ምፍራስ ገለርያ ህንዲ፡ 17 መዓልታት ስራሕ ህይወት ኣድሕን

መግለጺ ቪድዮ, ምፍራስ ገለርያ ኣታራኻንድ፡ 17 መዓልታት ስራሕ ህይወት ኣድሕን
ምፍራስ ገለርያ ህንዲ፡ 17 መዓልታት ስራሕ ህይወት ኣድሕን
Published

ህንዲ ን 17 መዓልታት ኣብ ውሽጢ ገለርያ ተዓጊቶም ዝጸንሑ 41 ናይ ህንጻ ሰራሕተኛታት ድሕሪ ምድሓና ብዙሓት ሓጐሶም ይገልጹ ኣለው።

እቶም ሰራሕተኛታት ብሰሉስ ካብቲ ናይ ሓጺን ቱቦ ክወጹ እንከለው ዝጽበዮም ዝነበረ ህዝቢ ብጣቕዒት ተቐቢልዎም።

እቲ ልዕሊ 400 ሰዓታት ዝወሰደ ብዙሕ መሰናክላት ዘጋጠሞ መስርሕ ህይወት ምድሓን ከመይ ነበረ?