ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፡ ንምንታይ'ዩ ብሰላም ዘይቅበሩ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ብኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ተጻሒፎም ኣብ ቢቢሲ ካብ ዝቐርቡ ተኸታተልቲ ጽሑፋት፡ ጋናዊት ኤልሳቤጥ፡ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ ድሕሪ ሞቶም ኣስከሬኖም ዝዓርፈሉ ቦታ ዝምልከት ብዛዕባ ዘጋጥሙ ምስሕሓባት ዝጸሓፈቶ እዩ፡፡
እዚ ዘቕርቦ ዘለኹ ጽሑፍ፡ ዋላኳ ንዅሉ ዝምልከት ክልስ ሓሳብ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ኔርካ እንተሞይትካ ኣበይ ትቕበር ዝብል ዘሰሓሕብ ዛዕባ እዩ ዝመስለኒ፡፡
እቲ ብ 8 ሓምለ ኣብ ስጳኛ ዝሞተ ፕረዚደንት ነበር ኣንጎላ ጆሴ ኤድዋርዶ ዶስ ሳንቶስ፡ ኣበይ ይቀበር ኣብ ዝብል ዝነበረ ወጠጥ ክከታተሎ ጸኒሐ፡፡
መራሒ እታ ሃገር ጃዎ ሎሬንኮን ራብዓይቲ ሰበይቲ ፕረዚደንት ነበር ሳንቶስን፡ ኣስከሬኑ ናብ ዓዱ ተመሊሱ ሃገራዊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክፍጸመሉን ኣብ መቕበሪ ስፍራኡ ክዓርፍን ደልዮም ነይሮም፡፡
ጓሉ ቺዜ ዶሰ ሳንቶስ ግን ምስጢራውን፡ ደቁ ከምድላዮም ክርእይዎ ኣብ ዝኽእልሉ ስቱር ከባቢ ስጳኛ ክኸውን ደልያ፡፡
ንሳ ናይቶም ኣብ ኣንጎላ ክሲ ብልሽውና ዝቐርበሎምን እንተተመሊሶም ክእሰሩ ዝኽእሉን ኣሕዋታ ድጋፍ ከምዘለዋ ትገልጽ፡፡
ሓደ ካብ ደቂ እቲ መራሒ ነበር'ውን መንግስቲ ኣንጎላ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣቦኡ ናይ ምፍጻም ሕገ -መንግስታዊ ሓላፍነት ከምዘይብሉን፡ ክውስን ዘለዎ እቲ ቤተሰብ ምዃኑ ይምጕት፡፡
ሃገራት ኣብ ኣስከሬን መራሒአን ነበር ዘለወን መሰል ኣመልኪቱ ዝለዓል ምጕት ኣብ ኵሉ ዘጋጥም እዩ ዝመስል፡፡
ን 37 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝነበረን፡ ኣብ 2019 ድሕሪ ምእላዩ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝሞተን መራሒ ዚምባብወ ነበር ሮበርት ሙጋበ እውን ተመሳሳሊ ተመኵሮ እዩ ዘለዎ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኵሉ ሰብ ሙጋበ ኣብቲ ኣብ ሃራረ ዝርከብ መቓብር ሓርበኛታት ዝቕበር መሲልዎ ነይሩ፡፡
እቲ መቓብር ባዕሉ ዘስረሖን ቀዳመይቲ ሰበይቱ ሳሊ ሓዊሱ፡ ብዙሓት ናይ ናጽነት መቓልስቱ ዝተቐብሩሉን እዩ፡፡
እዚ ሕጂ ፕረዚደንት ዘሎ ምናንጋግዋ ንሙጋበ ምዕሩግ መቓብር ክሃንጸሉ ጀሚሩ'ኳ እንተነበረ፡ ስድራቤቱ ግን ብጀነራላቱ ተኻሒዱ ካብ ስልጣኑ ምስተሰጎገ ሕጕሳት ኣይነበሩን፡፡
ስድራ ቤቱ ኣስከሬኑ ነዕኦም ከም ዝምልከት ክገልጹ እንከለው፡ ድሕሪ ነዊሕ ምጕት ተዓዊቶም፤ ጅግና ቃልሲ ናጽነት ዚምባብወ ሮበርት ሙጋበ፡ ሰበስልጣን ኣብ ዘይተረኸቡሉ ኣብ ዝተወለደላ ቁሸት ተቐቢሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕሪ ናጽነት ፈላማይ መራሒ ዛምብያ ዝነበረ ኬነት ካውንዳ እውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ሞተ፡ ኣስከሬኑ ብሰላም ዝዓርፈሉ ቦታ ክረክብ ኣይከኣለን ነይሩ፡፡
ስድራኡ ከምዝብልዎ፡ ካውንዳ ኣብ ጐድኒ ሰበይቱ እምበር ኣብቲ መንግስቲ ዘዳለዎ መቓብር ክዓርፍ ድልየት ኣይነበሮን፡፡
እንተዀነ ስድራቤቱ ግድን ኢሎም ስለዘይተኸራኸሩ፡ እቲ ብ‘‘ኬኬ’’ ዝብል ናይ ፍትወት መጸውዒ ዝፍለጥ መራሒ፡ ኣብ ሉሳካ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሜሞርያል ፓርክ ተቐቢሩ፡፡
ካብ ስደት ናብ ክብሪ
ብዛዕባ እዞም ዕረፍቲ ዝሰኣኑ ኣስከሬናት ዝለዓል ክርክር ሓድሽ ኣይኮነን፡፡ ኣብ ጋና ዘለና እውን ዝለመድናዮ እዩ፡፡
ፈላማይ መራሒና ክዋመ ንክሩማ፡ ኣብ ቡካሬስት ሮማንያ ኣብ ሕክምና እዩ ሞይቱ፡፡
መጀመርታ ኣብታ ብስደት ዝነብረላ ዝነበረ ጊኒ እዩ ተቐቢሩ፤ ደሓር ግን ኣስከሬኑ ናብ ጋና መጺኡ፡፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ መንግስታዊ ስነስርዓት ቀብሪ ዝተኻየደሉ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተወለደላ ቁሸት ንክሮፉል ተቐቢሩ፡፡
ድሕሪ ዓመታት ኣብ ኣክራ ሃገራዊ መቓብር ምስተሰርሐ ድማ ናብኡ ክመጽእ ተገይሩ፡፡
ሓሓሊፉ ኣብ ቁሸት ንክሮፉል ዝርከቡ ስድራቤቱ ኣስከሬኑ ክምለስ ይሓቱ እዮም፡፡
ኣብ 2012 መራሒና ዝነበረ ጆን ኢቫንስ ኣታ-ሚልስ ኣብ ስራሕ እናከሎ ምስሞተ፡ መዕረፊ ቦታ ምርካብ ቀሊል ኣይነበረን፡፡
ገለ ኣባላት ስድራኡ ኣብ ዝተወለደሉ ቁሸት ክቕበር ደልዮም ነይሮም፡፡ መጀመርታ መንግስቲ ዘዳለዎ መቓብር እውን ምቹው ኣይኮነን ተባሂሉ ተገዲፉ፡፡ መወዳእታ ኣብ ፓርክ ክዓርፍ ተገይሩ፡፡
ኵሉ ሰብ ድሕሪ እዚ ዝሞቱ መራሕቲ ኩሎም ኣብቲ ፓርክ ዝዓርፉ መሲልዎ ነይሩ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልእ ፕረዚደንት ሃገርና ዝነበረ ጄሪ ራውሊን ድማ ዓሪፉ፡፡
ሽዑ ናብቲ ፕረዚደንት ኣታ-ሚልስ ዝተቐበረሉ ቦታ ኣይተወሰደን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ዝተወለደሉ ገጠር ዝነብሩ ስድራኡ መንግስቲ ነቲ ኣስከሬን መንጢሉና ክብሉ ከሲሶም፡፡
ኣብ መወዳእታ፡ ብምሉእ ወታሃደራዊ ክብሪ ኣብ መቓብር ወተሃራት ክቕበር ተገይሩ፡፡
ፕረዚደንት ኣታ-ሚልስ ካብ ዝዓርፍ ዝሓለፈ ሰሙን 10 ዓመቱ መሊኡ ኣሎ፡፡ ክሳብ ሎሚ ግን ብዛዕባ እቲ መቓብር፡ መን ይሓልዎን እንታይ ይጸሓፈሉን ምጕት'ዩ ዘሎ፡፡
ክሳብ ሎሚ ኣስከሬኑ ካብቲ መንግስታዊ ፓርክ ወጺኡ ኣብ ቁሸቱ ይቀበር ዝብሉ ኣባላት ስድራኡ እውን ኣለዉ፡፡
ስለዚ፡ ካብቶም ኣብ ኣፍሪቃ መራሒ ምዃን ዘለዎ ሓደጋታት እቲ ሓደ፡ ምስ ሞትካ ኣስከሬንካ ዝዓርፈሉ ቁራስ መሬት ምስኣን እዩ ኢለ እድምድም፡፡






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
