ንነፍሰጾር መሳርሕቶም ዝሃረሙ ኣባላት ባይቶ ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, Dakatactu TV HD
ክልተ ኣባላት ባይቶ ሰኔጋል ኣብ እዋን ክትዕ ምጽዳቕ ባጀት፡ ንነብሰጾር ኣባል ባይቶ ኣብ ከብዳ ስለዝሃረምዋ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክእሰሩ ተፈሪዶም።
እቶም ኣባላት ባይቶ፡ ነታ ኣሚ ንድያ ዝተበሃለት ኣባል ባይቶ ንሓደ ፍሉጥ ሃይማኖታዊ መራሒ ካብ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊ ስለዝነቐፈቶ’ዮም ሃሪሞማ።
ላዕለዋይ ዳኛ እታ ሃገር፡ ነቶም ዝሃረምዋ ንማማዶ ንያንግን ማሳታ ሳምባን ኣብ ልዕሊ ማእሰርቶም ነፍሲ ወከፎም ሓሙሽተ ሚልዮን ፈረንካ [8100 ዶላር] ካሕሳ ንኣሚ ንድያ ክኸፍልዋ’ውን ብይን ሂቡ።
እቲ ክስተት ብሰፊሕ ክዅነን እንከሎ፡ መሰል ደቂ ኣንሰትዮ ኣብ ሰኔጋል’ውን ኣብ ሕቶ ምልክት ከምዝኣቱ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዙሕ ሰብ ዝተቐባበለሉ ቪድዮ፡ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ዓመታዊ ባጀት ንምጽዳቕ፡ ብ 1 ጥሪ ኣብ ዝካትዕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ኣሚ ንድያ እናተዛረበት እንከላ ማሳታ ሳምባ ካብ ሰድያኡ ተንሲኡ ናብኣ ትኽ ኢሉ ብምኻድ እናጸፈዓ እንከሎ የርኢ።
ንሳ’ውን ከም ግብረ መልሲ ናብኡ ሰድያ ክትድርቢ እንከላ ትርአ፣ ኣብ ከምዚ ህሞት ማማዶ ንያንግ ዝትበሃለ ካልእ ኣባል ባይቶ ብእግሩ ኣብ ከብዳ ሃሪምዋ።
ካልኦት ኣባላት ባይቶ ኣብ መንጎ ስለዝኣተዉ ግን እቲ ዕግርግር ንግዚኡ ክሃድእ ክኢሉ።
ኣባል ልፍንታዊ ገዛኢ ሰልፊ ቤኒ ቦክ ኣካር ዝኾነት ኣሚ ንድያ፡ ኣብ ከብዳ ድሕሪ ምህራማ፡ እቲ ኣብ ከብዳ ዘሎ ዕሸል ተጐዲኡ ክኸውን ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ፍርሒ፡ ኣብ ማእከል ባይቶ ሃለዋታ ስሒታ ኣብ ዕውለት ኣትያ።
ጠበቓኣ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዋላ’ኳ ካብ ሆስፒታል እንተወጽአት “ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኵነታት’ያ ዘላ” ኢሉ።
ጠበቓ ማማዶ ንያንግን ማሳታ ሳምባን፡ ዋላ’ኳ ናይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ መርትዖ እንተሃለወ፡ ንሱ ግን ክልቲኦም ዓማዊሉ ኣብ ልዕሊ ኣሚ ንድያ ኣካላዊ ሃስያ ኣየውረዱን ኢሉ ምክትዑ ንብዙሓት ካብ ዘገረሙ ውዕሎ ቤት ፍርዲ’ዮም ነይሮም።
ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም ኣባላት ባይቶ፡ ዘለዎም ጽፍሒ ሓላፍነት ከይክሰሱ ዘኽእሎም’ዩ ዝብል ምጕት’ኳ ብወገን ጠበቓኦም እንተቐረበ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ግን ነዚ ኣይተቐበሎን።
ኣብ ሰኔጋል፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ልፍንታዊ ገዛኢ ሰልፉ ዝሓለፈ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ኣብ ኣባላት ሓገግቲ ኣካላት ዝነበሮ ወናብር ስለዝተዓብለለ፡ ኣብ እዋን ምጽዳቕ ባጀትን ምንዳፍ ሕግታትን ብተደጋጋሚ ወጥሪ ከጋጥም ይርአ’ዩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
