ንጸሊም ኣሜሪካዊ ዝቐተሉ ኣቦን ወድን ምስ ጎረቤቶም “ብገበን ጽልኢ” ንሕልፈት ተፈሪዶም

ስእሊ ኣርበሪ ዝሓዘት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ንሓደ ኣብ መንገዲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ዘካይድ ዝነበረ ጸሊም ኣሜሪካዊ ብምቕታል ተኸሲሶም ዝጸንሑ ሰለስተ ጸዓዱ ብገበን ጽልኢ ተፈሪዶም።

ወዲ 36 ዓመት ትራቪስ ማክማይክል፡ ወዲ 66 ዓመት ኣቦኡ ግሪጎሪን ጎረቤቶም ዊልያም ብራያንን በቲ ዝፈጸምዎ ቅትለት፡ ዝሓለፈ ሰኑይ እቶም ኣቦን ወድን ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክፍረዱ እንከለዉ፡ ጎረቤቶም ብራያን ድማ ናይ 35 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ወዲ 25 ዓመት ኣሕመድ ኣርበሪ፡ ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ጆርጅያ ምስቶም ሰለስተ ሰባት ኣብ ዝተፈጠረ ግጭት’ዩ ብጥይት ተቐቲሉ።

እቲ ጕዳይ ድማ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሰልፈኛታት ዓሌታዊ ፍትሒ ክተኣኻኸቡን ድምፆም ከስምዑን ደሪኹ እዩ።

ሰለስቲኦም ውልቀሰባት ኣብ ወርሒ ለካቲት፡ ብገበናት ጽልኢ ገበነኛታት ከምዝዀኑ ተገሊፁ ነይሩ። ገበናቶም ድማ ኣርበሪ ብሰንኪ ዓሌቱ፡ ህዝባዊ ጎደና ከይጥቀም መሰል ምግታእን ፈተነ ጭውያን ይርከብዎም። ስድራቤት ማክማይክል ብኽሲ ኣጽዋር እውን ገበነኛታት ተባሂሎም’ዮም።

ኣኽበርቲ ሕጊ፡ እቶም ተኸሰስቲ ንነዊሕ እዋን ብወግዒ ይዅን ብውልቈም ዘይእሩምን ዓሌታውን ቃላት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ንዕቀት ከርእዩ ከም ዝጸንሑ ኣረዲኦም ኣለዉ።

ኣቦ ኣርበሪ ዝዀነ ማርከስ ሓደ ካብ ገበነኛታት ትራቪስ ማክማይክል ኣብ ዝፍረደሉ ዝነበረ እዋን፡ "እዞም ሰለስተ ኣጋንንቲ ንልበይ ሰባቢሮምዎ" ክብል ተዛሪቡ።

"ንጸለምቲ ሰባት ትጸልእ ኢኻ'' ክብል እውን ተሰሚዑ።

ትራቪስ ማክማይክል ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ኣይተዛረበን። ኣቦኡ ግን ብቐጥታ ምስ ስድራቤት እቲ ግዳይ ዝተዘራረበ ኰይኑ "እቲ ዝተሰከምኩምዎ ሓዘን መግለጺ ከምዘይርከቦ ይርደኣኒ እዩ” ኢልዎም።

እቲ ቕትለት ብኸመይ ኣጋጢሙ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣርበሪ ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ከባቢ ከተማ ብሩንስዊክ- ጆርጅያ ድሕሪ ቀትሪ ንስፖርታዊ ምንቅስቓስ ወጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ዩ ተቐቲሉ።

ግሪጎሪ ማክማይክል ዝተባህለ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ንፖሊስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣርበሪ ኣብቲ ከባቢ ብተኸታታሊ ምስ ዝፍጸም ምስባር ገዛውቲን ስርቅን ዝጥርጠር ሰብ ምዃኑ ከምዝኣምን ገሊጹ። ፖሊስ ግን ነዚ ዝተባህለ ምስባር ገዛ ዝምልከት ዝዀነ ይዅን ጥርዓን ከምዘይቀረበ ኣፍሊጡ’ሎ።

ስድራቤት ማክማይክል ሽጉጥን ክላሽንን ተዓጢቘም ንኣርበሪ ብመኪና ሰዓብዎ። ጎረቤቶም ብራያን ድማ ድሒሩ ናብኦም ተጸንበረ።

ትራቪስ ማክማይክል [ወዱ ንግሪጎሪ ማክማይክል] ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስክርነት፡ ክልቲኦም ገና ኣብ ናይ ጽዕነት መኪናኦም ከለዉ ንኣርበሪ ክዛረብ ከም ዝፈተነን፡ ግን ኣርበሪ ንሰለስቲኦም ከም ዘየፈራርሖም፣ ኣጽዋር ከም ዘየውጽአ፣ ምስተኸራኸርዎ ኢዱ ናብ ጁባኡ ከም ዘየእተወ ወይ ከም ዘይጨደረን ኣረዲኡ።

ሽዑ ትራቪስ ካብታ ናይ ጽዕነት መኪና ብምውራድ ምስ ኣርበሪ ንዝተፈጠረ ጐነጽ ስዒቡ ተኲሱ ወቕዖ። ኣብ ኣስከሬን ዝተገብረ መርመራ፡ ኣርበሪ ኣብ ኣፍልቡ ክልተ ናይ ጥይት ውቃዕ ከም ዝነበሮን ኣብ ጫፍ ሓንቲ ኢዱ ድማ መቃዕቲ ጥይት ከም ዝጸንሖን ኣረጋጊጹ’ሎ።

ዳኛ ሊዛ ዉድ ትማሊ ሰኑይ፡ ካብ ጠበቓ ትራቪስ ማክማይክል ንዝቐረበላ ሕቶ ነጺጋቶ'ላ። እቲ ሕቶ ትራቪስ ግዜ ማእሰርቱ ኣብ ክንዲ ኣብ ናይ ግዝኣት ቤት ማእሰርቲ ኣብ ናይ ፌደራል ቤት ማእሰርቲ ዝሓልፈሉ ኵነታት ክፍጠር ዝጠልብ ነይሩ።

ትራቪስ ኣብ ናይ ግዝኣት ቤት ማእሰርቲ ክጸንሕ እንተተገይሩ ዳርጋ “ኣብ ዕጹው ገዛ ብሞት ምቕጻዕ"ን ብኻልኦት እሱራት መጥቃዕቲ ክፍጸሞ ናብ ዝገብር ሓደጋ ከም ዝቃላዕ ምግባር ምዃኑን ብምግላጽ ተማጒቱ።

ኣብ ጥሪ፡ ትራቪስን ግሪጎሪ ማክማይክልን ብሰንኪ'ቲ ተኲሶም ዝፈጸምዎ ቅትለት ናይ ምሕረት ዕድል ብዘይብሉ ንዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ከምዝተፈረዶም ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ክልቲኦም ብዝፈጸምዎ ቅትለት መንእሰይ ኣርበሪ ጣዕሳ ወይ ሓዘኔታ ከምዘየርኣዩ ዳኛ ገሊጹ ነይሩ።

ብራያን እውን ዝለዓለ ናይ ዕድመ ልክዕ ፍርዲ ክፍረዶ እንከሎ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ግን ናይ ምሕረት ተኽእሎ ከምዘሎ ተነጊርዎ።

እቶም ገበነኛታት ነቲ ፍርዶም ይግባይ ሓቲቶምሉ ኣለዉ።