ኣብ ግብጺ ሓደ ኢትዮጵያዊ ዝሞተሉን ሸውዓተ ዝቖሰሉሉን ግጭት ብኸመይ ኣጋጢሙ?

Published

ኣብ ግብጺ ከተማ ካይሮ ብዝተፈጠረ ግጭት ሓደ ኢትዮጵያዊ ክሞት እንከሎ 7 ድማ ቆሲሎም ተባሂሉ።

ኣብ ከተማ ካይሮ ኣብ መንጎ ሓደ ኢትዮጵያዊን ሓደ ግብጻዊን ብዝተፈጠረ ባእሲ ኢትዮጵያዊ ክመውት እንከሎ ካልኦት 7 ድማ ቆሲሎም ክብሉ ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክርን ወኪል ኢትዮጵያውያን ማሕበረሰብ ኣብ ግብጽን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዝብሎ፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ዝተፈጠረ ግጭት ብምስፍሑ እዩ ሞት ሓደ ኢትዮጵያዊን መቑሰልቲ ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ዘጋጠመ።

ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ግብጺ ኣቶ ጣሂር ዑመር፡ ኣብቲ ግጭት ህይወት ሓደ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ከምዝጠፍአ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ’ሎ።

መንቀሊ ግጭት?

መበገሲ ናይቲ ግጭት "ባጃጅ ዝዝውር ግብጻዊ፤ ነቲ ኣብ ኣፍደገ ብኢትዮጵያዊ ዝውነን ድኳን ዝተቐመጠ ፈሓም ረጊጹ ይሓልፍ። ሽዑ እቲ በዓል ድኳን ነቲ ግብጻዊ ‘ፈሓመይ ረጊጽካ ሓምሺሽካዮ' ከምዝበሎ” እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣብሪሁ።

ንሱ ወሲኹ ከምዝበሎ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ውልቀሰባት ዝነበረ ምስሕሓብ ናብ ኣካላዊ ባእሲ ምስ ተሰጋገረ ካልእ ኣብቲ ቦታ ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ነቲ ባእሲ ንምህዳእ ኣብ ሞንጎኦም ኣትዩ።

ሽዑ ድማ “እቲ ግብጻዊ ካራ ኣውጺኡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ኣብ ኣፍልቡ ወጊእዎ” ይብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ።

መሓዙት ናይቲ ግብጻዊ ናብቲ ቦታ ምስ መጽኡ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያንን ዜጋታት እታ ሃገርን ዝነበረ ግጭት እናገደደ ከይዱ።

“እቲ ስደተኛ ብጸጋማይ ሸነኽ ኣፍልቡ እዩ ብኻራ ተወጊኡ። ቀዳማይ ደረጃ ሕክምና ዝህቡ ሓኻይም ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ እዋን ሞይቱ ነይሩ። ፈጺሙ ይንቀሳቐስ ኣይነበረን" ክብል እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ኣረዲኡ።

ኣካቢ ኢትዮጵያውያን ማሕበረሰብ ኣብ ግብጺ ኣቶ ጣሂር፡ ባጃጅ እናዘወረ ዝናበር ዝነበረን ኣብ መፋርቕ 20ታት ዕድመ ዝርከብን በዓል ሓዳር ኢትዮጵያዊ ስደተኛ ብኻራ ተወጊኡ ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።

ብሰኑይ ንዘጋጠመ ባእሲ ስዒቡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያንን ግብጻውያንን ኣብ ዝተፈጠረ ግጭት፡ ብዘይካ እቲ ዝተቐትለ መንእሰይ ካልኦት 7 ኢትዮጵያውያን'ውን ብኻራ ከምዝተወግኡ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ሓቢሩ’ሎ።

በቲ ፍጻመ ዝተጎድኡ ኢትዮጵያውያን ናብ ማእከል ሕክምና ከምዝተወስዱ ብምግላጽ ድማ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ እቶም ግብጻውያን ዝበጽሐ ጉድኣት ግን ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ናይ ዓይኒ ምስክርን ወኪል ማሕበረሰብ ኢትዮጵያውያ ኣብ ግብጽን ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ እቲ ግጭት ኣብ ዝተፈጸመሉ ‘ማዓዲ’ ዝተባህለ ከባቢ ኢትዮጵያውያን ብብዝሒ ዝነብሩሉ እዩ።

ስለዝኾነ ድማ “እቲ መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠመ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ወጺኦም። በቲ ቅትለት ተቖጢዖም ናብ ጎደና ብምውጻእ ንነዊሕ ሰዓታት ቁጥዐኦም ገሊጾም። ዓብዪ ረበሻ እዩ ተፈጢሩ" ይብል እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር።

"ተጠርጣሪ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ"

ነቲ ፍጻመ ስዒቡ ገለ ኣባላት ፖሊስ ናብቲ ቦታ'ኳ እንተበጽሑ እቲ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምዃኑ ግን ብኽልተ መኻይን ዝመጽኡ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ከምዝተዋፈሩ ወሲኹ ገሊጹ።

ቁጥዐ እቶም ኢትዮጵያውያን ንምዝሓል ድማ ፖሊስ ምስ ወከልቲ እቲ ሕብረተሰብ ዝተዘራረበ ኮይኑ እቲ ገበን ዝፈጸመ ግብጻዊ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ምስተገልጸ እቲ ኩነታት ሃዲኡ።

ሓላፊ ኢትዮጵያውያን ማሕበረሰብ ኣቶ ጣሂር ዑመር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣስከሬን መዋቲ ብፍቓድ ስድራ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ መቓብር ኮዚካ ከምዝተቐበረ ገሊጹ።

መዋቲ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ ንልዕሊ 7 ዓመታት ከም ሕጋዊ ስደተኛ ኣብ ግብጺ ዝጸንሐ በዓል ሓዳርን ዘዋሪ ባጃጅ ኮይኑ ህይወቱ ይመርሕ ከምዝነበረን ድማ ኣቶ ጣሂር ኣረዲኡ።

እቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ ግብጻዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ፖሊስ ከምዘሎ ብምርግጋጽ ድማ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ጠበቓ ብምቑጻር ነቲ ጉዳይ ይከታተሎ ከምዘሎ ኣመልኪቱ።

ኣብ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዝፈልጦ ነገር እንተሃልዩ ርግጸኛ ከምዘይኮነ እዩ ንሱ ዝዛረብ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ቴለፎን ስለዘይተልዓለ ኣይሰመረን።

ኣብ ግብጺ ልዕሊ 15 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡ ኮይኖም ገሊኦም ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቦም ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምስጋር ስደተኛታት ኮይኑም ዝነብሩ ዘለዉ'ዮም።