"እቲ ኵናት ኣንጻር ህዝብና ዝቐንዐ'ዩ" ወተሃደር ሩስያ ነበር
"እቲ ኵናት ኣንጻር ህዝብና ዝቐንዐ'ዩ" ወተሃደር ሩስያ ነበር
Published
ሩስያዊ ወተሃደር ነበር ሰርጌ [ሽሙ ተቐዪሩ ኣሎ] ወዲ 31 ዓመት መንእሰይ ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓይልታት ምክልኻል እታ ሃገር ሰሪሑ'ዩ። ሕጂ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ኵናት ኣንጻር ዩክረይን ዘይኮነስ "ኣንጻር ህዝብና'ዩ" ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ንሱ በዓልቲ ቤቱን ወዱን ኣብ ሩስያ ገዲፉ ዶብ ጆርጅያ ሰጊሩ ሕጂ ኣብ ቱርኪ ክቕመጥ ወሲኑ።



