እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥዕና፡ ኤርትራን ወፍሪ ክታበት ፖልዮን
ሎሚ 24 ጥቅምቲ ዓለማዊ መዓልቲ ፖልዮ’ዩ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዋላ ደኣ ኣብዚ ዓመት ብፖልዮ ዝተለኸፉ ህጻናት ይሃለዉ’ምበር ነቲ ሕማም ኣብ 2025 ጠቅሊሉ ካብ ዓለም ንኸጥፍኦ ይሰርሕ ምህላዉ’ዩ ዝሕብር።
ኣብ 1988 ኣብ 125 ሃገራት ልዕሊ 350 ሽሕ ህጻናት በቲ ሕማም ምስ ተለኸፉ እዩ ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ሕማም መሊኡ ንምጥፋእ ውዱብ ወፍሪ ጀሚሩ።
ፖልዮ ኣዝዩ ተላባዒ ሕማም ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት የጥቅዕ።
ቀንዲ ምልክታቱ ድማ ሰዓል፡ ሕማም ርእሲ፡ ተምላስ፡ ድኻም፣ ቃንዛ ኣካላት ከምኡ’ውን ድኻም ጭዋዳታት ከምዝርከብዎም ዩኤንኤችሲኣር ይሕብር።
እቲ ሕማም ዘይፍወስን ንድሕሪት ዘይምለስን መልመስቲ ኣካል ከስዕብ ዝኽእል ኮይኑ ኣዝዩ ጽኑዕ ምስ ዝኸውን ከኣ ክሳብ ሞት የብጽሕ።
ፖልዮ ኣብ ኤርትራ
ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንሕማም ፖልዮ ከምዝተቆጻጸረኦ ዝገልጻ ሃገራት እያ።
ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኤርትራ ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ጥሪ ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣብ ኣፍሪቃ ልዑል ሸፈነ ክታበት ዘለዋ ሃገር ኤርትራ እያ። ብውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብኽታበት ክንቆጻጸሮም ካብ እንኽእል ሕማማት፡ ናብ ናይ ምጥፋእ ደረጃ ክትሰጋገር እትኽእል ሃገር ተባሂላ ብኣብነት እትጥቀስ ሃገር ኮይና ኣላ” ኢሉ ነይሩ።
“ካብ ኤርትራ ዝጠፍኡ ብዙሓት ሕማማት ኣለዉ። ከም በዓል ፖልዮ፡ ከምኡ’ውን ድሕሪ ወሊድ ዘጋጥም ዝነበረ ሕማም ኣንቅጺን ትኽትኽታን ምጥቃስ ይከኣል። ሓደ ካብቲ ዕላማና፡ ከም በዓል ንፍዮ ዝኣመሰሉ ብኽታበት ክንቆጻጸሮም እንኽእል ሕማማት ተቖጻጺርና ናብ ናይ ምጥፋእ ደረጃ ምስጋር እዩ” ብምባል ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ንሕማም ፖልዮ ዘጥፈእኦ ሃገራት ምዃና ገሊጹ።
ወሲኹ ድማ “ኣገልግሎት ክታበት፡ ብሓደ ናይ መንግስቲ ትካል ጥራይ ክሳለጥ ዝኽእል ዕማም ኣይኮነን። ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምዃኑ ኩሉ ህጻን፡ ዋላ እቲ ኣብ ዝረሓቐ ከባቢታት ዝርከብ፡ ነቲ ኣገልግሎት ክረኽቦ ኣለዎ። እዚ ስራሕ’ዚ ብሚኒስትሪ ጥዕና ጥራይ ክሽፈን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ነፍሲወከፍ ንኡስ ዞባ፡ ንጨናፍር ምምሕዳራት፡ ማሕበር መንእሰያትን ማሕበር ደቂኣንስትዮን፡ ንጨናፍር ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ህግደፍ፡ ብዓቢኡ’ውን ንምምሕዳር ናይቲ ከባቢ ዝሓቁፍ ሓደ ሓይሊ ዕማም ኣሎ” ኢሉ።
ነቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ መደብ ክታበት፡ ምስ’ዞም ኣባላት ናይ’ዚ ሓይሊ ዕማም ብምዝታይ፡ ምስ ባህልን መነባብሮን ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ብዝጥዕም ኣገባብ ክታበት ዝወሃበሉ ግዜን ቦታን ብምሕንጻጽ፡ እቲ ስራሕ ተመቓሪሑ ከም ዝኸይድ ይግበር።
"ኣብቲ እንገብሮ ስራሕ፡ ውድብ ጥዕና ዓለምን ማዕከን ህጻናት ውድብ ሕባራት ሃገራትን እውን መሻርኽትና እዮም” ይብል ኣቶ ቴድሮስ።
እንተኾነ ኣብ 2024 ምስቶም ብሰንኪ ኵናት ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ሱዳናውያን ብዝተሓሓዝ ዝተረኣየ መልከፍቲ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ፖልዮ እንታይ’ዩ?
ፖልዮ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ቫይረስ’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ብዝተበከለ መግብን ማይን ይመሓለለፍ።
እቲ ቫይረስ ንስርዓተ መትኒ ብምጥቃዕ ንኣካላዊ ስንክልና የቓልዕ።
ሓደ ብቫይረስ ፖልዮ ዝተለኸፈ ሰብ ኣብ ዝህልዎ ምትንኻፍን ኣብ ዝስዕለሉ ካብ ዝነጥሩ ፈሰስትን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ይኽእል።
እዚ ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ንትሕቲ ሓሙሽተ ዓመቶም ህጻናት’ዩ ዘጥቅዕ።
ውድብ ጥዕና ዓለም “ካብ 200 ሰባት ሓደ ህጻን’ዩ ናብ ነባሪ ስንክልና ዝቓላዕ። ካብቶም ኣብ ህጻንነቶም ብመልከፍቲ ፖልዮ ዝሰንከሉ ኸኣ ካብ 5 ክሳብ 10 ሚኢታዎት ዝኾኑ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ጻገማት ኣጋጢምዎም ንሞት ይቃልዑ” ይብል።
ሰለስተ ዓይነት ፖልዮ ከምዘለዉ ሰብ ሞያ ጥዕና ይሕብሩ።
ካብዞኦም እቶም ክልተ ብዝተገበረ ዓለማዊ ወፍሪ ክታበት ከምዝጠፍኡ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቅስ።
እንተኾነ እቲ ሓደ ዓይነት ፖልዮ ገና ንምጥፍኡ ዓለም ኣብ ምርብራብ ትርከብ።
ውድብ ጥዕና ዓለም “ዋላ ሓደ ህጻን ብፖልዮ እንተተለኺፉ ኣብ ኩለን ሃገራት ዘለዉ ህጻናት [ምስ ግዜ] በቲ ቫይረስ ናይ ምልክፋስ ተኽእሎ ኣለዎም” ብምባል የጠንቅቕ።
ክታበት ፖልዮ፡ ድኹም ዓይነት ፖልዮ ብዓይኒ ክታበት ናብ ወዲ ሰብ ምስ ኣተወ ኣብቲ ሰብ ዝኾነ ጉድኣት ከየውረደ ብመልክዕ ቀልቀል’ዩ ናብ ግዳም ዝወጽእ።
እቲ ዝተኸተበ ሰብ ብግቡእ ዓይነ ምድሪ እንተዘይተጠቂሙ ብዝተበከለ ማይ ናብቶም ዘይተኸተቡ ሰባት ክመሓላለፍ ይኽእል’ዩ።
ኣብ ኣመሪካ ማእከል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት [ሲዲኤስ] ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበዝሐ መልከፍቲ ክታበት ከጋጥም ዝኽኣለ ምስ ክታበት ዝተሓሓዝ ምዃኑ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ካብ ጥሪ 2023 ክሳብ ሰነ 2024 ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣብ 39 ሃገራት ካብ ዝተረኣዩ 672 መልፍቲ ፖልዮ እቲ 74 ምስ ክታበት ፖልዮ ብዝተሓሓዝ ዘተኸሰተ መልከፍቲ’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ኣብታ ብኵናት ትሕመስ ዘላ ቓዛ ኣብ ወዲ 10 ዓመት ዝተረኣየን ነቲ ህጻን ንኸፊላዊ መልመስቲ ፖልዮን ዘቃልዖ መልከፍቲ ምስቲ ኣብቲ ቦታ ዝተውሃበ ክታበት ፖልዮ ዝተሓሓዝ ከምዝኾነ’ዩ ዝግለጽ።
ብድሕሪ እዚ ኣብቲ ከባቢ ወፍሪ ክታበት ንኹሉ ተጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ኣብ ምክያድ ይርከብ።
ንፖልዮን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 10 ቢልዮን ብነጠብታ ዝውሃብ ክታበት ጸረ ፖልዮ ንኣስታት ሰለስተ ቢልዮን ህጻናት ከምዝተውሃበ ውድብ ጥዕና ዓለም ይጠቅስ።