ሎክ፡ ብቻይናውያን ዝተሃንፀት ኣመሪካዊት ከተማ

ኣብ ሎክ ኣሽማት ጐደናታት ብቋንቋ ኢንግሊዘኛን ቻይናን እዮም ዝፀሓፉ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ሎክ ኣሽማት ጐደናታት ብቋንቋ ኢንግሊዘኛን ቻይናን እዮም ዝጸሓፉ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ሓደ እዋን፡ ቻይናውያን ኣብቲ ሓዲግ ዝነበረ ማእከላይ ካሊፎርንያ "ሞንተ ካርሎ ካሊፎርንያ" ተባሂላ እትፍለጥ ከተማ ፈጢሮም።

እቲ ኣብ ጥቓ ሩባ ሳክራሜንቶ ዝርከብ ልሙዕ መሬት፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ስደተኛታት ዝሰፍርሉ ቦታ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣብ ሕምብርቲ እቲ ከባቢ እትርከብ ከተማ ሎክ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ፡ ንቻይናውያን ብቻይናውያን ዝተሃንጸት ከተማ ኮይና ትስራዕ።

ሎክ፡ ብጸበብቲ ጎደናታታን ብዕንጸይቲ ዝተሰርሑ ምዕሩጋት ኣባይትን ብሰፊሑ ትፍለጥ።

ሎሚ እውን እንተዀነ እታ ከተማ ‘ጥንታዊት ቁሸት ቻይና’ ዝብል ስያመ ሒዛ ትርከብ።

ነታ ከተማ ዝመስረቱ ወለዶታት ቻይናውያን ንዓመታት ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ነጋዴታት እዮም።

ብ1848፡ ኣብ ካሊፎርንያ ዓቢ ዕቑር ወርቂ ከምዘሎ ዝገልጽ ዜና ብሰፊሑ ምስ ተዘርግሐ፡ ካብ ኣመሪካን ካብ መላእ ዓለምን ብኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ናብ ካሊፎርንያ ወሓዙ።

ካብቶም ወርቂ ብምፍራይ ሃብታማት ክዀኑ ዝሓልሙ ብርክት ዝበሉ ቻይናውያን ነይሮም።

እቶም ቻይናውያን ኣብታ "እምባ ወርቂ" ኢሎም ዝሰመይዋ ከተማ ካሊፎርንያ ምስ በጽሑ ዕዉታት ኰይኖም።

እንተዀነ፡ እቶም ደቂ ዓዲ ንቻይናውያን ካብቲ ከባቢ ንምስጓግ፡ ካብ ወሰኽ ግበሪ ሓሊፉ፡ ካልኦት ዓደንቲ ነቶም ንቻይናውያን ዒላማ ክገብሩዎም ጀሚሮም።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ቻይናውያን ወርቂ ኣብ ክንዲ ዘፍርዩ ኣቓልቦኦም ናብ ሕርሻን ስርሓት መንገዲ ባቡርን ኣቕኒዖም።

ብናይ ሕርሻ ስርሖም ድማ፡ ንሕርሻ ዘይምቹው ዝነበረ ረግረግ ዝበዝሖ መሬት፡ ብጻዕሮም ናብ ምቹእ ሕርሻዊ ከባቢታት ክቕይሩዎ ክኢሎም።

ነቲ ብወርቂ ዝኸሰርዎ ገንዘብ ብሕርሻ ከካሕስዎ ፈቲኖም።

እዚ ብወገኑ፡ ኣብ ህንፀት ክእለት ዘጥረዩ ቻይናውያን ካብ ግዝኣት ጉዋንዶንግ ናብ ካሊፎርንያ በብዝሒ ክስደዱ ምኽንያት ኮይኑ።

ቻይናውያን ኣብ ሕርሻኦም ዕዉታት ኮይኖም፤ ንመነባብሮ ዘይጥዕም ከባቢታት ኣጽሪዮም ነቲ ረግረግ ሰፊሮም ዓድታትን ከተማታትን ኣጣይሾም።

እቶም ጸዓዱ ደቀ'ባት ግን፡ ‘ስራሕናን መሬትናን ብስደተኛታት ተመንዚዕና’ ብዝብል መረረት፡ ንቻይናውያን ከጥቅዑ ጀሚሮም።

ሎክ ብፀበብቲ መንገድትታን ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሑ ገዛውትን ትፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

መግለጺ ስእሊ, ሎክ ብፀበብቲ መንገድትታን ካብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሑ ገዛውትን ትፍለጥ

መንግስቲ ድማ፡ ንመሰል ቻይናውያን ኣዝዮም ዝድርቱ [ዋንነት መሬት ዝኸልእ ሓዊሱ] ሕግታትን ደንብታትን ከፅድቕ ጀሚሩ።

ከምኡ ዀይኑ’ውን ግና፡ ቻይናውያን ኣብ ዋልነት ግሮቭ ቻይናዊት ከተማ ክሃንጹ ክኢሎም።

እዛ ከተማ ኣብ 1880ታት ልዕሊ 800 ቻይናውያንን ውሑዳት ጃፓናውያን ስደተኛታትን ዝነብሩላ እያ ነይራ።

ብ1915 ግና ሃንደበታዊ ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ ነታ ከተማ ናብ ሓሙኽሽቲ ቀዪርዋ።

ካብቶም ንዓመታት ዝጸንሑ ጻዕሮም ብሓዊ ዝዓነወ ቻይናውያን፡ እቲ ፍሉጥ ሊ ቢንግ ይርከብዎ።

ብቻርሊ ዝፍለጥ ሊ ቢንግ: ኣብ ዋልነት ግሮቭ ብዝነበሮ ንግዳዊ ንጥፈታትን እንግሊዝኛ ብምዝራብን ብብዙሓት ይፍለጥ ነይሩ።

ኣብ መጀመርታ 1900ታት ናብ ኣመሪካ ምስ በጽሐ ካብ ካዚኖ ክሳብ እንዳ ጸጕሪ ርእሲ፡ ካብ ባህላዊ ቻይናዊ ድኳን መድሃኒት ክሳብ ድኳን ንብረት ህንጻ ኵሉ ወኒኑ ነይሩ።

እቲ ብ1915 ዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሃነጾ ሃብቲ ናብ ሓሙኽሽቲ ቀዪርዎ።

እቶም ብስሞም መሬት ክገዝኡ ዘይከኣሉን ናይ ንግዲ ፍቓድ ዝተኸልኡን ቻይናውያን፡ ምስ ጸዓዱ ኣመሪካውያን ውዕል ብምእታው ዳግማይ ገዛውቲ ክሃንጹ ጀመሩ።

ብቢንግ ዝምራሕ ቻይናዊ ኮሚቴ፡ ምስ ሓደ ጆርጅ ሎከር ዝተባህለ ጻዕዳ ኣመሪካዊ ነጋዳይ ኣብ ስምምዕ ብምብጻሕ፡ ቻይናውያን ገዛ ዝሃንጽሉ መሬት ኣብ ወርሒ ካብ 5 ክሳብ 10 ዶላር ክራይ ክኸፍሉ ተሰማሚዖም።

ሎክ

ምንጪ ስእሊ, Alamy

ሓደ እዋን ጋዜጣታት ሳክራሜንቶ፡ ነታ ከተማ ‘ሞንተ ካርሎ ካሊፎርንያ’ ኢለን ገሊጸንኣ ነይረን።

ኣብ 1960ታት ብዝሒ ህዝቢ ሎክ ኣዝዩ ነክዩ። ኣብ 1943 ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ተነቢሩ ዝፀንሐ ገደብ ምስ ተላዕለ፡ ብዙሓት ቻይናውያን ዝሓሸ ዕድላት ንምድላይ ናብ ካልኦት ከተማታት ኣመሪካ ተሰዲዶም።

ኣብዚ እዋን ብዝሒ ነበርታ ካብ 60 ሰባት ኣይበዝሕን። ኣዝዮም ውሑዳት ካብኣቶም ቻይናውያን እዮም።

ኣብ 1990 ሎክ ከም ሃገራዊ ታሪኻዊ ቦታ ኣመሪካ ተመዝጊቡ።

ኣብ መጀመርታ 2000ታት፡ ነቶም ንዓመታት ብዘይ ዋንነት መሬት ዝነብሩ ደቂ-ደቂ-ቻይናውያን ዋንነት መሬት ሂቡ።

ብጥንቲ ብቻይናውያን ዝተሃንጹ ህንጻታት ክሳብ ሕዚ ረብሓ እናሃቡ ይርከቡ።

ናይ ቀደም ካዚኖታት ሕጂ ቤተ-መዘክር ኰይኖም ኣለዉ።

እቲ ቀደም ቤት-ትምህርቲ ቻይና ዝነበረ ህንጻ ሕጂ ናብ ቤተ መዘክር ተቐይሩ ኣሎ።

ኣብቲ ቤተ መዘክር፡ ቅድሚ 100 ዓመት ቻይናውያን ህጻናት ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ መንበርን ጠረጴዛን ይርአዩ።