ነፈርቲ ውግእ ብሪጣንያ ንፖላንድ ንምክልኻል ምስ ተልእኾ ኔቶ ተጸንቢረን

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ነፈርቲ ውግእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ክሊ ሰማያት ፖላንድ ንምክልኻል ዘካየዶ ወፍሪ ተሳቲፈን።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ሰማያት እታ ኣባል ኔቶ ዝዀነት ፖላንድ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣስታት 19 ድሮናት ሩስያ ምስ ተራኣያ'ዩ ዘለዎ ውዕል ንምትግባር ናብ ፖላንድ ወፊሩ።
እተን ታይፑን ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ዓባይ ብሪጣንያ ዓርቢ ለይቲ'የን ሰማያት ፖላንድ ንምክልኻል ኣብ ሰማያት ፖላንድ ዘንበየን።
ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ንክሊ ኣየር ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብተደጋጋሚ ክትጥሕስ ምስ ተራኣየት ኣብቲ ዞባ ሓዲሽ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።
ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ሩስያ ንክሊ ኣየር ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝዀና ሮሜንያ፡ ኢስቶንያን ፖላንድን'የን ጥሒሰን ዝብሃላ ዘለዋ።
ብፍላይ ግን ድሮናት ሩስያ ኣብ ፖላንድ መጥቓዕቲ ፈጺመን'የን ተባሂለን፤ ሩስያ ግን ንኹሉ እዚ ክሲ ትነጽጐ።
ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሀርሊ፡ እዘን ናብ ክሊ ኣየር ፖላንድ ዝተላእኻ ታይፑን "ክሊ ኣየር ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ክንከላኸለሉ ምዃንና ዘርእያ ንጹር ምልክት'የን፡" ኢሉ።
ብምስዓብ "በቶም ነዚ ተልእኾ እዚ ዝፈጸሙ ብሪጣንያውያን ኣብረርትን ኣባላት ሓይሊ ኣየርን፡ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ መላፈንትና [ፖላንድ] ዝፈጸመቶ ወጅሃላይ ተግባራት ንምግሳጥ ብዝነበሮም ቆራጽነት ሕቡን'የ፡" ኢሉ።
እተን ክልተ ነፈርቲ ሮያል አየር ፎርስ ዓርቢ ለይቲ ካብቲ ኣብ ሊንክሻየር ካብ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር፡ ኣብ ሰማይ ኰይና ንነፈርቲ ውግእ ነዳዲ እትመልእ ዓባይ ነፋሪት ተሰንየን ብምብጋስ'የን ናብ ሰማያት ፖላንድ ኣትየን፡ ቀዳም ከኣ ብሰላም ናብ መደበረን ተመሰሊሰን።
ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብ10 መስከረም 19 ድሮናት ሩስያ ንክሊ ኣየር ፖላንድ ጥሒሰን ምስ ኣተዋ'ዩ ኣብ ፖላንድ ወፍሪ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ክካየድ ወሲኑ፤ ሓይሊ ኣየር ብሪጣንያ ዘካየዶ ወፍሪ ከኣ ኣካል ናይዚ'ዩ።
ጸሓፊ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ጆን ሀርሊ፡ ቅድሙ ሓሙሽተ መዓልቲ ናብ መደበር ሮያል ኣየር ፎርስ ምብጻሕ ኣብ ዘካየደሉ'ዩ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝወሰኖ ወፍሪ ከምእትሳተፍ ኣፍሊጡ።
ንሱ ሩስያ ንክሊ ኣየር ፖላንድ ምጥሓሳ "ወጂሃለያ፡ ሓደገኛን ዘይትገመተን'ዩ" ብምባል "ምግቡዕባዕ ከጋጥመና እንከሎ ብሓባር ኢና ግብረ መልሲ እንህብ፡" ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ፖላንድ ዘሎ ዕላማታት ናይ ምጥቓዕ ዝዀነ ሃቐነ ከም ዘይብላ'ያ ትገልጽ።
ሩሰያ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር፡ ድሮናትን ሚሳኤላትን ሩስያ ክሊ ኣየር መዳውብቲ ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ብተደጋጋሚ ክጥሕስ ጸኒሑ'ዩ።
እንተዀነ ኣብ ሓደ መዓልቲ 19 ዝዀና ድሮናት ናብ ክሊ ኣየር ፖላንድ ክኣትዋ ግን እቲ ዝበዝሐ ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ፖላንድ ብቅጽበት ግብረ መልሲ ብምሃብ 3 ድሮናት ሩስያ ከተውድቕ እንከላ፡ እዚ ተግባር ሩስያ፡ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ልዕሊ ድሮናት ሩስያ ናይ ምክልኻል ስጕምቲ ክወስዳ ደሪኽወን ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፖላንድ ዶናልድ ቱስክ "እዚ ድሕሪ ካልኣይ ኵናት ዓለም ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ቅሉዕ ግጭት ዝኣተናሉ'ዩ፡" ኢሉ።
ካልእ ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዘኾነት ሮማንያ'ውን ድሮናት ሩስያ ብ14 መስከረም ንክሊ ኣየራ ከምዝጠሓሳ ኣፍሊጣ።
ዝሓለፈ ዓርቢ'ውን ኢስቶንያ፡ ሰለስተ ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ንክሊ ኣየራ ን12 ደቃይቕ ጥሒሰን ከምዝኣተዋ ብምግላጽ፡ካብ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ህጹጽ ምኽሪ ክውሃባ ጠሊባ።

ምንጪ ስእሊ, PA Media






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
