ቻምፕዮን ኤርትራ 2024፡ ጽባሕ ጐደናታት ኣስመራ ንመን’የን ከንግሳ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻምፕዮን ኤርትራ 2024 ትማሊ ሓሙስ ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር መጋረጅኡ ብምቅንጣጥ፡ ጽባሕ እቲ ብዙሕ ሰብ ዓመት ምሉእ ሃንቀው ዝበሎ ናይ ጽርግያ ውድድር ብምክያድ ክዛዘም’ዩ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኣውሮጳዊ ውድድራት ምስ ዓበይቲ ዎርልድ ቱር፡ ኮንቲነንታል ጋንታታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝወዳደሩ ትስፉዋት ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ ኰይኑ፡ ብኣግኡ መን ክዕወት ይኽእል ግምት ዘይትህበሉ ከቢድ ውድድር’ዩ።
እቲ ውድድር፡ ብኽልቲኡ ጾታ’ዩ ክካየድ።
ጁንየር ደቂ ኣንሰትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ትሕቲ 23 ዓመት ከምኡ ከኣ ኤሊት ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈላለየ ርሕቐት ተሰሪዕለን ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2024 ንምዃን ክረጋገረጋ’የን።
ኣብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ጁንየር፡ ትሕሪ 23 ዓመትን ናይ ኢሊትን ብናይ ግዜን ብናይ ጽርግያን ቻምፕዮን ኤርትራ ንምዃን ዓቢ ምትህልላኽ ከርእዩ ትጽቢት ኣሎ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይቲ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ክኸውን ዝኸኣለ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን ንሄኖክ ሙሉብርሃንን ንቢንያም ግርማይን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ወጺኡ።
ኣማንኤል ነቲ ዝተሰርዓሉ 36 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት 49.61 ኪሎሜተር እናዘወረ ብ43 ደቂቕ፡ 32 ካልኢትን ብምዝዛም’ዩ ቀዳማይ ክኸውን ክኢሉ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እታ ዓሚ’ውን ቀዳመይቲ ዝወጽአት ተጻዋቲት ክለብ ደንደን ኣድያም ዳዊት ቻምፕዮን ናይ ግዜ ውድድር ክትኸውን እንከላ ሚለና ያፌትን ሱዛን ፍስሃየን ካልኣይትን ሳልሰይትን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።
ኣብ ትሕቲ 23 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርች ኣክሊሉ ኣረጋይነ ኣኸታቲሉ ንሳልሳይ ዓመቱ ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ።
ብናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን ዝዀኑ ደቂ ተባዕትዮ
- 2024፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር
- 2023፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር
- 2022፡ ቢንያም ግርማይ
- 2021፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2020፡ ብምኽንያት ኮረና ውድድር ኣይተኻየደን
- 2019: ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር
- 2018: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2017: መኽሰብ ደበሳይ
- 2016: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2015: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2014: ናትናኤል ብርሃነ
- 2013: መትከል ክፍላይ
- 2012: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2011: ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
ጽባሕ ዝካየዱ ውድድራት
ጽባሕ ቀዳም 15 ሰነ 2024 ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ካብ ባሕቲ መስከረም ተበጊሱ፡ ናብ ማይ ጭሆት ብምቅናዕ ኣብ ናይስ ናብ ድሕሪት ተመሊሱ ብጎደና ናቕፋ ኣቢሉ፡ ናብ ጎደና ደንደን ተሓዊሱ ዓቐበት ፎርቶ ክድይብ'ዩ።
ቀጺሉ፡ ብቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ጎደና ሰማእታት ብምውራድ ኣብ ሲቲ ፓርክ ናብ ሲነማ ሮማ ተጠውዪ ካብ ሽዳ ናብ ጎደና ብድሆ ተሓዊሱ ኣብ ባር ቶሪኖ ናብ ጎደና ፈልከት ብምእላይ ናብ ጎደና ሓርነት ተሓዎሱ ናብ ሜዳ ባሕቲ መስከረም ዝምለስ [ሓደ ዙር 11.1 ኪሎሜተር] ክኸውን እዩ።
ብሓፈሻ ንተወዳደርቲ፡ ልዕሊ 170ኪሎ ሜተር ተሰሪዕሎም ኣሎ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ብዘይካ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለዋ ጋንታታት ተጠርኒፎም ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ኰይኖም ብደረጃ ዓለም ዓቢ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ’ዩ።
ኣብቲ ቀዳም ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ሽዱሽተ ኣባላት ኣብ ዎርልድ ቱር ዝወዳደራ ጋንታታት ኣለዋ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ብዘይካ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለዋ ጋንታታት ተጠርኒፎም ዝወዳደሩ ተቐዳደምቲ ምስ ዓበይቲ ጋንታታት ኰይኖም ብደረጃ ዓለም ዓቢ ሽም ዘለዎም ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ’ዩ።
ኣብቲ ቀዳም ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር፡ ሽዱሽተ ኣባላት ኣብ ዎርልድ ቱር ዝወዳደራ ጋንታታት ኣለዋ።
ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር 2023 ከምኡ ከኣ ሎሚ ዓመት ኣማኑኤል ግብረእግዝኣብሄርን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ካብ ኣመሪካዊት ጋንታ ትሬክ፡ ቢንያም ግርማይ፣ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መዋእል ግርማይን ካብ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን ከኣ ካብ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ይርከቡዎም።
ብተወሳኺ፡ እኣብ ኮንቲነንታል ጋንታታት ዝወዳደሩ’ውን ትሽዓተ ተቐዳደምቲ ኣብቲ ቀዳም ዝካየድ ናይ ጽርግያ ውድድር ዳንጋይዶ ዳንጋኻ ክብሃሃሉ’ዮም።
እዚኦም ድማ፡ ምስ ማሊዥያዊት ጋንታ ትራንጋኑ ፖሊጎን ዝወዳደሩ መርሃዊ ቅዱስን መትከል እዮብን፡ ዳዊት የማነን ዩኤል ሃብተኣብን ካብ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ፡ ናትናኤል ብርሃንን ጴጥሮስ መንግስን ካብ ቱርካዊት ጋንታ በይኮስ፡ ምስ ኲው36.5 ዝወዳደር ናሆም ዘርኣይ፡ ምስ ፊሊፒናዊት ጋንታ ሰቨን ኢለቨን ዝወዳደሩ ኣኽሊሉ ገብረህይወትን ኤቨን የማነን እዮም።
ምስ ናይ ዩሴኣይ ጋንታ ብምዃን ዝወዳደር ዘሎ ዓወት ኣማን ጽባሕ፡ ኣብ ጽርጊያታት ኣስመራ መን ነገሰ ከፍልጡ ክረጋረጉ።
ቢንያም ግርማይ ክሳብ መወዳእታ ትውዕል ጉጅለ እንተጸኒሑ፡ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ብዘለዎ ብቕዓት፡ ብዓቢኡ ካብ ደቂ ጋንትኡ ኣኽሊሉ ኣረፋይነን መዋእል ግርማይን ደገፍ ክረክብ ስለ ዝኽእል ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ከምዘለዎ ብብዙሓት ግምት ተዋሂብዎ ኣሎ።
እንተዀነ ኣብ ታሪክ ቻምፕዮን ኤርትራ ብቅጽበታዊ ውድድር ክዛዘም ሳሕቲ’ዩ ዝርአ።
ዓምን ቅድሚ ዓምን፡ ኣብ 2022 መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ሃዲሞም ብምውዓል’ዮም ብዘይ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይን ካልኣይን ኰይኖም ኣትዮም።
ዓሚ’ውን ዓበይቲ ተቐዳደምቲ ንሓድሕዶም እናተሓላለዉ ጸወታ ክዛዘም 4 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ዓወት ኣማንን ጴጥሮስ መንግስን ብምህዳም ብዘይ ተጻቓጺ ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ኣትዮም።
ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር’ውን እቲ ካልእ ነዚ ውድድር ክዕወተሉ ይኽእል’ዩ ተባሂሉ ዝግመት ተቐዳዳማይ’ዩ።
ኣማኑኤል ሎሚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዘርኣዮ ብቕዓትን ትማሊ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ዘመዝገቦ ዓወትን ርኢኻ፡ ነቲ ኣብ 2014 ዝተጎናጸፎ ቻምፕዮንነት ኤርትራ ቀዳም ድሕሪ 10 ዓመታት ክደግሞ ግዚኡ’ዩ ዘብል’ዩ።
2018 ከምኡ ከኣ 2022 ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ መርሃዊ ቅዱስ’ውን ሎሚ ዓመት ንሳልሳይ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ምስቲ ኣብ ኣብ 2011፡ 2012 ከምኡ ከኣ 2016 ሰለስተ ግዜ ቻምፕዮን ኤርትራ ብምዃን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ክመዓራረ ዘኽእሎ ብቕዓት ሒዙ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ዙር ጃፓንን ዙር ቱርክን ብዘርኣዮ ብቕዓት ኣመስኪሩ’ዩ።
እቲ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ዝዀነን ኣብ ገልጎል፡ ዓቐበትን ቅጽበታዊ ውድድርን ድንቂ ብቕዓት ዘለዎ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣስታና ሄኖክ ሙሉብርሃን’ውን ጸወታ ኣብ ምንባብ ብዘለዎ ዓቕሚ ዘለዎ ህሉው ብቕዓተን ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ውድድር’ዚ ንምዕዋት ዘይንሕፍ ተጻዋታይ’ዩ።
ሄኖክ ጽባሕ ምስ ዝዕወት፡ ክልተ ግዜ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ኮይኑ ክንሱ ቻምፕዮን ኤርትራ ግን ኰይኑ ስለ ዘይፈለጥ ቦኽሪ ዓወቱ’ያ ክትኰነሉ።
ምስ ቱርካዊት ጋንታ በይኮዝ ዝወዳደር ዘሎ ናትናኤል ብርሃነ’ውን ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓወት ውድድር ካብቶም ዓቢ ኣቓልቦ ዝውሃቦም ተቐዳደምቲ’ዩ፡ ናትናኤል ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ 2019 ቻምፕዮን ኤርትራ ኰይኑ ምንባሩ ይዝከር።
ሎሚ ዓመት’ውን ክዕወት ከም ዝኽእል ብዙሓት ግምት ሂበሞ ኣለዉ።
ኣብ 2021 ቻምፕዮን ኤርትራ ክኸውን ዝኸኣለ ተቀዳዳማይ ጀርመናዊት ጋንታ ባይክ አይድ ዳዊት የማነ’ውን ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ካብ ዝኽእል ተቐዳደምቲ ዝስራዕ ተቐዳዳማይ’ዩ።
ኣብዚ ውድድር፡ ካብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዝዕወቱ ኣብ ወጻኢ ናይ ትምህርቲ ዕድል ከም ዝውሃቦም ብፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ መብጽዓ ስለ ስተኣተወሎም፡ እቶም ናይ ዞባ ማእከል ተቐዳደምቲ ነቶም ፕሮፈሽናላት ተቐዳደምቲ ቅሳነት ከም ዘይህብዎም'ውን ይግመት።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት’ውን ከም ኣኽሊሉ ኣረፋይን፡ ጵጥሮስ መንግስ፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ሄብሮን ብርሃነን ክልኦትን ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድርን ናይ ጽርግያ ውድድርን ዓቢ ምትህልላኽ ከርእዩ ተስፋ ይግበር።
ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀነ ተቐዳዳማይ ዓመት ምሉእ ኣብ ዘካይዶ ውድድራት ብባንዴራ ሃገሩ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ’ዩ ውድድራቱ ከካይድ።
ቅድሚ ሕጂ ቻምፕዮን ኤርትራ ዝዀኑ
- 2023፡ ዓወት ኣማን
- 2022፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2021፡ ዳዊት የማነ
- 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ ኣይተኻየደን
- 2019፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2018፡ መርሃዊ ቅዱስ
- 2017፡ ሜሮን ኣብርሃም
- 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2015፡ ናትናኤል ብርሃነ
- 2014፡ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄር
- 2013፡ ሜሮን ተሾመ
- 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
- 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
