ኣብ ኣሜሪካ ሓደገኛ ፋንገስ ብዝለዓለ ናህሪ ይላባዕ ኣሎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካንዲዳ ኦረስ ዝተበሃለ ፋንገስ፡ ኣብ ኣሜሪካ ብሰፊሑ ኣብ ምልባዕ ከምዝርከብ ማእከል ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ይሕብር።
እዚ ረኽሲ ፋንገስ ሓደ ግዜ ንሰባት ምስ ለኸፈ ቀታሊ እዩ።
ኣብቶም መድሃኒት ዝተዋህቦም ሕሙማት ዝዀነ ለውጢ ኣይተራእየን።
ኣብ ኣሜሪካ በዚ 'ረኽሲ ፋንገስ' ዝተለኸፉ ብዝሒ ሰባት፡ ኣብ 2021 ካብ ዝነበረ 756 ሕዚ ናብ 1,471 ክብ ኢሉ ተባሂሉ።
ጥዑያት ሰባት በዚ ሕማም ረኽሲ ኣይጥቅዑን እዮም።
ይዅን ‘ምበር ኣብ ሆስፒታል ብፍላይ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ሕማም፤ ብሓገዝ ኣርቲፊሻል መተንፈሲ መሳርሒ (ቬንትሌተር) ዘስተንፍሱ ሰባት፡ ከምኡ’ውን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዝደኸመ ሰባት፡ ነዚ ሕማም ተቓላዕቲ እዮም።
ብፍላይ ኣረጋውያን ንካንዲዳ ፋንገስ ተቓላዕቲ እዮም ተባሂሉ።
ብዙሓት በዚ ረኽሲ ፋንገስ ዝለኽፉ ሰባት ነቲ ዝወሃቦም ጸረ-ፋንጋስ መድሃኒት ምላሽ ኣይህቡን እዮም።
በዚ ምኽንያት ሓንሳብ ምስ ተለኸፉ ክሓውዩ ኣይክእሉን እዮም።
ስለዝዀነ ማእከላት ምቍጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት (CDC) ኣብ ማእከላት ጥዕናን ሆስፒታላትን ፍሉይ ጥንቃቐ ይግበር ኣሎ።
በዚ ፋንገስ ዝተለኽፉ ሰባት ብኢቺኖካንዲን ዝበሃሉ መድሃኒታት ይሕከሙ፡ እንተዀነ ግን እቶም መድሃኒታት ንመብዛሕትኦም ሕሙማት ኣይሰርሑን ዘለዉ።
ቀንዲ ምኽንያት ዝርገሐ ናይዚ ፋንገስ፡ ኣብ ሆስፒታላት ዘሎ ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ረኽሲ እዩ ተባሂሉ።
ካልእ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ ቫይረስ ዘስዓቦ ጽቕጥቕጥ፡ ማእከላት ጥዕና ግቡእ ኣገባብ ጽሬትን ንጽህና መሳርሒታትን ዘይምሕላው ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካብ ኣሜሪካ ብተወሳኺ፡ ካንዲዳ ኦረስ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ከምዝተራእየ ይዝረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውድብ ጥዕና ዓለም ነዚ ፋንጋስ "ልዑል ዝርገሐ ዘለዎ ሓደገኛ ረኽሲ" ኢሉ መዲብዎ ነይሩ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
