እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆ ባይደን፡ 'ናይ ምዝካር ዓቕመይ ጽቡቕ'ዩ ዘሎ'
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ምስጢራዊ ፋይላት ብግቡእ ከምዘይሕዝ ዘሎ ዘረጋገጸ መርመራ፡ ቀንዲ ፍጻመታት ህይወት ንምዝካር ከምዝሽገር’ውን ገሊጹ።
ባይደን ትማሊ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ሃንደበታዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ግን፡ "ናይ ምዝካር ዓቕመይ ጽቡቕ እዩ ዘሎ" ዝብል፡ ሕርቃን ዝተሓወሶ ምላሽ ሂቡ።
'ወዱ መዓስ ከም ዝሞተ ክዝክር ኣይከኣለን' ንዝብል ድማ፡ "ከመይ ኢሉ እዩ ነዚ ከልዕለለይ ዝደፈረ?" ኢሉ።
እንተዀነ፡ እቲ መርመራ፡ ሚስተር ባይደን፡ "ብኢደ ዋኒኑ ሚስጢራዊ ፋይላት ዓቂቡን ኣቃሊዑን" ዝብል መደምደምታ ዝበጽሐ ኰይኑ፡ እንተዀነ ዘኽስስ ከምዘይኰነ ወሲኑ።
ፍሉይ ኣማኻሪ ክፍሊ ፍትሒ ሮበርት ሁር፡ ሚስተር ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ኰይኑ ኣብ ዘገልገለሉ እዋን፡ ኣብ ጉዳይ ኣፍጋኒስታን ምስ ወተሃደራውን ፖሊሲ ወጻእን ዝተኣሳሰሩ ምስጢራዊ ሰነዳት ብዘይግቡእ ከምዝሓዘ ኣዘኻኺሩ።
እቲ ኣቐዲሙ ዝተዘርግሐ 345 ገጻት ዝሓዘ ነቐፌታ ዝመልኦ ጸብጻብ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ተኽእሎ ምዝካር "ዓቢ ድሩትነት" ከምዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።
ሚስተር ሁር፡ ከም ኣካል ናይቲ መርመራ፡ ነቲ ወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ንልዕሊ ሓሙሽተ ሰዓታት ቃለ መሕትት ኣካይዱሉ እዩ።
እቲ ፍሉይ ኣማኻሪ፡ ሚስተር ባይደን መዓስ ምክትል ፕረዚደንት ከምዝነበረ ከምኡ ድማ ወዱ ቢዮ መዓስ ከምዝሞተ ክዝክር ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
ሚስተር ባይደን፡ ኣብቲ ብሓሙስ ምሸት ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቶም ፍጻመታት ምዝካር ኣብ ጥርጣረ ዘእተወ ክፍሊ መርመራ ብምንቃፍ፡ ስምዒታዊ ዀይኑ ነይሩ።
"ብግልጺ ክዛረብ እንተዀይነ፡ እቲ ሕቶ ምስ ተሓተትኩ፡ ንርእሰይ ‘እዚ ስለምንታይ ዋኒኖም ኰይኑ?’ ኢለ ሓሲበ" ይብል።
"ንሱ [ቢው ባይደን] ዝዓረፈሉ እዋን ዘዘኻኽረኒ ሰብ ኣየድልየንን'ዩ።"
ዝሓለፈ ዓመት ካብ 8-9 ጥቅምቲ ብፍሉይ ኣማኻሪ ቃለ መሕትት ኣብ ዝተገብረሉ እዋን - ኲናት እስራኤልን-ቓዛን ዝተወለዓሉ እዋን ኰይኑ፡ "ኣብ ህሞት ኣተሓሕዛ ዓቢይ ኣህጉራዊ ቅልውላው" ከምዝነበረ ገሊጹ።
እቲ መርመራ ብተወሳኺ፡ ሚስተር ባይደን: ገለ ካብቲ ብኢድ ዝተጻሕፈ ተኣፋፊ ዝዀነ ሓበሬታ ንኻልእ ሓጋዚ-ጸሓፊ ከም ዘካፈሎ ይገልጽ።
እቲ ፕረዚደንት ነዚ ‘ርኽበት’ ካብቲ መግለጺ ዝሃበሉ መድረኽ ኰይኑ ነጺግዎ።
እቲ ፍሉይ ጠበቓ፡ ንፕረዚደንት ባይደን ዘኽስስ ዘለዎ ኣይመስልን ክብል ብምድምዳም፤ “ምኽንያቱ ከምቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት፡ ከም ሓደ ርህሩህ፡ ጽቡቕ ድሌት ዘለዎ፡ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ናብ ዳያኑ ቐሪቡ ከረድእ ዝኽእል ሰብ እዩ" ብምባል፡ ናይ ምዝካር ዓቕሙ ግን ትሑት ምዃኑ ኣረዲኡ።
ዕድመ እቲ ፕረዚደንት ቅድሚ እቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ መረጻ ዋይት ሃውስ፡ መረጽቲ ኣሜሪካ ስክፍታ ከምዘለዎም ዝተገብሩ ዳህሳሳት ይሕብሩ።
ሚስተር ባይደን ግን ትማሊ ሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ 'እዝዩ ብቝዕ ሕጹይ' ምዃኑ ገሊጹ።
"ጽቡቕ ድሌት ኣለኒ" ኢሉ፤ "ሓቂ እዩ ሽማግለ እየ። እንታይ ክገብር ከምዘሊ ግን እፈልጥ እየ። እዛ ሃገር መሊሰ ብኽልተ እግራ ደው ክትብል ገይረያ እየ።”
ሚስተር ባይደን፡ ‘ኣብ ገዛኻ ምስጢራዊ ሰነዳት ምህላዎም ሓላፍነት ወሲድካ ዶ?’ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ንሰራሕተኛታቱ ወቒሱ።
ኣብ ጋራጁ ተኣፋፊ መዘኻኸሪታት ከምዘቐመጠ ከምዘይፈልጥን፡ እቲ ፍሉይ ኣማኻሪ ኣብ ጐድኒ ዓራት ከልቢ ከምዝረኸቦን ይዛረብ።
ኣብ ክፍሊ ዲፕሎማስያዊ መቐበሊ ኣጋይሽ ዋይት ሃውስ ዝርከብ ሪፖርተር ቢቢሲ፡ ነቲ ሃዋህው ወጥሪ ዝመልኦ ምንባሩ ገሊጹ።
ሓደ ጋዜጠኛ፡ ህዝቢ ኣሜሪካ ብዛዕባ ዕድመኡ ከምዝተሻቐለ ምስገለጸ፡ ሚስተር ባይደን ዓው ኢሉ፡ "እዚ ናትካ ፍርዲ እዩ" ክብል መልሲ ሂቡ።
ኣብ እዋን ፕረዚደንትነቱ ተኽእሎ ምዝካሩ "ጽቡቕ" ምዃኑ ኣትሪሩ ተዛሪቡ።
እቶም ላዕለዎት ምስጢራዊ ፋይላት ኣብ ገዛ ሚስተር ባይደን ኣብ ዊልሚንግተን ደላዌርን ካብ 2022-23 ኣብ ዝነበረ ናይ ብሕቲ ቤት ጽሕፈቱ እዮም ተረኺቦም።
እዚ ርኽበት፡ ወዲ 77 ዓመት ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ዋይት ሃውስ ድሕሪ ምስንባቱ ምስጢራዊ ሰነዳት ብዘይግቡእ ሒዙ፡ ብዝብል ብፍሉይ መርመራ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ግንቦት ብይን ክወሃቦ እዩ።
ጸብጻብ ሁር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጉዳያት ፍልልይ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ሚስተር ባይደን ነቶም ሰነዳት ንሃገራዊ ማህደር ከምዘረከበን፡ ሚስተር ትራምፕ ድማ "ኣንጻሩ ከምዝገበረን" ኣረዲኡ።