ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ስክፍታ ትፈጥር ዘላ ጣንጡ እንታይ'ያ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሓዳስ ዓይነት መድሃኒት ትጻወር ጣንጡ ኣብ ኣፍሪቃ ረኽሲ ዓሶ ተስፋሕፍሕ ከምዘላ ኣተሓሳሲቡ እዩ።
እዚ ድማ ሕማም ዓሶ ንምምካት ዝግበር ቃልሲ ብምክባድ ኣብ ጥዕና ህዝብታት ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።
እታ ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ ዝተበሃለት ጣንጡ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ 7 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተረኸበት እዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝገልጽ።
ገለ ክኢላታት "ስቲቭ" ብዝብል ኣሕጽሮት ዝጽውዕዋ እዛ ዓይነት ጣንጡ ካብ ደቡብ ኤስያ ዝተበገሰት ኰይና፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ጅቡቲ ኣብ 2012 እዩ ተረኺባ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር መጠን ዓሶ ብዝለዓለ ደረጃ እናወሰኸ መጺኡ እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ "ስቲቭ" ናብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ናይጀርያን ጋናን ተዘርጊሓ እያ።
ከም ካልኦት ኣብ ሩባታትን ረግረጋትን ዝራብሑ ጣንጡታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ደረቕ ከባቢታት ስለትራባሕ ቅሩብ ጠሊ ጥራይ እያ ትደሊ።
ብተወሳኺ ለይቲ ጥራይ ዘይኰነስ እንተላይ ቀትሪ እውን ኣብ ደገ ትነክስ እያ። ተጻዋርነት ጸረ-ጣንጡ ዘማዕበለት ምዃና ድማ ኣዝያ ሓደገኛ ይገብራ።
“ኣብ ከተማታት ስግኣት’ያ. . .ንምልላይ’ውን ተጸግም እያ፤ ኣዝያ’ውን ተጻዋርነት ኣለዋ። ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር ክሊማ ክትነብር ትኽእል፤ ካብ ዝዀነ ከባቢ ምጽራግ ድማ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” ትብል ኣብ ኣፍሪቃ ክፍሊ ትሮፒካዊ ሕማማት ውድብ ጥዕና ዓለም ትመርሕ ዶክተር ዶሮቲ ኣቹ።
ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ እንታይ እያ? ስለምንታይከ ሓደገኛ ኰይና
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣኖፊለስ ስቲቨንሲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርገሐን ቍጽጽርን ሕማም ዓሶ ኣጸጋሚ ክትገብር ትኽእል ዓይነት ጣንጡ እያ።
እዛ ዓሌት ንብዙሓት ጸረ-ጣንጡ ተጻዋርነት ስለዘማዕበለት፡ ናብ ብዙሕ ከባቢታት እንተተዘርጊሓ ኣስታት 126 ሚልዮን ሰባት ንሓደጋ ዓሶ ክቃልዑ ከምዝኽእሉ መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, CDC
እዛ ጣንጡ ሓደገኛ ካብ ዝገብርዋ ምኽንያታት እዞም ዝስዕቡ ይጥቀሱ፤
- ኣዝያ ብቕልጡፍ እያ ትዝርጋሕ
- ኣብ ኣዝዩ ልዑል ሙቐት ብህይወት ክትጸንሕ ትኽእል’ያ
- ኣብ ዝተፈላለየ ክሊማ ምንባር ተለማሚዳ እያ
- ብዙሕ ዓይነት ጸረ-ጣንጡ ናይ ምጽዋር ክእለት ኣለዋ
- ወራር ጣንጡ ስቲቭ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዘተሓሳስብ እዩ።
ካብ 2012 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ጅቡቲ ሕማም ዓሶ ዳግማይ ንኽለዓል ምኽንያት ኰይና እያ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን እንተወሓደ ሓደ ግዜ እቲ ሕማም ንኽለዓልን ኣበርክቶ ከምዝገበረ ይግመት።
ኵነታት እታ ጣንጡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ምንካይ ሕማም ዓሶ ዝተረኽበ መኽሰብ ከዳኽሞ ከምዝኽእል ስክፍታ ፈጢሩ ይርከብ።
ኣብ 2021፡ 247 ሚልዮን ሓደስቲ መልከፍቲ ዓሶን 619 ሽሕ ምስ ዓሶ ዝተኣሳሰሩ ሞት ከምዝተመዝገቡ ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ካብዚኦም 95 ሚእታዊት መልከፍቲን 96 ሚእታዊት ሞትን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተመዝገቡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያኸ እንታይ ትገብር ኣላ?
ወራርን ዝርገሐን ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ ካብ ዘስግእወን ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ እያ፤ እታ ጣንጡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2016 እያ ተዘርጊሓ።
ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኢትዮጵያ፡ ጾር ዓሶ ኣብ ምንካይ ዓቢ ለውጢ ኣርእያ እያ። ይዅን’ምበር እዛ ጣንጡ ተስዕቦ ተወሳኺ ጾር ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ክገላብጦ ተኽእሎ ኣሎ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ መስከረም 2022 ንቕሓት ሓደጋ ናይዛ ጣንጡ ዝያዳ ንምዕባይን ዝርግሐ እታ ጣንጡ ንምንካይ ብኣባላት ሃገራትን መሻርኽትን ዝካየድ ስራሕ ክብርኽ ንምግባር ንጥፈታት ጀሚሩ እዩ። ሓደ ቁልፊ ዕላማ ናይዚ ተበግሶ፡ እታ ጣንጡ ካብቶም ድሮ ዝተዘርገሓትሎም ከባቢታት ምውጋድ ይከኣል እንተዀይኑ ንምፍላጥ እዩ።
ከም ኣካል ናይዚ ተበግሶ ድማ እቲ ውድብ ኣብ መጋቢት 2023 ኣብ ኢትዮጵያ ናይ መሻርኽቲ ጉባኤ ኣካይዱ ነይሩ፤ ከም ምምሕያሽ ምልላይ ጣንጡታት ኣብ ዝኣመሰሉ መዳያት ድማ ኢትዮጵያ ንእትርከበን ኣባል ሃገራት ደገፍ ይገብር ኣሎ።
ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2016 እያ ተዘርጊሓ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ 51 ቦታታት ከምዝተረኸበት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መልከፍቲ ዓሶ እናወሰኸ ብምምጽኡ ድማ፡ ምስታ ጣንጡ ምትእስሳር እንተሃልይዎ ይጽናዕ ከምዘሎ የመልክት።
ኣብቶም እታ ጣንጡ ዘይተረኸበትሎም ግን ተቓላዕነት ዘለዎም ከባቢታት እውን ክትትል ይግበር ኣሎ።
መዕቈሪን መትሓዚታትን ማይ፡ ህንጸትን ምሕደራን ጥሉል ጐሓፍን ንምቍጽጻር ዝሕግዙ መተሓዳደሪ ደንብታት ዝርከብዎም ምትእትታዋት ንምግባር እውን ይስራሕ ኣሎ። ኣብ ምውጋድ እታ ጣንጡ ዝዓለመ ረቂቕ ለውጢ ሃገራዊ ማሕበራውን ባህርያት እውን ተዳልዩ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መርበብ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዘመልክቶ ኣብ ትካል ምርምር ኣርማውር ሃንሰን መሪሕ ሳይንቲስት ዝዀነ ዶክተር ፍጹም ታደሰ ብዛዕባ እዛ ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ ዝተበሃለት ጣንጡ ክትትል ክገብር ጸኒሑ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተዘርገሓትሉ እዋን ጀሚሩ ሃገራዊ ምላሽ ኣብ ምንዳፍ ሓጊዙ።
እተን ልሙዳት ዓሶ ዘመሓላልፋ ጣንጡታት “ብቐንዱ ኣብ ገጠራት ከምዝራብሓ ይሕሰብ” ይብል እቲ ዶክተር።
"እዛ ሓዳስ ጣንጡ ግን ኣብ መትሓዚ ማይ ክትራብሕ ትኽእል'ያ።"
ኣብ ገለ ብቕልጡፍ ዝሰፍሓ ዘለዋን ድኹም ትሕተ ቅርጽን ስርዓተ ርስሓትን ዘለወን ከተማታት ድማ፡ ሰባት ኣብ ዝረኸብዎ ኣቕሓ ማይ ክዕቅቡ ልሙድ እዩ። ስለዚ መጠን ምርባሕ እታ ጣንጡ ብኡ መጠን ክውስኽ ከምዝኽእል’ዩ እቲ ዶክተር ዘብርህ።
ነቲ ጸገም ዘጋድዶ ድማ ብዙሓት ባህላውያን መሳርሒታት ጸረ ዓሶ ኣንጻር እዛ ጣንጡ ክትግበሩ እንከለዉ ውጽኢታዊ ኣይኰኑን።
"እታ ጣንጡ ትዓርፈሉን ትምገበሉን ባህርያታ ካብ ካልኦት ኣመሓላለፍቲ ነፍሳት ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ" ይብል ኣብ ጂማ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምርምር ትሮፒካውን ተላባዒን ሕማማት ክኢላ ትሮፒካውን ተላባዒ ሕማማትን (ኢንቶሞሎጂስት) ዝዀነ ዶክተር ድልነሳው የኋላው።
“መብዛሕትኦም ከም ኣይኣርኤስ [ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝንጸግ ጸረ-ጣንጡ] ወይ ንነዊሕ እዋን ዘገልግል ዝተሰበነ ላሙስያ ዝኣመሰሉ ዝተለምዱ ኣገባባት፡ ነታ ጣንጡ ንምግታእ ክንድኡ ውጽኢታዊ ዘይክዀኑ ይኽእሉ እዮም” ብምባል ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ ንመብዛሕትኦም ጸረ-ጣንጡ ዘሰክፍ ተጻዋርነት ከምዘርኣየት ይውስኽ።
ኣብተን ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝርከባ ከተማታት ብፍላይ ድማ ኣብቶም ልምዳዊ ኣገባባት ምክልኻል ንምትግባሩ ዘጸግሞም ማሕበረሰባት፡ ብዛዕባ ኣኖፊለስ ስቴፈንሲ ዘሎ ንቕሓት ዝያዳ ክብርኽ ምግባር ኣገዳሲ ከምዝዀነ እቶም ክኢላታት የተሓሳስቡ።
"ሰባት እቲ ኣብ ገዛ ዝጥቀሙሉ ማይ እታ ጣንጡ ብጽቡቕ እትራባሓሉ ክኸውን ከምዝኽእል ክፈልጡ ይግባእ" ይብል ዶክተር ድልነሳው።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
