እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትራምፕ ‘ምእሳሩ’ ዝገልጽ ስእልታት ሓቀኛ ከምዘይኮነ ብኸመይ ምልላይ ይከኣል?
ብሰብሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ዝተዳለወ ንዶናልድ ትራምፕ ዝመስል ስእሊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብብዝሒ ተራእዩ ኣሎ።
መብዛሕትኡ እቲ ስእልታት፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ንሓንቲ ምስኣ ጾታዊ ዝምድና ከም ዝነበሮ ዝጥቀስ ሰበይቲ፡ ምስጢር ምእንቲ ከይተውጽእ፡ ገንዘብ ብምኽፋሉ ክሲ ክምስረቶ ዝኽእል ትራምፕ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ዘርኢ እዩ።
ዛጊት ግን ትራምፕ ክሲ ኣይተመስረቶን ዘሎ።
መብዛሕትኦም እቶም ነቲ ኣሳእል ዘሰጋግሩ ዝነበሩ ሰባት ስኑዕ ምዃኑ ይገልጹ ነይሮም እዮም፤ በዚ ከኣ ንብዙሓት እኳ ዘታልል እንተዘይነበረ፡ ሓቂ ዝመሰሎም ግን ሒደት ኣይኮኑን።
ብሓሙስ፡ ትራምፕ'ውን ንባዕሉ ሓደ ብሰብሰርሖ ብልሒ ዝተዳለወ ስእሊ ኣብቲ ናቱ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ዘርጊሑ። እቲ ፕረዚደንት ነበር ተንበርኪኹ እናጸለየ ዘርኢ እዩ።
ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ (ኤኣይ) ንዝተዳለወ ስእሊ ክነለልየሉ እንኽእል ምልክታት ኣሎ ዶ? ብኸመይ ኢና ኸ ነቲ ሓቀኛ ካብቲ ስኑዕ ክንፈልዮ እንኽእል?
ገለ ፍልይ ዝበለ ነገር'ዶ ይህልዎ?
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝኣመሰለ ኣብ ኦንላይን ዝዘዋወር ዘሎ ስእልታት፡ ኣዝዩ ዝተጋነነ ይመስል። ካብ ብሃንደበት ብካሜራ ዝተስኣለ ናብ ኮነ ኢልካ ንስእሊ ተዳሊኻ ዝተወሰደ እዩ ዝመስል።
ቅርብ ኢልካ ምርኣይ ከኣ ገለ ፍልይ ዝበለ ነገራት ክተስተብህል ይሕግዘካ እዩ።
ኣብ ማእከል እቲ ስእሊ እንተርኢኹም፡ ኣእዳው ትራምፕ ኣዝዩ ሓጺሩ ኣሎ፤ እቲ ብጸጋም ዘሎ ፖሊስ’ውን ኢድ ሰብ ዘይኮነ ካልእ ነገር ዝሓዘ እዩ ዝመስል።
ኣብ ክሳድ ትራምፕ እውን፡ እቲ ርእሱ ካብ ካልእ ስእሊ ቈሪጽካ ኣምጺኻ ዘቐመጥካዮ ይመስል።
እቲ ህልው ቴክኖሎጂ ኣብ ገለ ኣካላት ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣእዳው ውርጹጽ ከምዘይኮነ ክኢላ ኤኣይ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሄንሪ ኣጅደር ይገልጽ።
“ነቲ ስእሊ እንተ ኣቕሪብካዮ፡ ኣብ ብዝሒ ኣጻብዕ ኣብ ዝኣመሰሉ ነገራት ዘይምስናይ ምርኣይ ይከኣል እዩ” ይብል።
ካልኦት ከ እንታይ ይብሉ?
ትራምፕ ክሲ ምስ ዝምስረተሉ ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከባ መራኸቢ ብዙሃን ቀንዲ ዜና ከምዝገበራኦ’ውን ምግንዛብ የድሊ።
እቲ ፕረዚደንት ነበር ናይ ብሓቂ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ወላ’ውን ተኸሲሱ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ ዝተወሰኑ ድሕረ-ገጻት ምፍታሽ እኹል እዩ።
ካልእ ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ጉዳይ እቲ ስእሊ ዝዝርግሓሉ ዘሎ ኵነታት እዩ። መን እዩ ዝዝርግሖ ዘሎ፡ ሰለምንታይ ይዝርግሖ ኣሎ?
ብዙሕ ግዜ ሰባት ንሓደ ስእሊ ሼር ዝገብርዎ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኦም ንምጉላሕ እዩ ይብል ኣጅደር።
ድምጺ ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ኣሜሪካ ነበር ናንሲ ፔሎሲ ከምዝዝሕል ብምግባር፡ ሰኺራ ከምዝተዛረበት ንምምሳል ዝተገበረ ስኑዕ ቪድዮ ብምጥቃስ ከኣ ኣጅደር እቲ ቪድዮ “ወላ’ኳ ከምዝተመስርሐ ንጹር እንተነበረ፡ ብዙሓት ሰባት በቲ ቪድዮ ተታሊሎም፡ ወይ ከኣ ክኣምንዎ ደልዮም እዮም” ይብል።
ተወስኽቲ ዘደንጽው ነገራት
ነቲ ስእልታት ቅርብ ኢልካ ምርኣይ ንባዕሉ ብዙሕ ዘጠራጥር ነገራት ክትርኢ የኽአል እዩ።
ተፈጥሮኣዊ ዘይኮነ ሕብሪ ቈርበትን ገጽን ዝደብዘዙ ነገራት ምስ ዝውሰኾ ምልክታት ስኑዕ ስእሊ እዩ።
ኣብ ላዕሊ ኣብ ዘሎ ስእሊ፡ ኣብ የማናይ ሸነኽ ማእከል፡ ሓደ፡ ገጹ ዝሃሰሰ ሰብ ይርአ። ጸጕሪ ትራምፕ እውን ሃሲሱ ገጹ ግና ብንጹር ይርአ።
ቴክኖሎጂ ኤኣይ፡ ኣዒንቲ እውን ብልክዕ ምቕማጥ ገና ኣይመለኸን ዘሎ።
ኣብ ላዕሊ ኣብ ዘሎ ስእሊ፡ ኣባላት ፖሊስ ንትራምፕ እናኣጓየይዎ የርኢ፤ እንተኾነ ናብ በበይኑ ሸነኽ እዮም ዝርእዩ ዘለው። ብዘይካ’ዚ ወላ’ኳ ኣብ ቅልጡፍ ምንቅስቓስ እንተሃለው፡ ኵላቶም ብንጹር ይረኣዩ።
ንመጻኢ የስግእ ዶ?
ምስናዕ ስእልታት “ሓድሽ ኣይኮነን” ዝብሉ ክኢላታት ኤኣይ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ቅልጣፈ ቴክኖሎጅን፡ ኣብ ዘይግቡእ መዓላ ናይ ምውዓል ተኽእሎኡን ዘሻቕል ምዃኑ ይገልጹ።
ትራምፕ ፍሉጥ ሰብ ስለዝዀነ ነቲ ስኑዕ ንምልላይ ብዙሕ ኣጸጋሚ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ናይ ዘይፍለጡ ሰባት ስእሊ ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእልን፡ እዚ ምዕባለ እቲ ቴክኖሎጂ ተወሲኽዎ ዝያዳ ክኸብድ ምዃኑን እቶም ክኢላታት ይዛረቡ።