ኤርትራ: ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቘ ምክልኻል እዩ’

ምንጪ ስእሊ, yemane G. Meskel/Twitter
ኤርትራ፡ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰባዊ መሰላት ኣብ ዓመታዊ ጸብጻቡ፡ ንመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምንቃፉ ከም ዘጉሃያ ገሊጻ።
ኤርትራ: ኣብ መጋባእያ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብምቕራብ መግለጺ ብዝሃበ ወኪላ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣቢላ፡ ኣብ 2012 ዝጸደቐ መዝነት ናይቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ብኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽታን ንኤርትራ ንምስርጣይ ዝዓለመ’ዩ ክትብል ደጊማ ተቓውሞኣ ገሊጻ።
“መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዓንዲ ሕቘ ዓቕሚ ሃገራዊ ምክልኻል ኤርትራ” ምዃኑ ዝገለጸ ወኪል ኤርትራ፡ ብዘይስግኣት፡ ብሰላም ንምንባርን ልኡላውነት ሃገር ንምክልኻል ውሕስነት ዝፈጥርን ምዃኑ ኣብሪሁ።
እቲ ንልዕሊ 20 ዓመት ዝቐጸለ ግዱድን “ገደብ-ኣልቦን ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ምንጪ ምግሃስ መሰላት” ምዃኑ ዝገለጸ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ “እቲ ኵነታት ርኡይ ምንቁልቋል” ከም ዘርኣየ ይሕብር።
እቲ ምምሕያሽ ዘይተገብረሉ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት “ንኣሽሓት ኣብቲ መንግስቲ ዘካይዶ ስርዓተ ግዱድ ስራሕ ክጽመዱ” ኣገዲድዎም ከምዘሎ እቲ ብሱዳናዊ ፍሉይ ተኸታታሊ ዶ/ር ዓብዱሰላም ባቢከር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝወጸ ጸብጻብ ጠቒሱ ነይሩ።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ካብቲ ብዘይደሞዝ ወይ ብኣዝዩ ውሑድ ክፍሊት ዝጸምዶም ኣገልግሎት ንምህዳም ናብ ስደት ክውሕዙ ምጽንሖም ይፍለጥ።
እቲ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንናጽነታት ፕረስ፡ ሃይማኖታዊ እምነት፡ ምቛም ማሕበራትን ሰልፍታትን ብምእጋድ፡ ዜጋታት ብዘይሕጊን ብዘይፍርድን ምእሳርን ምስዋርን ይቕጽሎ ከምዘሎ ሓቢሩ። ኣብታ ሃገር ንምኽባር መሰላት ዘውሕስ ትሕተ-ቅርጺ ግዝኣተ-ሕጊ ከምዘየለ’ውን ጠቒሱ።
ወዲ 76 ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ እታ ሃገር ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ሓራ ካብ እትወጽእ ጀሚሩ፡ ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫን ቅዋምን ይመርሓ ምህላዉ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, UN Web TV
ሰባዊ መሰላት ኣካል “ህንጸት ሃገር ኤርትራ” ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ወኪል፡ መንግስቲ ንዘለዎ “ብድሆታት ሰባዊ መሰላት” ንምምሕያሽ ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ነቲ ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ ብኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ “ዘይሕጋዊ” እገዳ ዘይምኹናኑ’ውን ቅቡል ኣይኮነን ክትብል ኤርትራ ነቒፋ።
ወኪል ኤርትራ፡ ነቲ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺሞሞ ዝበሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይኹን፡ ምትዕንቓፍ ሰብኣዊ ሓገዝ፡ “ምሉእ ብምሉእ ትነጽጎ” ክብል’ው ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ መጋባእያ ናይቲ ቤት ምኽሪ ገሊጹ።
ኤርትራ ንካልኣይ ግዜ ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ኮይና ተገልግል ምህላዋ ይፍለጥ።
ኵለን ኣባል ሃገራት መዝነት ናይቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ክናዋሕ ዝገብር ንድፊ እማመ ክነጽግኦ’ውን ኤርትራ ጸዊዓ’ላ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
