ምስተልኣኸት ድሕሪ 42 ዓመታት ዝበጽሐት ፖስትካርድ

ፖስትካርድ

ምንጪ ስእሊ, SAMANTHA WILLIAMS

መግለጺ ስእሊ, እታ ፖስትካርድ ናብ ስቲቭ ፓጀት ዝተጽሓፈት ኰይና ካብ “ጌሪ” ዝብል መልእኽቲ እውን ኣለዋ
Published

ካብ ኣውስትራልያ ኣብ እንግሊዝ ናብ እትርከብ ኬንት ዝተልኣኸት ፖስትካርድ ድሕሪ 42 ዓመታት በጺሓ።

እታ ካርድ ካብ ሲድኒ ብ 27 ነሓሰ 1981 እያ ኣብ ዌስትጌት ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ተላኢኻ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣድራሻ ተቐባሊ እትነብር ሳማንታ ዊልያምስ እታ ፖስትካርድ “ምስጢር እያ” ትብል።

“ነቲ ዝተልኣኸሉ ሰብኣይ ረኺብና ክንህቦ ምደለና “ ብምባል እውን ድልየታ ተዛሪባ።

“ጽቡቕ ምሕዝነት ከምዝነበሮም ፍሉጥ እዩ፤ ንዕኡ ዓቢይ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል።”

እታ ፖስትካርድ ናብ ስቲቭ ፓጀት ዝተጽሓፈት ኰይና ካብ “ጌሪ” ዝብል መልእኽቲ እውን ኣለዋ።

ፖስትካርድ

ምንጪ ስእሊ, SAMANTHA WILLIAMS

መግለጺ ስእሊ, እታ ካርድ ካብ ሲድኒ ብ 27 ነሓሰ 1981 እያ ኣብ ዌስትጌት ናብ ዝርከብ ሓደ ገዛ ተላኢኻ

ሳማንታ፡ ፈለማ ካብ ደቃ ሓደኦም ነታ ፖስትካርድ ምስረኸብዋ ናይ በዓል ልደት ካርድ መሲልዎም ከምዝነበረ ትዛረብ።

“ኣብ ሲድኒ ካብ ዝነብር ጌሪ ዝተበሃለ ሰብኣይ ናብ ስቲቭ ፓጀት ወይ ፓጅ እያ ተላኢኻ፤ ኣብ 1980ታት ኣብዚ ገዛ ምስ ስድራኡ ይነብር ምንባሩ ኢና እንኣምን።”

እታ ፖስትካርድ፡ ምስ ኦፔራ ሃውስ ሲድኒ ዝሓዘት እያ።

ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት ፖስታ ብሪጣንያ፡ ሮያል መይል “ ነዛ ደብዳበ እንታይ ከምዘጋጠማ ምግማት ከቢድ እዩ። ኰይኑ ግን ኣብ ገለ ጠፊኣ ወይ ተሰኲዓ ጸኒሓ ዘይኰነስ ኣብ ቀረባ መዓልቲ ዝዀነ ሰብ ናብቲ ናይ ፖስታ ስርዓት መሊስዋ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

“ሮያል መይል፡ ቤት ጽሕፈት ፖስታታቱ ይቈጻጸርን መዐሸጊ መሽናቱ መዓልታዊ የጽርይን እዩ።

“ዝለኣኽ ነገር ኣብ ስርዓተ ፖስታ ምስኣተወ፡ ኣብቲ ካርድ ናብ ዝተገለጸ ኣድራሻ እዩ ዝበጽሕ።”