ሚስጢር ልዕሊ 100 ዓመት ምንባር እንታይ’ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጆሴፋ ማሪያ፡ ኣብ መጀመርታ'ዚ ዓመት'ዚ መዓልታዊ ሽጋራ ምሕታት ደው ከተብል ዝተዓዘቡ ቤተሰባ፡ ዝዀነ ዝተቐየረ ነገር ከም ዘሎ ክሓስቡ ጀሚሮም።
እዛ ብራዚላዊት ሰራሕተኛ ሕርሻ፡ መበል 120 ዓመታ ምስ ኣኽበረት እያ ሽጋራ ምትካኽ ኣቋሪጻ።
“ኣደይ፡ ምሉእ ህይወታ’ያ ሽጋራ ተትክኽ ነይራ። ዕድመ እናወሰኸት ምስ ከደት ክትገድፎ እንተጸዓርና’ውን ኣብያ እያ ጸኒሓ” ትብል ጓላ ሲሴራ።
ሲሴራ ሓንቲ ካብቶም ብህይወት ዘለው ደቃ’ያ። ጆሴፋ መጀመርታ 22 ቈልዑ ነይሮምዋ።
ንሳ፡ ብ1902 ከም ዝተወልደት ምስክር ወረቐት ልደታ የርኢ። ተሌቪዥን እታ ሃገር “ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየት ጓል ኣንስተይቲ” ኢሉ ምስ ህዝቢ ኣፋሊጥዋ።
እንተዀነ፡ ንዓኣ ኣብ መዝገብ ክብረ ወሰን ዓለም ንምስፋር ዝተገብረ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
ኣብዚ እዋን፡ ጓል 118 ዓመት ፈረንሳዊት ሉሲል ራንዶን ነቲ ክብረ ወሰን ሒዛቶ ትርከብ። ንሳ ብሲስተር ኣንድሬ እትፍለጥ ፈላሲት እያ።
ካብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ወዲ 113 ዓመት ቬነዝዌላዊ ጁዋን ቪንሰንት ሞራ ነቲ ክብረ ወሰን ዓለም ሒዙ ይርከብ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ብዝሒ ነዊሕ ዕድመ ዝጸንሑ ሰባት ይውስኽ ኣሎ። ስለምንታይ?

ኣብ 2021፡ ዕድመኦም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ልዕሊ 621 ሽሕ ሰባት ከም ዝነበሩ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
እዚ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ከም ዝኸውን ይግመት።
ብ1900፡ 92 ሽሕ ሰባት ጥራይ ዕድመኦም ልዕሊ 100 ይበጽሑ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ግን፡ ሰባት ብህይወት ናይ ምንባር ዕድመኦም ምምሕያሽ እናርኣየ ብምምጽኡ ቝጽሪ ሰብ ጸጋ ዕድመ ክውስኽ ተራእዩ።
እዚ ኣብ መድሃኒታት፡ መግቢ፡ ኵነታት መነባብሮን ካልእን ብዝመጽአ ምዕባለ ዝተመዝገበ ከም ዝዀነ ይእመን።
ብ1960 ዝተወልደ ሰብ፡ ብማእከላይ ዝነብረሉ ዕድመ ከባቢ 52 እዩ ነይሩ።
ሕጂ’ውን 100 ዓመት ምብጻሕ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ 2021፡ ኣብዚ ዕድመ ክበጽሑ ዝኽኣሉ ሰባት 0.008 ሚእታዊት ጥራይ’ዮም ነይሮም።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ብህይወት ዝጸንሐሉ ዕድመ 73 ስለ ዝዀነ፡ መብዛሕትና፡ 75 ዓመትና ዘይክነኽብር ንኽእል ኢና።
እዚ ኵነታት ግን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ።
ንኣብነት ኣብ ጃፓን፡ ማእከላይ ዕድመ 85 ዓመት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ማእከላይ ሪፐብሊክ ኣፍሪቃ ድማ 54 ዓመት ጥራይ እዩ።
ብተወሳኺ፡ መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብሕዱር ሕማም ክጥቅዕሉ ተኽእሎኡ ሰፊሕ እዩ።
ካብዚ ብምብጋስ፡ “ነዊሕ ምንባር ማለት ጽቡቕ ምንባር ማለት ኣይኰነን” ትብል ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ጃኔት ሎርድ።
ደቂ ተባዕትዮ ናይ መወዳእታ 16 ዓመታት ህይወቶም ሕማማት ሕማም ሽኮርን ምርሳዕን እናተቓለሱ ከም ዘሕልፍዎ ተረድእ።
እዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ክኸውን እንከሎ 19 ዓመት ይኸውን።
ሚስጢር ልዕሊ 100 ዓመት ብህይወት ምጽናሕ እንታይ’ዩ?
100 ዓመት ብህይወት ምጽናሕ ቀሊል ኣይኰነን።
ዩኒቨርሲቲ ቦስተን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሕምሲት ኣመሪካውያን ጥራይ ኣብዚ ደረጃ ዕድመ ከም ዝበጽሑ ይሕብር።
እዚኦም ብውሑድ 110 ዓመት ይነብሩ። ብ2010 ብዝሒ ናይዞም ሰባት ካብ 60 ክሳብ 70 እኳ እንተነበረ፡ ብ2017 ናብ 150 ዓብዩ።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዕድመኦም 100 ዝሓልፎም ሰባት፡ ተመራመርቲ ይስሕቡ’ዮም።
“እዞም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ግዜ እርጋን ብዝፍጠሩ ነገራት ዝተፈለየ ባህሪ ኣለዎም። ስለምንታይ ከምኡ ኰይኑ ዝብል ከኣ ክሳብ ሕጂ ርግጸኛታት ኣይኰንናን” ትብል ፕሮፌሰር ሎርድ።
እቶም ነዊሕ ግዜ ብዕድመ ዝጸንሑ ሓዊሱ ዕድመም ልዕሊ 100 ዝዀኑ ሰባት፡ ንዕድመኦም ርኢኻ ዝወሃብ ግምት ጥዕናኦም ብኣንጻራዊ ጽቡቕ ዝበሃል እዩ።
ንኣብነት ጆሴፋ ማሪያ፡ ብቐማዊ መድሃኒት ምውሳድ ኣየድልያን፤ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ቀይሕ ስጋን ሽኮር ዘለዎም መግብታትን ከም እትምገብ ስድራቤታ ገሊጾም።
ዘይከሓድ፡ ተዘክሮታታ ሃሲሶም’ዮም፤ ናይ ምርኣይ ተኽእሎኣ’ውን ነክዩ።
“ክንድ’ቲ እትደልዮ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን፤ ንሕና ኢና ተሰኪምና እነንቀሳቕሳን ከም ቈልዓ እነጽርያን። ግን ከኣ፡ ካብ ግዜ ቁልዕነታ ኣትሒዛ ሽጋራ ተትክኽ ዝነበረትን ንዓሰርታት ዓመታት ናይ ጉልበት ስራሕ ዝሰርሐትን ኣደይ፡ ክንድዚ ዝኣክል ዕድመ ምንባራ ይገርመኒ’ዩ” ትብል ጓል 76 ዓመት ሲሴራ።
ተመራመርቲ ሕጂ’ውን ካብ ዝገርምዎም ነገራት እቲ ሓደ፡ ገለ ሰባት 100 ዓመትን ልዕሊኡን ምብጽሖም፡ ካብ ልምድታት ጽቡቕ ጥዕና ዝብገስ ዘይምዃኑ እዩ።
ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝተባህለ፡ ጆሴፋ ማርያ ዕድመኣ ምሉእ ሽጋራ እናትከኸት ብድኽነት ዝዓበየት ሰብ እያ።
ልዕሊ 95 ዝዕድመኦም 400 ዝዀኑ ኣይሁዳውያን ኣመልኪቱ ዝተኻየደን ብ2011 ኣብ ጆርናል ኦፍ ኣመሪካን ጄሪያትሪክ ሶሳይቲ ዝተሓትመን መጽናዕቲ፡ ብዙሓት ሕማቕ ልምድታት ረኺቡ።
ዳርጋ 60 ሚእታዊት ተሳተፍቲ እዚ መጽናዕቲ ብብዝሒ ሽጋራ ዘትክኹ ነይሮም፣ ፍርቈም ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ሰብነት ነይርዎም። ካብዚኦም እቶም ሰለስተ ሚእታዊት ጥራይ’ዮም ኣሕምልቲ ተመገብቲ ነይሮም።
ፕሮፌሰር ዩኒቨርሲቲ ብራይተን ሪቻርድ ፋራሀር ግን፡ “ናይ መጀምርታ ምኽረይ፡ ነዊሕ ዕድመ ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት ካብ ኣነባብራ [lifestyle] እቶም ልዕሊ 100 ዓመት ዝገበሩ ሰባት ዝወሃቡ ምኽርታት ክወስዱ የብሎምን” ይብል።
ወሲኹ፡ “እዞም ሰባት ካብ መጀመርታኡ ሓደ ዝተፈለየ ነገር ኣለዎም። ምኽንያቱ ኣንጻር እቲ ሓደ ሰብ ነዊሕ ግዜ ብህይወት ንምንባር ክሕግዞ’ዩ ተባሂሎም ዝወሃቡ ማዕዳታት ዝነብሩ ስለ ዝዀኑ” ኢሉ።
ተመራመርቲ፡ ጀነቲክስ ነዊሕ ዕድመ ኣብ ምጽናሕ ተራ ኣለዎ ዝብል ግምት ኣለዎም። ከም ሎርድን ፋራሀርን ዝበሉ ክኢላታት ነዚ የጽንዑ’ዮም ዘለው።
እቲ ብዕድመ ዝዓበየ ሰብ
ክሳብ እዛ ዕለት፡ ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየ ተባሂሉ ዝተረጋገጸ ፍራንሲስ ጂን ክላመት እዩ።
ክላመት፡ ኣብ መበል 122 ዓመቱ ብ1997 ሞይቱ። ንሱ ልዕሊ 120 ዓመት ብህይወት ዝነበረ ተባሂሉ ብወግዒ ዝፍለጥ ሰብ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ግን፡ ኣብዚ ዘመን ልዕሊኡ ብህይወት ምንባር ይክኣል እዩ ዝብል መጐት ኣለዎም።
ብዙሓት ሰባት፡ ናይ መበል 125 ዓመቶም ወይ’ውን 130 ዓመት ልደቶም ሽምዓ ከብርሁ፣ ኬክ’ውን ክቘርሱ ይኽእሉ እዮም ይብሉና።
“ኣብ 2100፡ ዝዀነ ሰብ ነዚ ሕጂ ዘሎ ክብረ ወሰን ዕድመ ክሓልፎ እዩ ኢልና ንኣምን። ስለ ዝዀነ ድማ ሓደ ሰብ ክሳብ 126፣ 128 ወይ’ውን 130 ዓመት ክነብር ይኽእል’ዩ” ይብል ነዚ መጽናዕቲ ካብ መንጐ ዘዳለው ሚካኤል ፒርስ።
ብማእከላይ ግምት ግን፡ ሓደ ሰብ መበል 127 ዓመቱ ከኽብረሉ ዝኽእለሉ ተኽእሎ ከም ዘሎ እዞም ተመራመርቲ ይገልጹ።
ይዅን’ምበር፡ ሕጂ’ውን ተመራመርቲ ክምልስዎም ዝግባኡ ነገራት ኣለው።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለምና ድሮ ዕድመኦም ልዕሊ 65 ዓመት ኣረጋውያንን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን ከም ዝበዝሑዋ ይገልጽ።
“እቲ ዝዓበየ ሕቶ ግን ክሳብ ክንደይ ዕድመ ክንነብር ንኽእል ዝብል ዘይኰነ፡ ምስ ዕድመ ተዛሚዶም ዝመጽኡ ነገራት ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሱ ገይርና፣ ካብቲ ሕጂ ዘለናሉ ንላዕሊ ጥዑያት ኴንና ንጸንሕ ዝብል’ዩ” ይብል ክኢላ መጽናዕቲ ዕድመ ዶክተር ሪቻርድ ሲው።
በዚ መገዲ፡ ዕድለኛታት ኴንና ኣብዚ ዝዓበየ ዕድመ ክንበጽሕ እንተኽኢልና፡ ኣብ ክንዲ ስቓይ፡ ፍስሃ እነሕልፈሉ ግዜ ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብለና።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
