መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታትን ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ኢራን - ዛጊት ዝተፈልጠ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ን"ሕመረት" ኑክሌሳዊ ፕሮግራም ኢራን ዒላማ ዝገበሩ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ኣፍሊጣ።
ሰራዊት እስራኤል፡ ኢራን ጸረ መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረትን፡ ነዚ ንምግታእ ድማ ይሰርሑ ከም ዘለዉን፡ ኣብታ ሃገር ድማ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ከም ዝተኣወጀን ሓቢሩ።
ሓላፊ፡ እቲ ዝሓየለ ክንፊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢራን ዝዀነ እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ሑሴን ሰላሚን ከምኡ'ውን ተመራመርቲ ኑክልየስ ከም ዝተቐትሉ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
ኣመሪካ ኣብዚ ኣብ ልዕሊ መማዕበሊ ኑክሌሳዊ መደባት ኢራን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላ ገሊጻ።
እቲ መጥቃዕቲ መዓስን ኣበይን ተፈጺሙ?
ኣብ ቴህራን ርእሰ ከተማ ኢራን፡ ብኣቈጻጽራ ሰዓት እቲ ከባቢ ሰዓት 03፡30 ነትጕ ከም ዝተሰምዐ ተገሊጹ።
መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝተሃርሙን፡ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ቴህራን እውን ፍንጀራ ከም ዝተሰምዐን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን፡ ክገልጻ እንከለዋ፡ ቢቢሲ ግን ነዞም ጸብጻባት ብናጻ ወገን ከረጋግጾም ኣይከኣለን።
ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናይ መጠንቀቕታ ደወል (ሳይረን)፡ ደብዳብ ነፈርቲ ምስ ተሰምዐን መጠንቀቕታ ተሌፎናት ህጹጽ እዋን ምስ ተሃርመን ነበርቲ ተበራቢሮም።
ሰራዊት እስራኤል፡ "ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢራን ዝርከቡ ንዩክለሳዊ ዒላማታት ዝርከብዎ ዓሰርተታት ወተሃደራዊ ዒላማታት፡" ከም ዝሃረመ ገሊጹ።
ሒደት ሰዓታት ድሕሪ'ቲ ፈላሚ፡ ካብ ቴህራን ንሸነኽ ንደቡብ ኣስታት 225 ኪሎ ሜተር ርሒቑ ዝርከብ ትካል ንዩክለስ ናታንዝ ፍንጀራ ከም ዝተሰምዐ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
ዓለማዊ ተቘጻጻሪ ንዩክለሳዊ ትካል 'ኤጀንሲ ኣቶሚክ ጸዓት' (IAEA)፡ ድሒሩ ናታንዝ ከም ዝተሃርመ ብምርግጋጽ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ላሕኲ መርዛም ጨረራት ከየጋጥም ምስ ሰበስልጣን ኢራን ብምትሕብባር ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።

እስራኤል እንታይ ኢላ?
ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ ስርሒት 'ራይዚን ላየን' ኢሉ ዝጸውዖ ወፍሪ፡ "ኢራን ኣብ ልዕሊ ህላወ እስራኤል ዝጸንሐ ስግኣት ንምቕልባስ" ዝዓለመ ወተሃደራዊ ስርሒት ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቲ ስርሒት፡ "ነቲ መጠን ንምእላይ ክሳብ ዝተኻእለ መዓልታት ክቕጽል'ዩ፡" ኢሉ።
"ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ፡ ኢራን ብዩራንየም ዝሃብተመ ዕጥቂ ተጠቒማ ቅድሚ ሕጂ ገይራቶ ዘይትፈልጥ ስጕምትታት ወሲዳ'ያ።"
"እዚ እንተ ዘይተቛሪጹ ኢራን ኣብ ኣዝዩ ሓጺር ግዜ - ሓደ ዓመት ክኸውን ይኽእል ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ - ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተፍሪ ትኽእል እያ፤ እዚ ድማ ንህላወ እስራኤል ንጹርን ህሉውን ሓደጋ'ዩ።"
ነታንያሁ ኣብ መደረኡ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣመስጊኑ።
ሓደ ወተሃደራዊ ብዓል ስልጣን እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኢራን "ኣብ ውሽጢ መዓልታት" ንዩክለሳዊ ቦምብ ንምስራሕ ዘኽእላ እኹል ንጥረ-ነገራት ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ኢራን ዛጊት እንታይ ምላሽ ሂባ?
ኢራን ብዓርቢ ንግሆ፡ ኣስታት 100 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ናብ እስራኤል ገጻ ከም ዝወንጨፈትን ሰራዊት እስራኤል ንምዕጋት ይሰርሕ ከም ዘሎን ምክልኻል እስራኤል ሓቢሩ።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ኢራን ኣቐዲሙ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ብዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ "ከቢድ ዋጋ" ክኸፍላ ምዃነን ገሊጹ ከም ዝነበረ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ዘካየደቶ መጥቃዕትን ምቕታል ሓያሎ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ስዒቡ፡ "[እስራኤል] ከቢድ መቕጻዕቲ ክትጽበ ኣለዋ፡" ኢሉ።
እስራኤል፡ "ሎሚ ኣብታ ፍትውቲ ሃገርን ገበን ፈጺማ ኣላ፡" ድሕሪ ምባል፡ ወተሃደራውያን ሓይልታቱ፡ ከይቀጽዑዎም ከም ዘይዓርፉ ተሓንዩ። "በዚ ገበን'ዚ፡ እዚ ጽዮናዊ ስርዓት ንገዛእ-ርእሱ መሪርን ኣቐንዛውን ዕጫ እዩ ኣዳልዩላ ዘሎ፣ ብርግጽ ድማ ክርእያ እዩ፡" ኢሉ።
ወሃቢ-ቓል ኢራን ኣቡልፋዝል ሸካርቺ'ውን ብወገኑ፡ "ሓይልታት ኢራን ነዚ መጥቃዕቲ ጽዮናውያን ብዘየዳግም ምላሽ ክህቡ እዮም፡" ኢሉ።
ኣመሪካኸ እንታይ በለት?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ሃገሩ ኣብቲ መጥቃዕቲ ኢድ ከም ዘይብላን ዝዀነ ሓገዝ ከም ዘይገበረትን ገሊጹ።
ቀዳማይ ዕማም ኣመሪካ፡ ኣብቲ ዞባ ንዝርከቡ ሓይልታታ ድሕነቶም ምርግጋጽ እዩ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ።
ትራምፕ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ክሳዕ ሕጂ ርእይቶ ኣይሃበን።
ዛጊት ካብ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣውስትራልያ ፔኒ ቮንግ፡ "በቲ መጥቃዕቲን ዝፈጥሮ ስግኣት ከም ዝተሰናበደ ብምግላጽ፡ እዚ "ነቲ ብቐደሙ'ውን ተኣፋፊን ዘይርጕእን ዞባ" ከቢድ ሓደጋ ምዃኑ ኣገንዚቡ።
ኑክሌሳዊ መደባት ኢራን እንታይ እዩ?

ኢራን ንነዊሕ እዋን ንዩክለሳዊ መደባ ንስቪላዊ ዕላማ ጥራሕ ምዃኑ ክትገልጽ ጸኒሓ እያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢ እታ ሃገር ሓያሎ መሳለጥያታት ዘለዋ ኰይኑ፡ ገለ ካብኡ ኣብዚ ናይ ሕጂ መጥቃዕቲ እስራኤል ዒላማ ዝዀነ እዩ።
እንተዀነ ብዙሓት ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ዓለማዊ ተቘጻጻሪ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት፡ እዚ መደባት ኢራን ንስቪላዊ መዓላ ጥራሕ ከም ዘይኰነ እዮም ዝኣምኑ።
ቦርድ ኣመሓደርቲ ናይቲ ተቘጻጻሪ ትካል፡ ኢራን ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ነቲ ኣጽዋር ናይ ዘይምዝርጋሕ ግዴታ ከም ዝጠሓሰት፡ ኣብዚ ሰሙን ብወግዒ ኣዊጁ።
እቲ ቦርድ፡ ኢራን ብዛዕባ ዘይተኣወጀ ንዩክለሳዊ ናውቲ፡ ተመስሪሑ ዝማዕበለ ዩራንየምን ዝምልከት ምሉእ ጸብጻብን ምላሽን ክትህብ ከም ዘይከኣለት ጠቒሱ።
ኣቐዲሙ ዝወጽአ ጸብጻብ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ዓለም ከም ዘመልክቶ፡ ኢራን ዩራንየም ክሳብ 60 ሚእታዊት ጽሬት ከም ዘሀብተመቶን፡ እዚ ድማ ትሽዓተ ንዩክለሳዊ ቦምባታት ንምስራሕ ዘኽእላ ደረጃ ከም ዝበጽሐትን ኣሚቱ።
ብዓል መን ተቐቲሎም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓለቓ ስታፍ ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን፡ ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራንን ኣዛዚ ትእዛዝ ህጹጽ እዋን ኢራንን "ኵሎም ኣብቲ እስራኤል ኣብ መላእ ኢራን ዘካየዶ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ፡" ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ።
መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ብወገኑ፡ እቶም ዝተቐትሉ ዋና ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሑሴን ሰላሚ፡ ኣዛዚ ማእከላይ ዋና ቤት ጽሕፈት ኸታም-ኣል ኣንቢያእ ጐላማሊ ራሽድ፡ ከምኡ'ውን ሓለቓ ስታፍ ዕጡቕ ሓይሊ ኢራን መሓመድ ባገሪ ከም ዝተቐትሉ ኣነጺሩ።
ክልተ ተመራመርቲ ኑክሌስ - ሓላፊ ውድብ ኣቶሚክ ጸዓት ኢራን ነበር ፈረዩዲን ዓባሲን፡ ኣብ ፕሮግራም ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ኢራን ዝተሳተፈ መሓመድ ማህዲ ቴህራንቺን እውን ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ካመይኒ ዓሊ ሻምካኒ እውን ብኸቢድ ከም ዝተጐድአ ጸብጻባት ኢራን ይሕብሩ።
ቢቢሲ ነዞም ጸብጻባት ብናጻ ከረጋግጾም ኣይከኣለን።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
