ካናዳ ንፈረንሳን ብሪጣንያን ስዒባ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ መዲባ

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ካርኒ

ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ቀዳማይ ምኒስተር ማርክ ካርኒ፡ ካናዳ ኣብ መስከረም ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህብ መደብ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ዝወሰደት ሳልሰይቲ ሃገር ካብ ጕጅለ 7 ክትከውን ምዃና ገሊጹ።

ካርኒ፡ እቲ ስጕምቲ ኣብ ደሞክራስያዊ ጽገናታት ዝምርኰስ ምዃኑን ብዓልመዚ ፍልስጤም ኣብ ዝመጽእ ዓመት ብዘይ ሓማስ ምርጫ ከካይድ ምዃኑን ገሊጹ።

እዚ ውሳነ ዝመጽእ ዘሎ፡ ፈረንሳ ኣብ መስከረም ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክትህባ ምዃና ድሕሪ ምግላጻ፣ ከምኡ'ውን እስራኤል ምቍራጽ ተዅሲ እንተ ዘይተሰማሚዓ ዓባይ ብሪጣንያ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ከም እትወስድ ድሕሪ ምግላጻ ዝሰዓበ እዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ካናዳ ንዘውጽኣቶ መግለጺ ብምንጻግ፡ "ንሓማስ ዓስቢ ዝህብ፡" ክብል ገሊጹዎ። መብዛሕትአን ሃገራት - ካብተን 193 ኣባል ሃገራት ሕቡራት ሃገራት እተን 147 - ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ይህባ።

ካርኒ፡ ካናዳ ኣብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ንሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና እዩ ገሊጹ።

ንሱ፡ ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብቲ ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማግም፡ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ሰብኣዊ ኵነታት ቓዛ፡ ከምኡ'ውን ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ንካናዳ ኣብ ፖሊሲኣ ድራማዊ ለውጢ ክትገብር ምኽንያታት ከም ዝዀኑዋ ጠቒሱ።

ካርኒ ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ደረጃ ስቓይ ደቂሰብ ኣብ ቓዛ ዘይጽወርን ብቕልጡፍ እናበኣሰን ይኸይድን ኣሎ፡" ኢሉ።

ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ዝሃብሉ ቅድመ-ዅነት ክገልጽ ከሎ፡ ሰበስልጣን እታ ሃገር ንመሰረታዊ መሓውራት ምሕደራ ከመሓዪሹን ዕጥቂ ምፍታሕ ከካይዱን ብዝተኣትወ ቃል መሰረት ምዃኑ ገሊጹ።

ካናዳ ከም ኣካል ናይቲ ብዘተ ዝካየድ መስርሕ ሰላም፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ 'ፍታሕ ክልተ ሃገር' ንዝብል ትኣምነሉ ከም ዝነበረትን እቲ ውጥን'ቲ ግን ደጊም ዝከኣል ከም ዘይኰነን ገሊጹ።

"ተስፋ ሃገረ ፍልስጤም ዓይንና እናረኣየ ይብሕጐግ ኣሎ፡" ኢሉ።

ካርኒ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣቐዲሙ ምስ ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ብዛዕባ'ቲ ኣዋጅ ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።

እቲ ብዓባስ ዝምራሕ ሰልፊ ፋታሕ ንገለ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ክቈጻጸር እንከሎ፡ ሓማስ ድማ ንቓዛ ይመርሕ። ኣብ ክልተኡ ግዝኣታት ካብ 2006 ንደሓር ምርጫ ኣይተኻየደን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እስራኤል፡ ካናዳ ንዘርኣየቶ መርገጺ ነቒፉ።

ኣብ ኤክስ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ውጥን ካናዳ፡ "ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባል ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታትን ነቶም ጅሆታት ንምፍታሕ ንዝግበር ስጕምትታትን ዝዕንቅፍ እዩ፡" ይብል።

ዓቃባውያን መርገጺ ዘለዎም ካናዳውያን'ውን ንስጕምቲ ካርኒ ወቒሶም።

ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ድሕሪ እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ምሃብ፡ ንዓለም ግጉይ መልእኽቲ ዝሰድድ እዩ፡" ኢሉ።

ናይ ቀረባ መሓዙት ካናዳ ዝዀና ዓባይ ብሪጣንያንን ፈረንሳን ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት መግለጺ ድሕሪ ምውጽአን፡ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህብ ጸቕጢ መጺኡዎ እዩ።

ኣስታት 200 ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ካናዳ ዝነበሩ፡ ካርኒ ንሃገረ ፍልስጤም ኣፍልጦ ክህብ ዝጽውዕ ደብዳበ ትማሊ ሰሉስ ከቲሞም።

እቲ ደብዳበ፡ ብሰንኪ ገዚፍ ምፍንቓል ሰባት፡ ሃንደበታዊ ደብዳባትን ጥምየት ሰለማውያን ሰባትን ኣብ ቓዛ መሰረታዊ መትከላት ካናዳ ዕለታዊ ዕሽሽ ይበሃል ከም ዘሎ ይገልጽ። ቀጺሉ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብኣኽረርቲ ሰፋሮ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕትታት'ውን ጠቒሱ።

ካርኒ ነቲ ስጕምቲ ዝወሰደ፡ ብዓባይ ብሪጣንያንን ፈረንሳን ተጸልዩ ድዩ ወይ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ተወኪሱ ብምባል ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ካናዳ ባዕላ ነቲ ውሳነ ከም ዝወሰደቶ ኣብሪሁ።

ፈረንሳን ዓባይ ብሪጣንያን ንመንግስቲ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ እንተ ሂበን፡ ኣመሪካ - እታ ሓያል መሓዛ እስራኤል - እታ እንኮ ንሃገረ ፍልስጤም ዘይተቐበለት ቀዋሚት ኣባል ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን እያ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ድሕሪ ዘካየዶ በርቃዊ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስርሒታት ጀሚራ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 60,000 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 89 ህጻናት ዝርከቡዎም 154 ሰባት ድማ ብሰንኪ ሕጽረት መግቢ ከም ዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና እታ ምምሕዳር ሓቢሩ።