እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሕብረት ኣውሮጳ 3.5 ሚልየን ዩሮ ሓገዝ ናብ ሶርያ ክልእኽ እዩ
ሕብረት ኣውሮጳ ነታ ብምንቅጥቓጥ መሬት ተሃስያ ዘላ ሶርያ 3.5 ሚልየን ዩሮ ሓገዝ ከም ዝልእኽ ኣፍሊጡ።
እቲ ሕብረት ሎሚ ረቡዕ ነዚ ሓገዝ ወግዓዊ ዝገበረ፡ መንግስቲ በሽር ኣልዓሳድ ንሕብረት ኣውሮጳ ሓዊሱ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሓገዝ ምሕታቱ ስዒቡ እዩ።
በዚ ዘጋጠመ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብ ሶርያ 2,662 ሰባት ከም ዝሞቱ መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።
መሻርኽቲ ሶርያን ምስታ ሃገር ቅርበት ዘይብለን ካልኦት ሃገራትን ናብ ሶርያ ሓገዝ ዝለኣኻ እንትኾና፡ መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ሳና ድማ ሰፊሕ ሽፋን ሂብዎ ኣሎ።
ዛጊድ ካብ ዒራቕ: ኢራን: ጆርዳን: ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ግብፅን ረድኤት ዝፀዓና ነፈርቲ ናብ ሶርያ ይኣትዋ ኣለዋ።
እታ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ተመዛበልቲ ኣብ ድኽነት ተሸሚሞም ዝነብሩላ ኢድሊብ፡ በዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝያ ተወቒዓ ትርከብ።
ሕብረት ኣውሮጳ ካብ ሶርያ ብተወሳኺ፡ ነታ ብምንቅጥቓጥ መሬት ትናወፅ ዘላ ቱርኪ እውን 3 ሚልየን ዩሮ ከም ዝሕግዝ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ደቡባዊ ቱርኪን ሰሜናዊ ሶርያን ብሶኑይ ክልተ ግዘ ዘጋጠመ ከቢድ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ዛጊድ ልዕሊ 11,200 ሰባት ከም ዝሞቱ ክረጋገፅ ከሎ እቲ ቁፅሪ ግና ገና ክውስኽ ከም ዝኽእል ምልክታታት ኣሎ።
ካብ ሕድሕድ ኵናት ሂወቶም ንምድሓን ናብ ቱርኪ ዝተሰደዱ ብሚልየናት ዝቑፀሩ ሶርያውያን፡ ኣብ ቱርኪ እውን ሓድሽ መቕዘፍቲ ኣጋጢምዎም ኣሎ።
ካብ ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቓጥ ምድሪ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ ዲያርባክር ዝርከብ ናይ ሓደ ሆስፒታል መካነ-ሬሳ ብሰባት ተጨናኒቑ ኣሎ።
ጓል 17 ዓመር ማርካን ኣል ኣሕመድ፡ ኣብ ሃገራ ኣብ ኣሌፖ ዝርከቡ ስድርኣ ደሃዮም ክትረክብ ከም ዘይከኣለት ገሊፃ።
ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ “ካብ ሶርያ ካብ ሞት ሃዲምና መፂእና፤ ሕዚ ድማ ኣብ ቱርኪ ብምንቅጥቓጥ ምድሪ ተወቒዕና።
“ክንድቅስ ኣይንኽእልን፡ ፈሪሕና ኣለና። ካልኣይ ምንቅጥቓጥ መሬት ከየጋጥም ብፍርሒ ኢና ንነብር” ኢላ።
ካልእ ወዲ 42 ዓመት ሶርያዊ ሬድዋን ጊየኽ ድማ ክልተ መዓልቲ ኣብ መስጊድ ደቂሱ ከም ዘሕለፈ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
“እዚ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብ ዘይተሓሰበ ሰዓት ምስ ኣጋጠመ፡ ቀፂሉ እንታይ ከም ዝኽሰት ኣይንፈልጥን” ኢሉ።
ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲጵ ጣይብ ኤርዶጋን በቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝየን ብሕሱም ናብ ዝተሃሰያ ከባብታት ከም ዝበፅሐ ማዕኸናት ዜና ፀብፂበን።
ሕምብርቲ እቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣብ ዝኾነት ፓዝርቺክ ሓዊሱ ካህራማንማስን ሃታይን ከም ዝበፅሕ ተሓቢሩ።
ኤርዶጋን፡ ኣብ መገድታትን መዕርፎ ነፈርትን ብዝወረደ ጉድኣት ቅልጡፍ ምላሽ ኣብ ምሃብ ምድንጓያት ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ገሊፁ።
በቲ ምንቅጥቓጥ መሬት ኣዝየን ኣብ ዝተጐድኣ 10 ግዝኣታት ቱርኪ ንሰለስተ ወርሒ ዝፀንሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ተኣዊጁ ኣሎ።