስ እንተፈራርሑ እዩ ኣብቂዑ።
ቢቢሲ ካብ ዝተዓዘቦም ደብዳበታት፡ እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም።
“ኣነ ከም ዝርድኣኒ፡ ንርእስኻን ንዓማዊልን ንሓደጋ ተቃልዕ ኣለኻ። ጌጋ ታይታኒክ ትደገግም ኣላኻ። ናይ መርከብ ታይታኒክ ሰባት እውን፡ ‘ኣይክትጥሕልን እያ’ ይብሉ ነይሮም። ንስኻ እውን ከምኡ ኢኻ ትብል ዘለኻ” ይብል፡ ሮብ ማክለም ዝፀሓፎ መጠንቀቕታ።
እዚ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2018 ዝተፅሓፈ እዩ።
ግብረ-መልሲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ኦሽን ጌት ስቶክተን ረሽ ድማ፡ “ሰብ ክተወድእ ኢኻ ዝብል ሕማቕ ፋል ሰልችዩኒ። ካብ ሕዚ ንደሓር ከምዚ ዓይነት ዘይምኽንያታዊ መጠንቀቕታ፡ ኣብ ልዕለይ ዝተወሰደ መሐነይታ ገይረ እየ ዝወስዶ” ይብል።
ስቶክተን ረሽ፡ ኣብታ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዓሚቝ ባሕሪ ዝተፈንጀረትን ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ዝቐጠፈትን ጠላቒት መርከብ-ሳብማሪን ካብ መንጐ ዝተሳፈሩ ሰባት ሓደ እዩ።
ማክለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ደሕንነት እቲ ጉዕዞ እንከይተረጋገፀ ንካልእ ሰብ ከየሳፍር ንረሽ ዋላ እንተሓበሮ፡ ሰማዒ ከም ዘይረኸበ ተዛሪቡ።
ናብ ዓሚቝ ባሕሪ ዝግበር ጉዕዞ ጠላቒት መርከብ- ሳብማሪን ግቡእ ፍተሻን መረጋገፂ ደሕንነትን ምስ ረኸበ ክኸውን እናተገብኦ፡ እዚ ከይተፈፀመ ንጉዕዞ ንግድን ቱሪዝምን ክፉት ክኸውን ኣይነበሮን። ሕዚ ዋጋ ኣኽፊሉና ኣሎ ኢሉ።
ቢቢሲ ዝተዓዘቦ ካልእ ደብዳበ እዚ ተማራማሪ ድማ፡ “ዋላ’ኳ ምርምርን ሓድሽ ርኽበትን ዝፈትው እንተኾንኩ፡ ዓማዊልካ ንሓደጋ ምስጣሕካ ነዚ ኢንዳስትሪ ኣብ ዓዘቕቲ ዘጥሕል እዩ” ይብል።
እዞም ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ስብርባር ነታ ቅድሚ 111 ዓመታት ዝጠሓለት መርከብ ታይታኒክ ንምርኣይ ብጠላቒት መርከብ-ሳብማሪን ናብ ዓሚቝ ባሕሪ ዝኣተዉ ሓሙሽተ ሰባት ክድለዩ እዮም ቀንዮም።
ብዓርቢ ድማ እዞም ካብ 19 ክሳብ 77 ዝዕድሚኦም ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ። ሬስኦም ግና ዛጊድ ኣይተረኸበን።
ኣብታ መርከብ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ድማ ይግለፅ ኣሎ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
