እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣባላት ጭፍራ ገበነኛታት ምዃኖም ዝተጠርጠሩ 13 ሰባት ብሓዊ ተቓጺሎም ሞይቶም
ኣብ ርእሰከተማ ሃይቲ፡ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ኣባላት ሓደ ገበናዊ ጭፍራ ከም ዝዀኑ ዝተጠርጠሩ 13 ሰባት፡ ብዕስለ ህዝቢ ተቐጥቂጦምን ብሓዊ ተቓጺሎምን ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ።
ፖሊስ ነቶም ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ መኪንኦም ኣብ ዝምርምረሉ ዝነበረ እዋን እዩ'ቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ።
እቶም ጥርጡራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ፡ ብበንዚን ብዝጠልቀዩ ጎማታት ከምዝተሃርሙን ከም ዝተቓጸሉን ጸብጻባት ሓቢሮም።
ቅድሚ እቲ ፍጻመ እቶም ግዳያት ሒዞምዎም ዝነበሩ ኣጽዋር ከም ዝወረሰ ፖሊስ ይገልጽ።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ዕስለ ህዝቢ ነቶም ጥርጡራት ብኸመይ ከም ዝሓዞም ኣይጠቐሰን።
ሃይቲ፡ ፕረዚደንት ጆቨነል ሞይስ ኣብ ሓምለ 2021 ካብ ዝቕተል ንደሓር ናብ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሕጊ ኣልቦነት ኣትያ ትርከብ።
ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ዘይውሕስነት ምስተን ኣብ ኲናት ዝርከባ ሃገራት ከም ዝመሳሰል ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ዝበለጸ ቦታ ንምቁጽጻር ብቀጻሊ ይቃለሱ ከምዘለዉ'ዩ እቲ ጸብጻብ ዘመልክት።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን ተቐናቐንቲ ጕጅለታትን ዝፍጠር ግጭት "ዝያዳ ብጎነጽ ዝተመልአን ብተደጋጋሚ ዘጋጥምን" እናዀነ ይመጽእ ከም ዘሎ ይሕብር፤ ብሰንኪ እዚ ድማ ብዙሓት ሲቪላት ተቐቲሎም እዮም።
ካብ 14 ክሳዕ 19 ሚያዝያ ጥራይ፡ ብሰንኪ ጎነጻዊ ጉጅለታት 18 ደቂ ኣንስትዮን ክልተ ህጻናትን ዝርከብዎም ኣስታት 70 ሰባት ከም ዝሞቱ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።
ብዙሓት ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕናን ክዕጸዋ ተገዲደን እየን፤ ኣብ ብዙሓት ቀረባትን ኣገልግሎታትን እውን ጽልዋ ኣስዒቡ ኣሎ።
“እዚ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዘተረኣዩ ዝኸፍኡ ቅልውላዋት ሰብኣዊ መሰላት ሓደ እዩ። ህዝቢ ሃይቲ ድማ ብሰንኪ እዚ ቅልውላውን ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓቢ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታትን ብቀጻሊ ይህሰ ኣሎ” ይብል እቲ ጸብጻብ።
ፕረዚደንት ሞይስ ካብ ዝቕተል ንደሓር፡ እታ ሃገር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣርያል ሄንሪ እናተመርሐት ትርከብ።
እንተዀነ እቲ ፕረዚደንት፡ ነቶም ኣስታት ፍርቂ እታ ርእሰ ከተማ ዝተቖጻጸሩ ጕጅለታት ክገትእ ኣይከኣለን።
ንሱን ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራትን፡ ፖሊስ ኣንጻር እቶም ገበነኛታት ንዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ዝሕግዝ ዓለምለኻዊ ሓይሊ ክዋፈር ብተደጋጋሚ ከም ዝጸውዑ ይዝከር።
እቲ ንነዊሕ እዋን ዝተናወሐ መረጻ ምእንቲ ክካየድ ውሑስ ጸጥታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ይገልጽ።
ክሳዕ ሕጂ ግን ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ክትመርሕ ዝፈቐደት ሃገር የላን።
ኣመሪካ፡ ካናዳ ነቲ ተራ ንክትወስድ ከተእምን ክትጽዕር’ኳ እንተጸንሐት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይተሰማምዐን።