ካናዳ፡ ብንብረት መንግስቲ ቲክቶክ ምጥቃም ዘይሕጋዊ ገይራ

ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ካናዳ፡ ካብ ሰሉስ 28 ለካቲት 2023 ጀሚሩ፡ ብመንግስቲ ኣብ ዝውነን 'ኤሌክትሮኒካዊ' መሳርሒ ቲክቶክ ምጥቃም ዝተኣገደ ምዃኑ ገሊጻ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ እቲ መተግበሪ ንውሕስነት ዳታ ሓደጋ ምዃኑ ዘመልክቱ ኣፋፍኖት ስለዘለዉ'ዩ እዚ ስጕምቲ ተወሲዱ'ሎ ኢሉ።

ሓላፊ ሓበሬታ ካናዳ፡ እዚ ውሳነ፡ እቲ መትግበሪ - ቲክቶክ - "ንውሕስነት ውልቃዊ ሓበሬታ ሓደጋ ድዩ?" ዝብል መጽናዕቲ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዝተዋህበ ምዃኑ ኣነጺሩ።

ወሃቢ ቃል ቲክቶክ፡ እቲ ትካል ብውሳነ መንግስቲ ካናዳ ሕማቕ ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

መንግስቲ ካናዳ ነዚ ዝገለጸ፡ ኮሚሽን ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ውሳነ ድሕሪ ምሕላፉ ሒደት መዓልታት ጸኒሑ እዩ።

“እዚ ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ። ናይ መወዳእታ’ውን ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብል ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ።

ቲክቶክ ውልቃዊ መረዳእታ መዝሚዙ ብዝብል ዝውቀስ ኰይኑ፡ ምስ መንግስቲ ቻይና ዘለዎ ርክብን እዩ ኣብ ዓይኒ ኣኣትዩዎ ዘሎ።

እቲ ሓጸርቲ ተንቀሳቐስቲ ምስልታት ዘካፍል መተግበሪ፡ ብባይትዳንስ ዝተባህለ ኩባንያ ዝውነን እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፈደራል ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቲክቶክ ከይጥቀሙ ተኣጊዶም ነይሮም።

ትማሊ ሰኑይ ድማ፡ ዋይት ሃውስ ትካላት መንግስቲ ኣብ ዝቕጽሉ 30 መዓልታት ቲክቶክ ካብ ኤሌክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ከጥፍእዎ ኣዚዙ ኣሎ።

ሓያሎ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ነዚ መተግበሪ ካብ መርበባተን ዝሰረዛ ዀይነን፡ ኣብ ህንድን ካልኦት ሃገራት ኤስያን ዝርከባ ኣብያተ ጽሕፈታት መንግስቲ ድማ ነዚ ይስዕባ ኣለዋ።

እቲ ትካል፡ ብተደጋጋሚ መንግስቲ ቻይና ነቲ ሓበሬታ ከምዘይረክብን ኣብ ቻይና ዝርከብ ቲክቶክ ካብ ካልእ ዓለም ፍጹም ዝተፈልየ ምዃኑን ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ እቲ ኩባንያ፡ ገለ ቻይናውያን ሰራሕተኛታት ቲክቶክ ነቲ ናይ ኣውሮጳ ዳታ ክረኽብዎ ከምዝኽእሉ ተኣሚኑ ነይሩ።

ሰራሕተኛታት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮጳ፡ ካብ 15 መጋቢት ጀሚሮም ኣብ መተግበሪ ቲክቶክ ክጥቀሙ ኣይክእሉን እዮም።

ተቘጻጸርቲ ድሕነት ዳታ ካናዳ፡ እቲ መተግበሪ ብዘይ ፍቓድ ተጠቀምቲ ደቂቕ ሓበሬታ ይእክብ ድዩ ኣይእክብን ዝብል መርመራ ጀሚሮም ኣለዉ።

ብመሰረት ቶሮንቶ ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣስታት ርብዒ ህዝቢ ካናዳ ቲክቶክ ይጥቀም።

ፕረዚደንት ቦርድ ዋሕስን ሓበሬታ ካናዳ፡ ሞና ፎርቲየር፡ "መንግስታዊ መረዳእታ ንምሕላው ወሲኑ'ሎ" ኢላ።

ኣብዚ ሰሙን ቲክቶክ ካብተን ብመንግስቲ ዝተዓደጋን ንሰራሕተኛታት ዝተዋህበን ሞባይላት ከጥፍእ እዩ።

እቲ መተግበሪ ሓበሬታ ክረክብ ከምዝኽእል ዝገልጹ ጸብጻባት'ኳ እንተሃለዉ፡ መንግስቲ ቻይና ሓበሬታ ክረክብ ክኢሉ ድዩ ኣይከኣለን ዛጊድ ከምዘይተፈልጠ እቲ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

"ቲክቶክ ኣብ ሞባይል ምጥቃም ኣብታ ስልኪ ዘሎ ዳታ ከቃልዕ ይኽእል'ዩ" ትብል ፕረዚደንት ቦርድን ዋና ሓላፊ ሓበሬታን ሞና።

ቲክቶክ ድሕሪ'ዚ ውሳነ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ኩባንያ ከይተወከሰ ወይ እኹል መርትዖ ከይሓዘ ከምዚ ምውሳኑ ዘሕዝን ምዃኑ ገሊጹ።