እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንሰበይቱ ን 12 ዓመት ኣብ ገዛ ኣሲሩ ዝተባህለ ሰብኣይ ተኣሲሩ
ንበዓልቲ ቤቱ ኣብ ውሽጢ ገዛ ን 12 ዓመታት ዝኣሰረ ጀርመናዊ ኣብ ፈረንሳይ ተኣሲሩ።
እቲ ውልቀሰብ፡ ጀርመናዊት በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ኣብ ፈረንሳይ ከተማ ፎኽባኪ ዝርከብ መንበሪ ገዛኦም ካብ መደቀሲ ክፍሊ ከይትወጽእ ብሓጹር-ሓጺን ከም ዝሓጸራ ተገሊጹ።
ፖሊስ ናብ መንበሪ ገዛ እቶም መጻምዲ ኣብ ዝኸድሉ፡ እታ ኣብ መደቀሲ ክፍሊ ዝረኸብዋ ግዳይ፡ ጸጕራ ተላጽያን ብክፋል ዕርቃና ወጺኣን ከም ዝረኸብዋ ኤኤፍፒ ኣቃሊሑ።
እቲ ብጭውያን ካልኦት ገበናትን ዝተጠርጠረ ወዲ 55 ዓመት ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ጓል 53 ዓመት በዓልቲቤት እቲ ጥርጡር፡ ስልኪ ምስ ረኸበት ኣብ ጀርመን ናብ ዘለዉ ፖሊስ ከም ዝደወለትን እቲ ሓበሬታ ናብ ፖሊስ ፈረንሳይ ከም ዝተመሓላለፈን ተገሊጹ።
ኣኽባሪ ሕጊ እቲ ከባቢ ኦሊቨር ግላዲ፡ እታ ግዳይ ኣብ ጽቡቕ ኵኩነታት ጥዕና ከምዘይረኸብዋ ገሊጹ።
ኣብቲ መንበሪ ገዛ ኣስታት ትሽዓተ ደማሙ ከም ዝነበራ’ውን ሓቢሩ።
በዓልቲ ቤቱ ንኸይትወጽእ ሓጺሩ ከም ዝኣሰራ ንዝገልጽ ጸብጻብ ዝነጸገ እቲ ውልቀሰብ፡ እቲ ካብ ሓጺን ዝተሰርሐ መሕጸሪ እተን ደማሙ ከይሃድማ እየ ዝጥቀመሉ ኢሉ።
ኣኽባሪ ሕጊ ግላዲ፡ ፖሊስ ኣብታ ግዳይ ምልክት ደም ኰነ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ከም ዘይረኸበ እዩ ገሊጹ። እዚ ድማ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝወጽኡ ጸብጻባት ዝጻረር እዩ።
እቲ ጥርጡር ስራሕ ከም ዘይብሉን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጀርመን ኣብ ሓደ ኢንዳስትሪ ይሰርሕ ከም ዝነበረን’ውን ተዛሪቡ።
ኣብ ምብራቓዊ ፈረንሳይ ከተማ ሜትዝ ተኣሲሩ ከም ዝርከብ ከኣ ተፈሊጡ'ሎ።
ጀርመናዊ ጋዜጣ ቢልድ ዘዘራረቦም ጐረባብቲ፡ በዓልቲ እንድኡ ክተእውይ ሰሚዖም ነቲ ውልቀሰብ’ኳ እንተሓተትዎ፡ ሕምምቲ መንሽሮ ከም ዝኾነትን “እቲ ሕማም ብዘስዓበላ ቃንዛ ተእውይ ከምዘላን” ከምዝነገሮም ሓቢሮም።
ኣሊሽያ ዝተብሃለት ጐረቤት፡ ብተደጋጋሚ ኣውያት እታ ግዳይ’ኳ እንተሰምዐት፡ በቲ ዝተበሃለ ሕማም ዝሰዓበ ከም ዝመሰላን ኣብ ደገ’ውን ርእያታ ከም ዘይትፈልጥ ንኤኤፍፒ ተዛሪባ።
ነዚ ጥርጡር፡ “ኣዝዩ ጭዋን ደስ ዝብልን” ክትብል ገሊጻቶ።
ካልእቲ ኤሪካ ዝተበሃለት ምስክር ድማ፡ ነታ ሰበይቲ ቅድሚ 10 ዓመት ንመወዳእታ ግዜ ከም ዝረኣየታን፡ “ምናልባት ሞይታ ወይ ከኣ ገዛ ቀይራ” ኢላ ከም ዝሓሰበትን ገሊጻ።
ፖሊስ ኣብቲ መንበሪ ገዛ፡ እቲ ውልቀሰብ ንበዓልቲ ቤቱ ምግቢ ዝሃበሉ ዕለት ሓዊሱ ብዛዕባ ዝፈጸሞ ተግባር ዝኸተመሉ መዘክር (ዲያሪ) ከም ዝረኸበ፡ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።