ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቍጽጽር ከምዝኣተወ ተገሊጹ

ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ቍጽጽር ከምዝኣተወ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

Published

ዞባታት ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ደቡብን ማእከልን ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ኣፍሊጡ።

እቲ ብረቡዕ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሻባይት ዝተዘረግሐ ሓበሬታ፡ እቲ ዕስለ ኣንበጣ ካብ ሓምለ ጀሚሩ ኣብተን ዞባታት ተዘርጊሑ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብ ምብራቓዊ ቈላታት፡ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ዝናብ ኣብ ዘይእዋኑ ድሕሪ ምህራሙ፡ ኣብ ከባቢታት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክጫጨሕ ዕድል ዝረኸበ እቲ ዕስለ ኣንበጣን ናብ ዞባታት ደቡብን ማእከላይን ተዘርጊሑ።

እቲ ባልዕ ኣብተን ሰለስተ ዞባታት ብድምር 2,300 ሄክታር መሬት ከምዘጥቅዐ ተፈሊጡ።

ነቲ ዕስለ ኣንበጣ ንምቍጽጻር፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ 1,800 ሰባት፡ ክኢላታትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዋፊሩ ኣብ ዝራእቲ ዝዀነ ርኡይ ጉድኣት ከየውረደ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ክመጽእ ዝኽእል ዕስለ ኣንበጣ ንምግጣም ኵሎም ኣካላት ንቝሓት ክዀኑ ጸዊዑ።

ገምጋም ክኢላታት ሕርሻ ከም ዘነጽሮ፡ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንምርባሕ ኣንበጣ ምድረበዳ ኣዝዩ ምቹእ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዘሎ ዘይንቡር ኵነታት ዝናብ፡ ካብ ንኡስ ዞባ ቅሮራ ክሳብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ዝዝርጋሕ ሰፊሕ ኰለላታት ኣንበጣ ገይሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ጋዴን-ዓላ ዝተረኸበ ኣንበጣ ምድረበዳ ብክኢላታት ሕርሻ፡ ምምሕዳራትን ህዝብን ብዝተዋደደ ጻዕሪ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዩ ክብል ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ገሊጹ ምንባሩ ይፍለጥ።

ዕስለ ኣንበጣ

ምንጪ ስእሊ, Shabait

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ገለ ወረደታት ዞባ ምብራቕን ደቡብን ክልል ትግራይ ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየ ቢሮ ሕርሻን ተፈጥሮን ትግራይ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ካብ የመንን ሶማልያን ከምዝተበገሰ ዝግመት ኣንበጣ በረኻ፡ ብቐንዱ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተጫጭሐ ከምዝዀነ ይዝረብ።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምድረበዳ፡ ድሮ ብኲናትን ሕሱም ምሕደራን ዝሳቐ ዝሎ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ከምዝኽእል ክኢላታት ይሕብሩ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ጥራይ ተደጋጋሚ ወራር ኣንበጣ ምድረበዳ ከጋጥመን ጸኒሑ'ሎ።

ኣንበጣ ምድረበዳ ብዕስለ ዝንቀሳቐሱ ሓደገኛታት ኣንበጣ (locusts) ኣካል ናይቶም ብ 'ግራሶፕርስ' (grasshoppers) ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣንበጣ'ዮም።

ካብ ካልኦት ፍሉይ ዝገብሮም ግን፡ ባህሪኦምን ኣመሎምን ክቕይሩን፡ ነዊሕ ክጓዓዙን ስለዝኽእሉን'ዩ።

ኣንበጣ ምድረበዳ ድማ፡ ሓደ ካብቶም 'ኣቸሪዶይዲያ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ሓጺር ዝቐርኖም ዓሌት'ዮም።

ብተመሳሳሊ ባህሪኦም ዝልውጡ ኰይኖም፡ ዕስለ ተባዕትዮ ብምቛም ብጽዑቕ እኩብ ይጓዓዙን፡ ልዑል ምንቅስቓስ የርእዩን።

ጻዕቂ ናይቲ ዕስለ ጠንቂ ምቕያር ባህሪ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ። ገለ ባሕታውያን ሓመዳዊ ('ብራውን') ሕብሪ ክሕዙ እንከለዉ፡ እቶም ብማሕበር ዝንቀሳቐሱ ድማ ብጫ ሕብሪ ይህልዎም።