ሆስፒታላት ቓዛ ኣዕለቕሊቐን ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
- Author, ብ ራሺድ ዓብዱ ኣሉፍ
- Role, ቢቢሲ ኒውስ
- Reporting from, ከተማ ጋዛ
- Published
ሆስፒታላት ቓዛ በቲ እስራኤል ሕነ ንምፍዳይ ትወስዶ ዘላ መጥቃዕቲ ብዝተቐተሉን ዝቘሰሉን ኣዕለቕሊቐን።
ቀዳም ኣብ ሰዓታት ንግሆ፡ ሓማስ ናብ እስራኤል ኣሽሓት ሮኬታት ድሕሪ ምትኳሱን ከቢድ ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙን ህዝቢ ቓዛ ጽምብል ከካይድ ተራእዩ ነይሩ።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ግን እቲ ኵነታት ኣዝዩ ዝተፈለየ ኰይኑ’ሎ።
ድሕሪ ናይ ሓደ ለይቲ ደውታ ዘይብሉ ደብዳብ እስራኤል፡ ሰባት ካብ ገዛኦም ኣይወጽኡን ዘለዉ። ፍንጀራታት እውን ብዘይምቍራጽ ቀጺሉ።
እቲ ድምጺ ዘስካሕክሕ እዩ። ደበና ጸሊም ትኪ ኣብ መላእ ምድረበዳ ቓዛ ንዝርከቡ ህንጻታት ሸፊኑዎም ይረአ።
ሓማስ ካብ ቀዳም ምሸት ጀሚሩ 150 ዒላማታት ከምዝተሃርሙ ይገልጽ። እዚኦም ድማ ወተሃደራዊ ቦታታት፡ ኣባይቲ መራሕቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ከምኡ'ውን ብሓማስ ዝመሓደራ ባንክታት ይርከብዎም።
ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ወሰንቲ ዝበሃሉ መጥቃዕቲ እስራኤል ድማ፡ ትማሊ ሰንበት ንግሆ ነቲ ኣብ ቓዛ ከም ማእከል ኣቕረብቲ ኣገልግሎት ኢንተርነት ኰይኑ ዘገልግል ‘ታወር ዋታን’ ዒላማ ዝገበረ እዩ።
ሰበስልጣን ጥዕና ፍልስጤም፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ ብዘካየደቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ልዕሊ 400 ሰባት ከምዝተቐትሉ ይሕብሩ።
እስራኤል ንቓዛ ምቕራብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ስለዘቋረጸት ድማ መብዛሕትኡ ከባቢታት ጸልማት ወሪስዎ’ሎ።
ቀረብ መግብን ማይን እውን ተቛሪጹ’ዩ።
ሎሚ ንግሆ ብመኪና ብማእከል ከተማ ቓዛ እናተጓዓዝኩ ከለኹ፡ ጽርግያታት ብፍርስራስ ተዓጽዮም ርእየ። ብዘይካ ውሑዳት ነዊሕ ሪጋ ዝረኣየለን ድኳናት፤ እተን ዝበዝሓ ተዓጽየን ነይረን።
ምጕህሃር ናይቲ ወጥሪ ነቲ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ቓዛ ዝያዳ ኣጋዲድዎ ኣሎ።
ካብ ቀደሙ ብሰንኪ ትሑት ዓቕምን ናውትን ንልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ ዝጽገማ ዝነበራ ሆስፒታላታ ቓዛ፡ ኣብዚ እዋን ናብ ለገስቲ ደም ምሕፅንታ የቕርባ ኣለዋ።
ዳይረክተር ግብረ ሰናይ ትካል ቓዛ ሕክምናዊ ሓገዝ ንፍልስጤማውያን ብዝብል ዝፍለጥ ትካል ማሕሙድ ሻላቢ፡ ንኵነታት ዓቢይ ሆስፒታል እታ ከተማ "ቤት ማሕረድቲ" ክብል ገሊጽዎ።
ብሰንበት፡ ነበርቲ ሓደ ክፋል ከተማ ቓዛ፡ ቅድሚ መጥቃዕቲ ናብ መዕቆቢ ክኸዱ ዝመኽሩ ናይ ፅሑፍ መልእኽትታት ካብ ሰራዊት እስራኤል በጺሕዎም። ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ከኣ ናብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ቦታታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝኸዱ ወኪል እቲ ዓለምለኻዊ ትካል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ንቓዛ ተቘጻጺሩ ዝጸንሐ ሓማስ፡ ንእስራኤል ምጥቃዕ ዘስዕቦ ሳዕቤን ይፈልጥ'ዩ፤ ስለዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ትጽቢት ይገብር ነይሩ ከምዝኸውን ይእመን።
እቲ ብኢራን ዝድገፍ ጕጅለ፡ ምስ እስራኤል ኲናት ንምክያድ ድልዉ ምዃኑ ብንጹር ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ። ሓማስ እገዳ እስራኤል-ግብጺ እናሃለወ ብኮንትሮባንድ ኣጽዋር ከሰጋግርን ናይ ገዛእ ርእሱ ከበድቲ ኣጽዋር ከማዕብልን ከምዝጸንሐ ይገልጽ።
እቲ ጕጅለ "ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ" ዝበሎ ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። ንሓደ ለይቲ ድሕሪ ምቍራጽ ድማ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ናብ እትርከብ ከተማ ስደሮት 100 ሮኬታት ከምዝተኮሰት ሓቢሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
