ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ህንዲ ብዛዕባ ዝተሰርሐ ሽሮፖ ሰዓል የጠንቅቕ

ምንጪ ስእሊ, WHO
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ህንዲ ዝተሰርሐ ዝተበከለ ብዝሒ ዘለዎ ሽሮፖ ሰዓል ኣብ ደሴታት ማርሻልን ማይክሮነዥያን ከም ዝተረኸበ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ኣብ ፑንጃብ ብዝርከብ ኪዩፒ ፋርማኬም ሊሚትድ ዝተሰርሐ ጓይፈነሲን ቲጂ ዝተበሃለ ሽሮፖ ዝተገብረ መርመራ ናሙና፡ "ቅቡል ዘይኰነ መጠን ዳይቲሊን ግላይኮልን ከምኡ’ውን ኤቲሊን ግላይኮልን" ከም ዘርኣየ’ዩ እቲ ውድብ ዝገልጽ።
ክልቲኦም ውህደታት ንደቂ ሰባት መርዛማት ኰይኖም፡ እንተተወሲዶም ድማ ቀተልቲ ክዀኑ ይኽእሉ።
መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝሓመመ ሰብ ብዛዕባ ምህላዉ ግን ኣየመልክትን።
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ህንዲ ዝተሰርሑ ካልኦት ሽሮፖታት ሰዓል ምስቶም ኣብ ጋምብያን ኡዝበኪስታንን ዝሞቱ ህጻናት ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ኣጠንቂቝ ነይሩ።
ኣካያዲ ስራሕ ኪዩፒ ፋርማኬም ሱድሂር ፓታክ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኩባንያ ኵሉ ግቡእ ቍጽጽራዊ ፍቓድ ድሕሪ ምርካቡ፡ ነቲ 18,346 ጥርሙዝ ዝሓዘ ብዝሒ ናብ ካምቦድያ ከም ዝለኣኸ ገሊጹ። እቲ ፍርያት ብኸመይ ናብ ደሴታት ማርሻልን ማይክሮነዥያን ከም ዝበጽሐ ግን ከምዘይፈልጥ ሓቢሩ።
"እዞም ጠራሙዝ ናብ ዞባ ፓስፊክ ኣይሰደድናዮምን፡ ኣብኡ ኣብ ጥቕሚ ንኽውዕሉ ድማ መረጋገጺ ኣይተዋህቦምን። ብምንታይ ኵነታት ናብ ደሴታት ማርሻልን ማይክሮነዥያን ከም ዝበጽሑ ኣይንፈልጥን" ብምባል ትካሉ ነቲ ዕስለ መድሃኒታት ናብ ካምቦድያ ንዝሰደደ ትካል ሕጋዊ ምልክታ ከም ዝለኣኸ ጠቒሱ።
እቲ ፍርያት፡ ብተቘጻጻሪ መድሃኒት ኣውስትራልያ ከም ዝተመርመረ መግለጺ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።
እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ "እቲ ዝተገልጸ ኣፍራዪ ይዅን እቲ ንዕዳጋ ዘቕረበ ንውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ድሕነትን ጽሬትን ናይዞም ፍርያት ውሕስነት ኣይሃቡን" ይብል።
እቲ ሽሮፖ፡ ኣብ ክፍለ ግዝኣት ሃርያና ብዝርከብ ትሪሊየም ፋርማ እዩ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ። ቢቢሲ ንወኪል ትሪሊየም ክረክብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
መንግስቲ ህንዲ፡ ብዛዕባ እዚ ዳሕረዋይ መጠንቀቕታ ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን።
ህንዲ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ሰደድ ሓፈሻዊ መድሃኒታት ኰይና፡ ንመብዛሕትኡ ሕክምናዊ ድሌታት ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እተማልእ እያ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ግን ብዙሓት ትካላት ህንዲ፡ ጽሬት መድሃኒታተን ሕቶ የልዕል ኣሎ፤ ክኢላታት ብዛዕባ እቲ ነዞም መድሃኒታት ንምስራሕ ዝውዕል ኣገባብ ምፍራይ ስክፍታኦም እናገለጹ ይርከቡ።
ኣብ ጥቅምቲ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብሜይደን ፋርማሲቲካልስ ዝተሰርሑ ኣርባዕተ ሽሮፖ ሰዓል ምስ ሞት 66 ህጻናት ብምትእስሳር ዓለምለኻዊ መጠንቀቕታ ኣስሚዑ ነይሩ።
መንግስቲ ህንዲን እቲ ኩባንያ ሜይደን ፋርማሲቲካልስን ግን ነቲ ክሲ ነጺጐሞ ነይሮም።
ኣብ መጋቢት፡ ህንዲ፡ ፍቓድ ናይ ሓደ ምስ ኣብ ኡዝበኪስታን ዝሞቱ 18 ህጻናት ዝተኣሳሰር ትካል ሽሮፖ ሰዓል ከም ዝሰረዘት ይዝከር።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ፈደራል ምሕደራ መድሃኒት ኣሜሪካ፡ እቲ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዘጋጠሙ ሰለስተ ሞትን ከቢድ መልከፍቲን ዝተኣሳሰር ህንዳዊ ኣፍራዪ መድሃኒት ዓይኒ፡ ሓያሎ ስርዓታት ድሕነት ከም ዝጠሓሰ ኣረጋጊጹ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
