ኤልሻዳይ: ስለምንታይ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት የዕቁብ ኣሎ?

ኤልሻዳይ ቅድሚ 34 ዓመት ብ1981 ዓ.ም (1989) ተመስሪቱ። መስራትን ዳይረክተርን ኣቶ የማነ ወልደማርያም ይበሃል። ሻቡ ወዲ 19 ዓመት ምንባሩ ይዝክር።
ኣብቲ ግዜ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት ብፍላይ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ህጻውንትን ኣረጋዊያንን ብዘይኣላይን ጠዋርን ኣብ ጐደናታት ይድርበዩ ነበሩ። ነቲ ጸገም ንምቅላል ኤልሻዳይ ከምዝተመስረተ መስራቲ እቲ ትካል ይዛረብ።
“ቀንዲ ዋኒን ኤልሻይ፡ ዝተጸገሙ ሰባት ካብ ጸገሞም ኣናጊፉ ማዕረ ካልኦት ሰባት ክዀኑ ምግባር እዩ፡ ኣብ መንጐ ሕብረተሰብ ናይ ሃብቲ ክፍፍል ክህሉ ኣለዎ ኢሉ ዝኣምንን ዝሰርሕን ትካል እዩ" ይብል ኣቶ የማነ።
ኤልሻዳይ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ፡ ብኣሸሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ካብ ልመናን ድኽነትን ኣናጊፉ፡ ሓብሒቡን ሓጊዙን ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝገበረ ጸብጻብ እቲ ማሕበር ይነግር።።
ልዕሊ 7000 ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ትግራዎት፡ ሰላም ኰይኑ ክሳብ ነናብ ቤቶም ዝምለሱ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ኤልሻዳይ ኣዕቚቦም ነይሮም።
ዛጊድ'ውን ኣብ ኤልሻዳይ ዘዕቈቡ ህጻናት ኣለዉ።
ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራዊያን ዝነበሩ ሰባት ብሰንኪ ኲናት ትግራይ ፋሕፋሕ ምስበሉ ኣብ ኤልሻዳይ ኣዕቚቦም።
ኰይኑ ግን ኤርትራዊያን ኣብ ኤልሻዳይ ዕቑባ ምርካቦም ኣዘራራቢ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ። ስግኣትን ጥርጣረን ዘሕደሩ ሰባት ኣለዉ።

ኤልሻዳይ ስለምንታይ ኤርትራዊያን ስደተኛታት የዕቁብ?
ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ኣብቶም ሰለስተ ዓመታት ከቢድ ማሕበረሰባዊ ምምዝባል፡ ሕማምን ሞትን ኣጓኒፉ እዩ።
ኤርትራዊያን እውን ካብተን ዝነበርወን መዓስከር ስደተኛታት ተበቲኖም ግዳይ እቲ ኲናት ኰይኖም።
"ጸግዕን መጽለንን ስኢኖም፡ ከምዛ ወኻርያ ዝኣተወተን ኣባጊዕ ተበቲኖም። ኤልሻዳይ ድማ እዚኦም ሰባት ስለዝዀኑ ክሕግዞም መሪጹ። ካብቲ ሕሱም ኲናት ክድሕኑን ሓደጋ'ውን ከይወርዶምን ብምሕሳብ ዕቑባ ክንኰኖም ወሲንና ኣዕቍብናዮም" ኢሉ ኣቶ የማነ።
ዛጊድ ምስቶም ግዝያዊ ዕቑባ ረኺቦም ደሓር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱን ኣብ ኤልሻዳይ ዘለዉን ኣስታት 2000 ኤርትራዊያን ኣብ ኤልሻዳይ ኣዕቚቦም።

ኣብ ኤልሻዳይ ዘዕቈቡ ኤርትራዊያን እቶም ካብተን መዓስከር ስደተኛታት ዝተበተኑ ጥራይ ኣይኰኑን።
ድሕሪ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ እውን ብኣሻሓት ዝቝጸሩ ኤርትራዊያን ብስግረ ዶብ ይኣትዉ ኣለዉ። ንደለልቲ ገንዘብ ከፊሎም ካብ ሓደ ናብ ካልእ ከተማታት ትግራይ ኣብ ዝሰግሩሉ፡ መዕለቢኦም ኤልሻዳይ ከምዝዀነ ኣብ ዕቑባ ኤልሻዳይ ዘለዉ ኤርትራዊያን ይምስክሩ።
ብኣንጻሩ ገለ ሰባት ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ "ኤልሻዳይ መዕቈቢ ኣባላት ህግደፍን ኣባላት ስለያን ኰይኑ ኣሎ። መዕቈቢ ጥራይ እውን እንተይኰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ መስገሪ እውን እዩ" ብምባል ይጕስጉሱ።
ብኻልእ ወገን ድማ ኤልሻዳይ ንኤርትራዊያን ይሽቅጠሎም ኣሎ፤ ኤርትራዊያን ኣብ ምስግጋርን ወፊሩ ኣሎ ብምባል ይኸሱ።
ብፍሉይ ንኤርትራዊያን ኣድህቦ ዝሃበሉ መበገሲ ግልጺ ኣይኰነን ዝብሉ’ውን ኣለዉ።
እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ኤልሻዳይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ተደሪኹ ናብ ሕግን ቤት ፍርዲን ዝቐረበ ዕላዊ ጥርዓንን ክሲን ዘይምህላዉ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ይገልጹ።
ኤርትራዊያን ብስግረዶብ ብሸነኽ ትግራይ ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩ፡ ደለልቲን ኣስገርትን እናተቐባበሉ ገንዘብ ከኽፍልዎምን ዘናግፎም ኣካል የለን። መዓስከር ስደተኛታት ስለዝፈረሳ መዕቈቢ የብሎምን። ካብዚ ብምብጋስ ኤርትራዊያን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣህጉራዊ ትካላትን ጠመተ ኣይሃቡናን ዝብል ጥርዓን የስምዑ።
ኣብ ቀረባ እዋን ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኤርትራዊያን ብስግረዶብ ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ምምሕዳር ዞባታት ኤልሻዳይ ንኤርትራዊያን ስደተኛታት ንዝገብሮ ዘሎ ዕቑባ ክተሓጋገዝዎ ዝሓትት ደብዳበ ጽሒፉ ኣሎ።
እቲ ደብዳበ "ኤልሻዳይ ንሰላም ጸጥታትን ትግራይ ብዘይጐድእን ዘይጻባእን መገዲ ኣብ መቐለን ኣብ ዞባታትን ንኤርትራዊያን ግዚያዊ መጽለሊ ብምሃብ ናብ ማእከል ዓዲን ዝደለይዎ ቦታን ይልእኽን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ፈደራልን ክልልን ይሰርሕን ስለዘሎ ኣድላዪ ምትሕብባር ክትገብርሉ ንሓትት" ይብል።
ስደተኛታት ኤርትራዊያን ከ እንታይ ይብሉ?

ኤርትራዊ ኣብርሃም ጠዓመ ብ2011 ካብ ኣስመራ ብስግረዶብ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። ብሰንኪ እቲ ዝተወለዐ ኲናት ድማ ኣብ ኤልሻዳይ ዕቑባ ረኺቡ ንኽልተ ዓመት ከምዝተቐመጠ ይዛረብ።
“ብፍላይ ኣብ እዋን ዕጽዋን ከበባን ኤልሻዳይ ዓዲን ሃይማኖትን ከይፈለየ ንዅሉ ፍጡር ኣርኣያ ስላሴ ዕቑባ ኰይኑ ኣዕንጊሉ ኣንቢሩና። ኣምሓሩ፡ ደቂ ኦሮሞን ብርክት ዝበሉ ተጋሩን ወዲ ብሩንዲ ከይተረፈ ኣብ ኤልሻዳይ ኣዕቚቡ እዩ። ኤርትራዊያን እውን ካብታ ኣነ እኳ ዝፈልጦ ልዕሊ 800 ኣብዚ በሊዕና ሰቲና ኢና" ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ።
ኤርትራዊያን ብስግረዶብ ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ሰባት ኣብ ምስግጋር ዝተዋፈሩ ኣካላት ስጕምቲ ከምዝወስደሎም ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ገሊጹ ኣሎ።
ፕረዚደንት እቲ ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ "ኣብ ምዝውዋር ሰባት ብዝምልከት ኤርትራውያን እናጨወዩ ገንዘብ ምቕባል፡ ሎሚ ንኤርትራዊ ይመስል፣ ንትግራዋይ እውን ጀሚሮም ኣለዉ፤ እዚ ናይ መንግስቲ ኣካል ኢና ብዝብል ጉልባብ ዝፍጸም እዩ፡ ኣብዚ ንምጽራይ ግዜ ወሲዱልና ነይሩ። ካብ ጽባሕ ጀሚርና ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብ ስራሕ ክንጅምር ኢና” ምባሉ ይዝከር።
ኣብርሃም፡ ናብ ኤልሻዳይ ዝኣትዉ ኤርትራዊያን ዝኸፍልዎ ገንዘብ ከምዘየለ ይገልጽ። ብስግረዶብ ምስ ኣተዉ ንድሕነቶም ብፖላይስ ተዓጂቦም ናብ ኤልሻዳይ ይኣትዉ። ነቶም ኤርትራዊያን ኣብጺሖም ዝምለሱ ፖላይስ ኤልሻዳይ መዓልታዊ ዓስቦም ይኸፍል ነይሩ፤ ሎሚ ግን እቶም ኤርትራዊያን ኣዋጺኦም ንምግብን ንመምለሲ መጓዓዚያን ይኸፍሉ ምህላዎም ይዛረብ።
ንዒማ ኢብራሂም ኣብ ሰንዓፈ እምባሶይራ ተወሊዳ ዝዓበየት ኤርትራዊት እያ። ምስ ሓሙሽተ ደቃ ካብ ሽመልባ ምስወጸት ናብ ኤልሻዳይ ኣትያ ዕቑባ ረኺባ ካብ ትቕመጥ ሳልሳይ ዓመታ ሒዛ።
ኣብ ኤልሻዳይ ዋላ ዝተማለአ ኣይዅን ምግቢ፡ ማይን ሕክምናን ከምትረክብ ትዛረብ፤ ንጸዋርነት እቲ ትካል ድማ ትንእድ።
"ኣቶ የማነ እቲ ዝወርዶ ዘሎ ተጻብኦታት ነጺጉ ንዓና ምሕብሓቡ፡ ዓብይ ተኽእሎ እዩ፤ ኵሉ ሰብ ዝኽእሎ እውን ኣይኰነን፤ ኰይኑ ግን እዚ ሰብኣይ'ዚ ዓቕሙ እናተዳኸመ ይመጽእ ኣሎ፤ ዝሕግዞ ስኢኑ፡ ሕጂ'ውን ይቕጽል ኣሎ፣ ተጻዋርነቱ ክገልጾ ኣይክእልን እየ" ትብል።
ካልእ ካብ ከረን ዞባ ዓንሰባ ከምዝመጸ ዝገልጽ ዳኒኤል ተኣምራት፡ ኣብ እዋን ኮሮና ብ2012 ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ይዛረብ፤ ኣብ ኤልሻዳይ ድማ ንሓደ ዓመት ተዓቚቡ ኣሎ። ኤርትራዊያን ብዝሃብዎ ሓበሬታ ናብ ኤልሻዳይ ከምዝኣተወ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ዕላል ይዛረብ።
"ኤልሻዳይ ስለምንታይ ንኤርትራዊያን ይግደስ ንዝብል: ኤርትራዊያን ዋና ኢና ስኢንና ዘለና፤ ስለምንታይ ዓዲና ገዲፍና? ኣብዚ ኸ ስለና መን ኣሎ ዝግደስ? ክሳብ ሕጂ ስለኤርትራዊያን ዝሓትት እንተሃልዩ ይርከበና፤ ኤልሻዳይ ከኣ በቲ ዘለዎ ዓቕሚ ይገብር ኣሎ፤ እቶም ንሕግዝ ኢና ዝብሉ ይቕረቡ . . ። ኤልሻዳይ ንፖለቲከኛታት የዕቁብ እዩ፣ ንኤርትራዊያን ይጭቁን እዩ ዝብል ሰብ ግን ሕጂ እውን ክብል እዩ፤ እሱ ግን ኣይኮነን እቲ ሓቂ፣ ብቓል ዘይኰነስ ኣብ ግብሪ ወሪድና እስከ ንርኣዮ" ብምባል ይላቦ።

ኣብ ኤልሻዳይ ዘዕቈቡ ኤርትራዊያን ኣብ ደገ ዘለዉ ቤተሰቦም ገንዘብ ኣብ ዝልእኩሎም፡ ነጋዶ መቐለ ዝተወሰነ ሚእታዊት ኣገልግሎት(ኮምሽን) ቈሪጾም ይህብዎም ነይሮም፤ ሎሚ ኣብ ኤልሻዳይ እትርከብ ኤርትራዊት ኣደ ወይዘሮ ኣኽበረት ዘርኣይ በቶም ኤርትራዊያን ተወኪላ ኣላ። ቤተሰቦም ናብቲ ብስም ወይዘሮ ኣኽበረት ዝተኸፈተ ሕሳብ ባንክ ኣታዊ ዝገበሩሎም ገንዘብ ናይ ኣገልግሎት(ኮምሽን) ከይተቘረጸ ይበጽሖም ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊጾም።
ኣብ ከባቢ ከረን ተወሊዳ ዝዓበየት ኤርትራዊት ወይዘሮ ኣኽበረት ዘርኣይ ኣብ ኤልሻዳይ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ከምዝተቐመጠት ትገልጽ። ኤርትራዊያን ብዛዕባ ኤልሻዳይ ክርድእዎ ዘለዎም ዝብሎ ኣለኒ ብምባል ሓሳብ ትህብ።
"ኣብ ደገ ዘሎ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ዘለዎ ኣረኣእያ ጽፉፍ ክኸውን እየ ዝደሊ፤ ወናኒ ኤልሻዳይ ኣቶ የማነ ንኤርትራዊ ብፍሉይ እዩ ዝርእዮ፣ ብፍሉይ መርኣይኡ ምክንያት ንዕኡ ይምልከት፤ ክኸስበሉ ዘለዎ ነገር ኣሎ ኢለ ግን ኣነ ዝረኣየኒ ነገር የለን። እቲ ብስግረዶብ ዝመጽእ ኣብዚኣ ኣዕቚቡ ንኣዲስ ኣበባ ክኸይድ እዩ ዝደሊ። ኣቶ የማነ እናሳለጠ ይሰዶም ኣሎ። እዚ ሓቀኛን ፍትሓዊን ኣሰራርሓ እዩ ኢለ እየ ዝኣምነሉ፣ እንታይ እዩ መኽሰቡ? ዕግበት ሕልና! ሰብኣዊ እዩ። ንዝዀነ ሰብ እዩ ዝረድእ፣ ስለዚ ሓሳቡ ቅቡል ምዃኑ ህዝቢ ኤርትራ ክርድኣሉ እየ ዘተሓሳስብ" ኢላ።
ኤልሻዳይ ስለምንታይ ይሕመ ኣሎ?

ኣቶ የማነ ብዙሓት ሰባት ከምዘፈራርሕዎ፡ ሰለልቲ የዕቁብ ኣሎ፣ ባዕሉ እውን ሰላሊ እዩ ብምባል ተደራረብቲ ሽግር ዘውርድሉ ሰባት ከምዘለዉ ይገልጽ።
ካብ ገብርቲ ሰናይ ሓገዝ ከይረክብ ስሙ የጥፍእዎ ምህላዎም ይገልጽ። ብምርጫኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተፋነዉ ክልተ ኣውቶቡስ ምሉእ ኤርትራዊያን ናብ ዓዶም ከምዝሰጐጉዎም ብምግላጽ እዚ ድማ ኣዝዩ ከምዘጉሃዮ ይዛረብ።
"ብጣዕሚ እየ ሓዚነ፣ ለይግበር ለይግባእ ስራሕ እዩ ተሰሪሑ። እዚ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተይኰነ ውልቀ ሰባት እዮም ፈጺሞምዎ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ። ዕቑባ ሓቲቶም ንዝመጽኡ ተመሊስካ ናብኡ ምስዳድ ሰብኣዊነት ዝጐደሎ ተግባር እዩ። እዚ ድማ ብምምንቓይ ንዓይ ንምርካብን ኣብ ልዕሊ እቶም ኤርትራዊያን ሕነ ንምፍዳይን ዝተግብረ እዩ" ብምባል ይገልጽ።
ነቶም ኣብ ኤልሻዳይ ዝነብሩ ኤርትራዊያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክነብጽሓኩም ብምባል፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ዕጽዋን ከበባን ትግራይ፡ ደለልቲ 50 ሽሕ ብር የኽፍልዎም ምንባሮም እቶም ዝሰግሩ ኤርትራዊያንን ስድራኦምን ይዛረቡ። ዋላ እውን ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ብር እናተቐበሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዘእትዉ ደላሎ ከምዘለዉ ይዝረብ።
ኣቶ የማነ ከምዝብሎ፡ እዚ ተግባር እዚ በቶም ኣብ ውሽጢ ኤልሻዳይ ዝሰርሑ ውልቀሰባትን ዋርዲያን፡ ከምኡ እውን ኣብቲ ዕቑባ ዝርከቡ ኤርትራዊያን ምስቶም ኣብ መቐለ ዘለዉ ኣስገርቲ ብምውዳድ እዩ ተፈጺሙ። ኣብዚ ዘየዳግም ስጕምቲ ከምዝተወሰደ ድማ ይገልፅ።
"ቤተሰብ ኢና ኢሎም ብምምጻእ ምስቶም ናይ ውሽጥና ሰባት ተመሻጢሮም ኤርትራዊያን ወሲዶምልና እዮም፤ ኣብዚ ዝተሓባበሩ ሰራሕተኛታትና ሽዑ ንሽዑ ኣባሪርናዮም ኢና። እቶም ዝመጹ ሓደስቲ ኣጋይሽ ድማ ምስቶም ነባራት ኤርትራዊያን ክራኸቡ ኣይንፈቅድን። ሎሚ ጽቡቕ ኣለና፣ ተረጋጊኡ ኣሎ" ይብል ኣቶ የማነ።
"ኤልሻዳይ ክንድዚ ገንዘብ ኣኽፊሉኒ ዝብል ሓደ ሰብ እንተሃልዩ ግን ይቕረብ" እውን ኢሉ።

እቶም ብስግረዶብ ኣትዮም ኣብ ኤልሻዳይ ግዚያዊ ዕቑባ ረኺቦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኸዱ ዝደልዩ ኤርትራዊያን ገንዘቦም ከፊሎም ብኣውቶቡስን ነፋሪትን ክኸዱ ትካሎም ከምዝተሓጋገዝ ኣቶ የማነ ይዛረብ። ነዚ ዘይተቐበሉን ጥቕሚ ዝጐደሎም ሰባት ድማ ከምዝቃወሙ ዘለው ይገልጹ።
እቶም ኤርትራዊያን ወረቐት መንነት ብኤልሻዳይ ይወሃቦም። እዚ ስለምንታይ ከምኡ ይግበር ንዝብል ርእይቶ ነቐፍቲ ኣቶ የማነ መልሲ ይህቡ።
"እቲ መፍለዪ መንነት ኣብ ውሽጢ ኤልሻዳይ እንትጸንሑ ናብ ቤት ምግቢ መእተዊኦም፡ ናብ ደገ ወጺኦም እንትኣትዉ እውን መፍለይኦም እዩ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ሒዞሞ እንተኸይዶም ድማ ወላ ሓደ ረብሓ የብሉን። ክሳብ ምሳና ኣብ ዝጸንሕሉ ዝጠቅም መፍለዪን ንድሕነቶም ሓለዋ ዝጠቅም እዩ" ይብል።
ኤርትራዊያን ናብ ኣዲስ ኣበባ ንክኸዱ ኤልሻዳይ ይሕግዝ ብዛዕባ ምህላዉ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ክሲ፡
ኣቶ የማነ “ኤልሻዳይ ብዓቕሙ ይሕግዝ ኣሎ። ኵሉ ዘዝከኣሎ እንዶ ይግበር። ናብ ቤተሰቦም ክኸዱ እንተደልዮም ክሕግዞም እየ። ሓደ ትግራዋይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይኸይድ እንድዩ:: እዚኣቶም እውን ናብ ቤተሰብና ክንከይድ ኢና: ብኡ ገይርና እውን ናብ ካልኦት ሃገራት ክንከይድ ኢና እንተይሎም ክሕግዞም እዩ። ነገር ግን ብገንዘብ ኣሳጊሩ ወይ ገንዘብ ሂበዮ ዝብል እንተሃልዩ መርትዖ ሒዙ ይቕረብ" ኢሉ።
ምስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝቐርብ ክሲ፡ ኤልሻዳይ ንኤርትራዊያን ግዚያዊ ዕቑባ ምሃብ ከቋርጽ ድዩ ዋላ ክቕጽለሉ ኣብ ዝብል ኣቶ ማነ ከምዚ ይብል፡
"ናይ ኤርትራዊያን ጉዳይ ክሳብ ዘይተፈተሐ ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ክሕግዞም እየ። ንምንታይ? ሰባት እዮም ኣሕዋት ኢና። ስድራ ኢና። ዋላ'ውን ካልኦት ተዝዀኑ ነይሮም ኤልሻዳይ ንደቂሰብ ስለንድግፍ ሓገዝና ኣይቋረጽን" እዮም ኢሎም።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

