እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይደን ዝሰጐጐም ብዝሒ ስደተኛታት ልዕሊ ናይ ትራምፕ ኰይኑ
ሰብመዚ ኢሚግሬሽን ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ልዑል ቍጽሪ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ብምስጓግ፡ ልዕሊ እቲ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ እዋን ዝወሰዶ ስጕምቲ ወሲዶም።
ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ልዕሊ 271 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ኣመሪካ ከም ዝተሰጐጕ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጕምሩክን ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ክህሉ ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ 2021 እዚ ስጕምቲ ደው ከም ዘብሎ ተመባጹዑ'ኳ እንተነበረ፡ ምምሕዳሩ ግን ድሕሪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዝተራእየ ብዝሒ ስደተኛታት ነቲ ስጕምቲ ብሰፊሑ ተግባራዊ ክገብሮ'ዩ ተራእዩ።
እቲ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ባጀት ዓመት ኣዝዩ ልዑል ቍጽሪ ምስጓግ ስደተኛታት ከም ዝተራእየ ብምግላጽ፡ ብኸፊል ውጽኢት ስሉጥ መስርሕ ኢሚግሬሽን ዝመጽአ ምዃኑ ገሊጹ።
ናብ ኣፍሪቃን ኤሽያን ተወሳኺ ምስጓግ ከም ዝህሉ'ውን ሓቢሩ። እዚ ድማ ኣመሪካ ንዓመታት ክትነጽጐ ዝጸንሐት እዩ።
መብዛሕትኦም ኣብ 2024 ዝተሰጐጕ ስደተኛታት፡ ኣብ ዶባት ዝተትሓዙ እዮም።
ካብቶም ኣብዚ ዓመት ዝተሰጐጕ 271 ሽሕ ስደተኛታት እቶም 82 ሚእታዊት ብሓለውቲ ዶባት ዝተትሓዙ'ዮም ተባሂሉ።
ትራምፕ፡ 20 ጥሪ 2025 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ "ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ስርሒት ምስጓግ" ክጅመር ምዃኑ ተሓንዩ ኣሎ።
እዞም መብጽዓታት ግን፡ ዓብይ ሎጂስቲካውን ፋይናንሳውን ብድሆታት ከጋጥሞም ተኽእሎ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝበዝሕ ግዜኡ ንፖሊሲታት ዶባት ምምሕዳር ባይደን ኣብ ምንቃፍ ከም ዘሕለፎ ይዝከር።
ወሃቢት ቃል ስግግር ስልጣን ትራምፕ ካሮሊን ሊቪት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ባይደን ምስቲ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓሉ እዋን ክነጻጸር እንከሎ ዘይሕጋዊ ስደት ኣብ ምክልኻል ዝወሰዶ ስጕምቲ ኣብዚ እቶ ዝብሃል ኣይኰነን ክትብል ነቒፋ።
"ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ጃምላዊ ስርሒት ምስጓግ ዘይሕጋውያን ገበነኛታት ብምጅማር ነቲ ጆ ባይደን ዝፈጠሮ ጸገማት ኢሚግሬሽንን ሃገራዊ ድሕነትን ከዐርዮ'ዩ" ኢላ።
ኣብ 2023፡ ብዝሒ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ዝተትሓዙ ስደተኛታት ክብረወሰን ከም ዝሓዘ ይግለጽ።
ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ግን ብዝሒ ኣብቲ ዶባት ዝርኣዩ ስደተኛታት ኣዝዩ ከም ዝነከየን፡ እዚ ካብ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ጉምሩክን ሓለዋ ዶባትን ኣመሪካ ( ሲቢፒ) ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ምስጓግ ስደተኛታት ምውሳኹ፡ ሃገራት ዝተሰጐጕ ሰባት ክቕበላ ንምእማን ዝተገብሩ ዲፕሎማሲያዊ ጻዕርታት ዝሓሸ ለውጢ ብምምጽኦም ዝተረኽበ ዓወት ከም ዝዀነ ተሓቢሩ።
ሰበስልጣን ሜክሲኮ'ውን ንዋሕዚ ናይቶም ናብ ሰሜናዊ ናብ ዶብ ኣመሪካ ዝኸዱ ስደተኛታት ክገትእዎም ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ሰነ ፕረዚደንት ባይደን ንዑቕባ ኣዝዩ ዝድርት ትእዛዝ ኣውጺኡ ነይሩ፤ እዚ ሜክሲኮ እትገብሮ ሓገዝ ተደሚሩ ዘይሕጋዊ ስደት ክጐድል ገይሩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እዚ ቝጽሪ ብ70 ሚእታዊት ከም ዝነከየ እቲ ትካል ገሊጹ።