መወንጨፊ ዓረር ኑክሌር ኣብ ገዛ ሓደ ኣሜሪካዊ ውልቀሰብ ተረኺቡ

Published

ፓሊስ ዋሽንግተን፡ ኣብ ጋራጅ መአከቢ ኣረጊት ኣቕሑ ሓደ ውልቀሰብ ዝተረኽበ ንብረት፡ ዝመረተ ናይ ኑክሌር ሚሳይል ምዃኑ ሓቢሩ።

ብረቡዕ ኣብ ግዝኣት ኦሃዮ ከተማ ቤልቩ ዝርከብ ወተሃደራዊ ቤተመዘክር፡ ዘይንቡር ህያብ ከምዝቐረበሉ ብምግላጽ ንፖሊስ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እቲ ጉዳይ ተፈሊጡ።

እዚ ከም ቅርሲ መሳርሒ ኲናት ምእንቲ ክቕመጥ እቲ ቤተመዘክር ክወስዶ እቲ ውልቀሰብ ብምሕታቱ፡ ፖሊስ እቲ ሓበሬታ ምስ በጽሖ፡ ቦምባ ዘምክን ጉጅለ ናብቲ ገዛ ልኢኹ።

ፖሊስ ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ዝተረኽበ ንብረት “1.5 ኪሎ ቶን ዓረር ኑክሌር ክስከም ዝኽእል ካብ ኣየር ዝትኮስ ሮኬት” ምዃኑ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ኣብቲ ሮኬት ክፍንጀር ዝኽእል ዓረር ኑክሌር ከምዘይነበረ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ማሕበረሰብ ንሓደጋ ዘቓልዕ ከምዘይነበረ ኣረጋጊጹ።

ኣፈኛ ፖሊስ ቤልቩ፡ ሴዝ ታይለር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ዝተረኽበ ንብረት “ንመወንጨፊ ሮኬት ዘገልግል ጋዝ መትሓዚ እዩ፡” ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ እቲ ናብቲ ስፍራ ዝተዋፈረ ጉጅለ ምምካን ቦምባ፡ ብዛዕባ እቲ ቈፎ መግለጺ ምውጻእ ኣድላዪ ከምዘይኮነ እዩ ሓቢሩ ኔሩ ብምባል እቲ ጉዳይ “ብዙሕ ዘሻቕል ኣይኮነን” ኢሉ።

መንነት እቲ ንብረት ኣብ ገዛኡ ዝተረኽበ ውልቀሰብ ኣይተገለጸን።

መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ጉዳይ ዝሃብኦ ሽፋን “ኣዝዩ ከምዘበሳጨዎ” ዝገለጸ እቲ ኣፈኛ ፖሊስ፡ እቲ ቤተመዘክር ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ናብ ፖሊስ ክሕብር ምዃኑ ዘይፈለጠ እቲ ውልቀሰብ፡ ካብ ፖሊስ ምስ ተደወለሉ ከምዝተገረመ ተዛሪቡ።

ፖሊስ ነቲ ንብረት ክምርምርን ክፍትሽን እቲ ውልቀሰብ ጽቡቕ ምትሕብባር ምግባሩን ዝኾነ ጉድኣት ከምዘየብጽሕ ንምርግጋጽ ከምዝተኽኣለን’ውን ተገሊጹ።

ሰብ መዚ እታ ካብ ስያትል ንሸንኽ ምብራቕ እትርከብን 150 ሽሕ ነበርቲ ዘለዋን ከተማ፡ ኣብኡ ናይ ኑክሌር ዓረር ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ግምት ኣይነበሮምን።

እቲ ውልቀሰብ ነቲ ሮኬት ምስ ካልእ ንብረት ከምዝገዝኦን እቲ ዝሸጠሉ ጎረቤቱ ብህይወት ከምዘየሎን ፖሊስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ነቲ ዝተረኽበ ሮኬት “ምፍንጃር ዘየስዕብ ቅርሲ” ኣብ ዝብል መዲብዎ ኣሎ።

እቲ ሮኬት ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ ኣሜሪካን ካናዳን ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓለ ጋዜጣ ስያትል ታየምስ ሓቢሩ።

እቲ ፈላምን እንኮን እዚ ሮኬት መወንጨፊ ኑክሌር ዝተተኮሰ ኣብ 1957 ምንባሩ’ውን ጠቒሱ። ምፍራይ እቲ ሮኬት ኣብ 1962 እዩ ተቋሪጹ።