እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓዲግራት ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ዝቐነዩ ተምሃሮ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ሃገራዊ 12 ክፍሊ ፈተና ክወስዱ ዝቐነዩ ተምሃሮ ዝፀዓነት መኪና ድሕሪ ምግልባጣ፡ ሽድሽተ ተምሃሮ ሞይቶም ካልኦት ብዙሓት ድማ ተጐዲኦም።
እታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ዝተበገሰት ኣውቶብስ ብመገዲ ሓውዜን ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ኣተበ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ናብ ሓደ ቢንቶ ከም ዝፀደፈት ተገሊጹ።
ኣብ ትግራይ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 10 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ክወሃብ ከምዝቐነየ ይፍለጥ።
ኣብ መቐለ ዝርከብ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር በዚ ሓደጋ ብኸቢድ ዝተጐድኡ ተምሃሮ ክትትል ሕክምና ይገብር ኣሎ።
ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ስፔሻሊስት መጥባሕቲ ዶክተር ፋሲካ ዓምደስላሰ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ዝነበሮም ፈተና 12 ክፍሊ ወዲኦም ናብ ከባቢ ዓብይ ዓዲ ናብ ገዛኦም ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን እዚ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ዶክተር ፋሲካ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ክሳብ ሕዚ ናብ ሆስፒታልና ብኸቢድ ዝተጐድኡ ሸውዓተ ተምሃሮ መፅዮም ኣለዉ። ኣብ ርእሶም መስበርቲ ዘለዎምን መድመይቲ ዘጋጠሞምን ተምሃሮ ተቐቢልና ንሕክም ኣለና። ሽድሽተ ተምሃሮ ከም ዝሞቱ’ውን ሓበሬታ በፂሑና ኣሎ” ኢሉ።
እዞም ግዳያት ክሳብ 20 ክሊ ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት ከም ዝዀኑ ዝሓበረ ዶክተር ፋሲካ፡ ሰብሞያ እቲ ሆስፒታል ብኸቢድ ንዝተጐድኡን መስበርቲ ንዘጋጠሞምን ተምሃሮ ክትትል ሕክምና ይገብሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
ናብ ክፍሊ ጽዑቕ ክንክን ሕክምና ዝኣተዉ ኣመና ዝተጐድኡን መጥባሕቲ ዘድልዮምን ግዳያት ከምዘለዉ’ውን ጠቒሱ።
ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣርባዕተ ዩኒቨርሲቲታት ማለት፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት መቐለ፡ ዓዲግራት፡ ኣክሱምን ራያን ክወሃብ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ተምሃሮ ፈተና ምስ ወድኡ ብመጓዓዝያ እተን ዩኒቨርሲትታት ናብ ገዛኦም ክምለሱ መደብ ተታሒዙ ከም ዝነበረ ምንጪታት ንቢቢሲ ገሊፆም።
እታ ዋንነታ ናይ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ከም ዝዀነት ዝተገለጸት ኣውቶቡስ ልዕሊ ዓቐን ጽዒና ከም ዝነበረት እውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።
እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠመ ጉዱኣት ናብ መቐለ መወከሲ ሆስፒታል ዓይደር ዘግዓዘ ወለንተኛ ኣቶ ዮውሃንስ ጻድቕ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ፈተና ክወስዱ ዝቐነዩ ካብ ተምቤንን ከባቢኡን ዝመጽኡ ተምሃሮ ልዕሊ ዓቐን ኣብታ ኣውቶብስ ተጻዒኖም ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።
“ኣጋምሸት ካብ ተምቤንን ከባቢኡን ዝዀኑ ቈልዑ’ዮም ብሓንቲ መኪና ተሰዲዶም። እታ ኣውቶብስ እንተበዝሐ 60 ሰባት እያ ክትፅዕን ዝግባእ ነይሩ። ግን 105 ተምሃሮ እያ ጽዒና ነይራ። ናይ መንግስቲ መኪና ልዕሊ ዓቐን ጽዒና ክትኸድ፡ ብጣዕሚ መሰከፊ እዩ። ብኽልተ መኪና ክስደዱ ዝነበሮም ተምሃሮ እዮም ብሓደ መኪና ተጨፍሊቘም ተሰዲዶም” ኢሉ።
ካብ እቶም ግዳያት እቶም ኣርባዕተ ብኡ ንብኡ ከምዝሞቱን እቶም ክልተ ድማ ኣብ ከተማ ሓውዜን ናብ ዝርከብ መባእታዊ ሆስፒታል ፍረ ሰማእታት ምስ ተወሰዱ ህይወቶም ከም ዝሓለፈት፡ ኣቶ ዮውሃንስ ተዛሪቡ።
ካብቶም ግዳያት እዚ ሓደጋ ዝወረዶም ተምሃሮ መብዛሕትኦም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝዀኑ ኣይተ ዮሃንስ ወሲኹ ኣብሪሁ።
ኢዶም ዝተቘረጹን ናይ ውሽጢ መድመይቲ ዘጋጠሞምን ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ወለንተኛ፡ ክሳብ ሕጂ ከባቢ ትሽዓተ ዝተጐድኡ ሰባት ናብ ሆስፒታል ዓይደር ከም ዝተወሰዱን፡ ቍጽሪ ግዳያት ብዙሕ ስለዝዀነ ግን ኣይሱዙ ብዝዓይነታ መኪና ተጻዒኖም ክመፅኡ ከም ዝተገበረ ሓቢሩ።
እቲ ዘጋጠመ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ ብዝሒ ግዳያት ክውስኽ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ዩኒቨርሲቲ ዓድግራት ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ ዛጊት የለን።