እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ 10 ሚሊዮን ሰባት ንዘመናዊ ጊላነት ተቓሊዖም- ሕቡራት ሃገራት
ብምኽንያት ግጭት፣ ክሊማዊ ለውጥን ዓለምለኻዊ ለበዳን፡ ዘመናዊ ጊላነት እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ግድል ከም ዝዀነ፡ ሓድሽ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት፡ 50 ሚሊዮን ሰባት - ወይ ድማ ሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘለው 150 ሰባት - ኣብ ግዱድ ሸቕሊ ወይ ሓዳር ይርከቡ ይብል።
እዚ ድማ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ዝነበረ ቑጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣስታት 10 ሚሊዮን ወሰኽ ዘርኣየ እዩ።
እቲ ትካል እዞም ሓቅታት እናብኣሱ ምምጽኦም “ዘሰንብድ’ዩ” ኢሉ።
“እዚ መሰረታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ጸኒዑ ክቕጽል ዝገበሮ ነገር ቅቡል ኣይኰነን። እንታይ ክግበር ከም ዘለዎ ንፈልጥ ኢና . . . ኩሉ ዘሳተፈ ስራሕ’ዩ ዝሓትት። ማሕበራት ንግዲ፣ ኣስራሕቲ ትካላት፣ ሲቪል ማሕበራትን ውልቀሰባትን ወሳኒ ተራ ኣለዎም” ክብል ዳይሬክተር ጀነራል ጋይ ራይደር ተዛሪቡ።
ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ግዱድ ሸቕሊ ኣብ ሃብታማትን ላዕለዋይ ወይ ማእኸላይ እቶት ዘለወንን ሃገራት ከም ዘጋጥም ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት ይሕብር።
እዚ ኽኣ፡ ግዱድ ሸቕልን ግዱድ ሓዳርን ከም ዘመናዊ ጊላትነት ኰይኖም ምህላዎም ዘርኢ ክኸውን እነከሎ፡ ኣብ ክልቲኡ መዋጥር ዝርከብ ሰብ “ብምኽንያት ምፍርራሓት፣ ዓመጽ፣ ምትላልን ካልኦት ዓይነታት ናይ ሓይሊ ጸቕጥን” ክወጽእ ኣይኽእልን።
“ኣብ መጻወዲያ ግዱድ ሸቕሊ ምእታው ንዓመታት ክጸንሕ ይኽእል’ዩ፤ ግዱድ ሓዳር ግን ኣብ ዝበዝሕ ኣጋጣሚታት ንዕድመ ልክዕ ዝቕጽል እዩ” ይብል ጸብጻብ እቲ ትካል።
ኣብ ዓለም፡ 3.3 ሚሊዮን ህጻናት ዝርከቡዎም ኣስታት 27.6 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ግዱድ ሸቕሊ ዝርከቡ ኰይኖም፡ ካብቶም ህጻናት ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ብዝበዛ ንግዲ ወሲብ ይርከቡ።
ካልኦት 22 ሚሊዮን ሰባት ክኣ ኣብ ግዱድ ሓዳር ዝርከቡ ኰይኖም፡ ልዕሊ ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮ’የን። መብዛሕትአን ግዳያት ክኣ እቲ መርዓ ክፍጸም እንከሎ ትሕቲ 15 ዓመት ዝነበራ እየን።
እዞም ነገራት እናተጋደዱ ምምጽኦም ውጽኢት “ዝተሓላለኹ ቅልውላዋት” እዩ ዝበለ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ኹሉ ድኽነት ክውስኽን ስግኣት ጊላነት ክብ ክብልን ክገብር እዩ ኢሉ።
ንኣብነት ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ብዙሓት ሰባት ምንጪ እቶቶም ክቋረጽ ብምግባሩ ብዙሓት ናብ ልቓሕ ክቃልዑ ገይሩ’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግዱድ ሸቕሊ ከኸትል ይኽእል።
ዓለምለኸ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን “ሕሱም ዓለምለኻዊ ድኽነት” ክውስኽ ገይሩ’ዩ ይብል።
ኲናትን ግጭታትን ክኣ፡ ብተመሳሳሊ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝመርሑ ወይ ህጻናት ወተሃደራት ኰይኖም ክሰርሑ ክምልመሉ ክገብሩ እንከለው፡ ክሊማዊ ለውጢ'ውን ሰባት ካብ መረበቶም ወጺኦም ስደተኛታት ክዀኑ ገይሩ ኣሎ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ እዚ ጸገም ንምፍታሕ ዓለምለኻዊ ጻዕሪ ከም ዘድሊ እቲ ትካል ኣተሓሳሲቡ።
“መብጽዓታትን መግለጺታት ሰናይ ሃቐነን ጥራይ እኹል ኣይኰነን” ክብል'ውን ኣጠንቂቑ።