ሱዳን ኣብ ግድብ ህዳሰ ተቓውሞ ከም ዘይብላ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, @PMETHIOPIA
ኣቦመንበር ሉኡላዊ ቤትምኽሪ ሱዳን ሌ/ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን፡ ሱዳን ኣብ ምዝዛም ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኾነ ተቓውሞ ከም ዘይብላ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካርቱም ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ድሕሪ ምክያዱ'ዩ እቲ መግለጺ ወጺኡ።
ኣልቡርሃን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን “ኣብ ኩሉ ምስ ግድብ ህዳሰ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት” ከም ዝሰማማዓን ከም ዝደጋገፋን ኣስሚሩሉ ክብል እቲ መግለጺ ይሕብር።
እቲ ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ህንፀት ዝፀንሐ ግድብ፡ ብዝተወሰነ ደረጃ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍራይ ከም ዝጀመረ ይፍለጥ።
ካብ ናይል ዝረኽብኦ መጠን ማይ ዝጸሉ እዩ ዝብላ ግብጽን ሱዳንን፡ ኣብ ደረጃ ማይን ምሕደራ እቲ ግድብን ቀያዲ ሕጋዊ ስምምዕ ክፍጸም ክጽዕራ ጸኒሐን እየን።
ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ሱዳን ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ዝነበራ መርገጺ ተቐይሩ ምስ ግብጺ ሓቢራ ሕቶታት ከተልዕል ጸኒሓ'ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝሓዘ ኣልቡርሃን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተራኺቡ፡ ኣብ ጉዳይ ዶባትን ግድባትን ከም ዝተዛተዩ ይዝከር።
ኣብ መዛዘሚ እቲ ምብጻሕ፡ እቶም መራሕቲ ብሓባር ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ግድብ ህዳሰን ጉዳይ ዶብን ረብሓ ህዝቦም ብዘኽብር መንገዲ ብዘተን ምርድዳእን ፍታሕ ንምርካብ ከም ዝተሰማምዑ ኣፍሊጦም።
ኢትዮጵያን ሱዳንን ዶባተን ብግቡእ ንምሕንጻጽ ሓባራዊ ኮሚሽን ዶብ ብምቛም ንዓመታት ክዘራረባ ምጽንሐን ይፍለጥ።
እንተኾነ ሱዳን ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተቖጻጸረቶ ኣብ ከባቢ ዶብ ኣልፋሻጋ ዝርከብ ልሙዕ መሬት ሕርሻ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ ይርከብ።
ሕጂ ኣብ መንጎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ምናልባት እቲ ኮሚሽን ዶብ ስርሑ ክጅምርን መፍትሒ ክረክብን ዘኽእሎ ክኸውን ይኽእል’ዩ።
ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፡ ሱዳን ተቓውሞኣን ሕቶታታን እንተ ኣልዒላ፡ እቲ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዘተ ምሕደራ ማይን ሓፈሻዊ ንጥፈታትን እቲ ግድብ ንግብጺብዘሳትፍ መልክዕ ክጅመር ይኽእል።
በብዓመቱ ብውሕጅ ናይል ተዕለቕልቕ ሱዳን፡ ግድብ ህዳሰ ነቲ ማይ ኣብ ምቁፅፃር ክጠቕማ ከም ዝኽእል እኳ እንተኣመነት፡ ኣብ እዋን ምምላእ ማይን ሕጽረት ዝናብ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋንን ብዛዕባ ፍሰት ናይቲ ግድብ ዝምልከት ኣገባብ ስምምዕ ክግበር ክትሓትት'ያ ጸኒሓ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
